ኣብ ቀይዲ ኣትያ ዝነበረት ቲፋኒ ሓድሽ 'ሓገዝ' ከም ዘድልያ ተዛሪባ

ቲፋኒ ሓድሽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መስተ ሰትያ መኪና ብምዝዋር ተጠርጢራ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ዝነበረት ፍልጥቲ ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ተዋዛይት ቲፋኒ ሓድሽ "ገለ ሓገዝ ክትረክብ” ከምእትደሊ ተዛሪባ።

እታ ተዋሳኢትን ተዋዛይትን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሞተር መኪና ከይጠፍአ እንከሎ ኣብ ውሽጢ መኪናኣ ወዲቓ ምስ ተረኽበት'ዩ ፖሊስ በቨርሊ ሂልስ (ካሊፎርኒያ) ኣሲሩዋ ነይሩ።

ጓል 43 ዓመት ቲፋኒ ንማዕከን ሓበሬታ ‘ኢንተርተይንመንት ቱናይት’ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “እዚ ዳግማይ ኣይከጋጥምን’ዩ” ክትብል ቃል ኣትያ።

“ሚዛንን ደረትን ንክመሃር ገለ ሓገዝ ክረክብ እየ”።

‘ኢንተርተይንመንት ቱናይት’ ከም ዝሓበሮ ቲፋኒ ኣብ ውሽጢ መኪና ደቂሳ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ እታ ሒዛታ ዝነበረት ቴስላ ደው ኢላ ከም ዝነበረት ግን ከኣ ንገለ ክፋል ናይቲ ጎደና ዓጽያቶ ተረኺባ።

ፖሊስ ነቲ ኩነታት ንዝኣለየሉ ኣገባብ ድማ ኣመስጊና።

‘TMZ’ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ዝረኸቦ ቪድዮ ድማ፡ ቲፋኒ ብመቑሕ ተኣሲራ ናብ መኪና ፖሊስ ክትኣቱ እንከላ የርኢ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ፡ እታ ተዓዋቲት ሽልማት ግራሚን ፕራይምታይም ኤሚን፡ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ኣብ ዝተኻየደ ናጻ ድግስ መዓልቲ ምስጋና (Thanksgiving feast) ምርኢት ኣቕሪባ ነይራ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ተዋሳኢት ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣብ 2022 ኣብ ጆርጂያ ከተማ ፒችትሪ ሲቲ መስተ ሰትያ መኪና ብምዝዋር ተኸሲሳ ተኣሲራ ምንባራ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ መስከረም 2022 ቲፋኒ ሓድሽ ድሕሪ ዝቐረበላ ዘይዕዉት ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ስርሓ ከም ዝሰኣነት ተዛሪባ ክብላ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን ነይረን።

እቲ ኣብ ልዕሊኣ ተመስሪቱ ዝነበረ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ዝተኣሳሰር ክሲ'ኳ እንተተሰረዘ ኣብ ስራሓ ከቢድ ጽልዋ ከም ዘስዓበላ'ያ ቲፋኒ ተዛሪባ ነይራ።

እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ሎስኣንጅለስ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ፡ ቲፋኒ ምስ ተዋሳኣይ ኣርየስ ስፒርስ ብምዃን ንክልተ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ጾታዊ ተግባራት ዘመላኽት ነገራት ክገብሩ ኣገዲዳ ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪቡላ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ክልተ ኣስማቶም ዘይተገልጸ ከሰስቲ ኣሕዋት፡ ነቲ ክሲ ከምሰሓቦ’ኳ እንተኣፍለጠ፡ ንሽማ ዝደወነ ብምዃኑ ብዘይ ስራሕ ከም ዝተረፈት ቲ-ኤም-ዚ ንዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

ቲፋኒ ኣብ 2017 ምስ ጃዳ ፒንኬት ስሚዝን ንግስቲ ላቲፋን 'Girls Trip' ኣብ ዝተሰምየ ኮሜዳዊ ፊልም ተዋሲኣ እያ።

ኣብ 2018 ኣብ ‘ሳተርደይ ናይት ላይቭ’ ብዘርኣየቶ ብቕዓት ተዋስኦ ሽልማት ኤሚ ክትዕወት እንከላ፡ ኣብ 2021 ድማ በቲ 'ብላክ ሚትዝቫህ' ዝተሰምየ ኣልበም ኮሜዲ ግራሚ ተዓዊታ።

ኣብ ሽልማት 'ኤሚ' ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበ ክዳን ተኸዲና ክትቐርብ እንከላ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መበል 90 ጽምብል ሽልማት 'ኦስካርስ' ድማ ባህላዊ ክዳን ሓበሻ ምኽዳና ኣቓልቦ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ስሒቡ ነይሩ።

ኣብ ታሕሳስ 2021 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐት ቲፋኒ፡ "ብዛዕባ መጻኢ ህዝቢ" ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረበት ብምግላጽ፡ "መንእሰያት [ኤርትራ] ብዙሕ ዝጽበይዎ ነገር ኣሎ" ክትብል ኣብ ትዊተርን ኢንስታግራምን ጽሒፋ ነይራ።

ኣብቲ ዘካየደቶ ኣብ መበቆል ዓዳ "ገዛ ከረን" (ዞባ ደቡብ) መሬት ጤሳ ከም ዝተዋህባ'ውን ይዝከር።

ኣብ 2019 ናብታ ሃገር ኣብ ዝተመለሰትሉ እዋን'ውን፡ ኤርትራዊ ዜግነትን ወረቐት መንነትን ተዋሂባ እያ።