ቲፋኒ ሓድሽ ብሰንኪ ዝቐረበላ ዘይዕዉት ክሲ ስራሓ ከምዝሰኣነት ተዛሪባ- ጸብጻባት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍልጥቲ ኤርትራዊት-ኣመሪካዊት ተዋዛዪትን ተዋሳኢትን ቲፋኒ ሓድሽ ድሕሪ ዝቐረበላ ዘይዕዉት ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ስርሓ ከምዝሰኣነት ተዛሪባ ክብላ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ጸብጺበን።
ተመስሪቱላ ዝነበረ ምስ ጾታዊ ዓመጽ ዝተኣሳሰር ክሲ'ኳ እንተተሰረዘ ኣብ ስራሓ ከቢድ ጽልዋ ከምዘስዓበላ'ያ ቲፋኒ ትገልጽ።
እቲ ኣብ ቤትፍርዲ ሎስኣንጀለስ ተመስሪቱ ዝነበረ ክሲ፡ ቲፋኒ ምስ ተዋሳኣይ ኣርየስ ስፒርስ ብምዃን ንክልተ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ጾታዊ ተግባራት ዘመላኽት ነገራት ክገብሩ ኣገዲዳ ዝብል ክሲ'ዩ ቀሪቡላ ነይሩ።
ሓደ ካብቶም ክልተ ኣስማቶም ዘይተገልጸ ከሰስቲ ኣሕዋት፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ነቲ ክሲ'ኳ እንተ ከምሰሓቦ እንተኣፍለጥ፡ ንስማ ዝደወነ ብምዃኑ ብዘይ ስራሕ ከምዝተረፈት ቲ-ኤም-ዚ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
እቲ ኣብ 2013፡ ከም'ውን ኣብ 2014 ከምዝተፈጸመ ዝቐረበ ክስታት፡ ነቶም ኣብቲ እዋን ትሕቲ ዕድመ ዝነበሩ ቆልዑ ናብ ኢንዱስትሪ ምርኢታት ኮመዲ ንክኣትዉ ንምሕጋዞም ምስ ዝገበረቶ ፈተነ ዝተሓሓዝ'ዩ ክብል ሲ-ኤን-ኤን ብወገኑ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ'ሎ።
እንተኾነ ግን፡ ባዕላ ብቐጥታ ይኹን ብጠበቓታታ ብዛዕባ ዘስዓበላ ክሳራታት ብወግዒ ዝሃበቶ ዝርዝር መግለጺ የለን።
ኮሚድያን ቲፋኒ ሓድሽ፡ ካብ ኤርትራዊ ኣቦኣ- ጸሃየ ረዳ ሓድሽን ካብ ኣፍሪቃዊት ኣሜሪካዊት ኣዲኣ- ለኦላን ኣብ 1979 ኣብ ደቡባዊ ሎስ-ኣንጀለስ ካሊፎርንያ እያ ተወሊዳ።
ቲፋኒ ብተለቪዥን ኣብ ዝመሓላለፍ ተኸታታሊ ፊልም 'If loving you is wrong' ከምኡውን ኮመድያዊ ፊልምታት 'Girls Trip' ብዝተዋስኣቶ ጠባያት ተፈላጥነት ዝረኸበት'ያ።
ብዘይካ'ዚ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ፊልምታት ተዋሲኣ እያ።
ቲፋኒ ኣብቲ ኣብ 2018፡ መበል 90 ጽምብል ሽልማት ኦስካርስ ኣብ ዝተኣንገደሉ ከተማ ሆሊዉድ ኣሜሪካ፡ ባህላዊ ክዳን ሓበሻ ምኽዳና ኣቓልቦ ብዙሓት ማእከናት ዜና ዝሰሓበ ኮይኑ ነይሩ።
ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ጽምብል ሽልማት 'ኣሚ' ኣብ ዝተረኽበትሉ እውን ብሕብርታት ባንዴራ ኤርትራ ዝወቀበ ክዳን ተኸዲና ምቕራባ ይዝከር።
ኣብ ታሕሳስ 2021 ናብ ኤርትራ ዝበጽሐት ቲፋኒ፡ "ብዛዕባ መጻኢ ህዝቢ" ኤርትራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከምዝተዘራረበት ብምግላጽ፡ "መንእሰያት [ኤርትራ] ብዙሕ ዝጽበይዎ ነገር ኣሎ" ክትብል ኣብ ትዊተርን ኢንስታግራምን ጽሒፋ ነይራ።
ኣብቲ ዘካየደቶ ኣብ መበቆል ዓዳ "ከዛ ከረን" (ዞባ ደቡብ) መሬት ጤሳ ከምዝተዋህባ'ውን ይዝከር።
ኣብ 2019 ናብታ ሃገር ኣብ ዝተመለሰትሉ እዋን'ውን፡ ኤርትራዊ ዜግነትን ወረቐት መንነትን ተዋሂባ ነይራ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







