ጸሓፊት ይርጋኣለም ፍስሃ ተዓዋቲት ሽልማት ባየር ጀርመን ምድንፋዕ ስነጥበብ 2023 ኰይና

ምንጪ ስእሊ, Yirgalem Fisseha
ኤርትራዊት ጸሓፊት ይርጋኣለም ፍስሃ ብ‘ባይረሽ ኩንስትፎርደረፕራይስ’ [Bayerischer Kunstförderpreis] ኣብ ምድንፋዕ ስነጥበብ ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ተዓዋቲት ሽልማት ኰይና።
እዚ ሽልማት ካብ 1965 ጀሚሩ ብዘይምቍራጽ ዓመታዊ ብሚኒስትሪ ሳይንስን ስነጥበብን ክፍለ ግዝኣት ባየር ጀርመን ክወሃብ ዝጸንሐ እዩ።
ይርጋኣለም ፍስሃ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕተት፡ በታ ኣብ ሚያዝያ ናብ ቋንቋ ጀርመን ተተርጕማ ብ “Ich bin am Leben” ዝብል ኣርእስቲ ዝተሓተመት፣ ኣቐዲማ፡ ‘ኣለኹ’ ብዝብል ኣርእስቲ እኩባት መበቈላውያን ግጥምታታ ሒዛ ብትግርኛ ተሓቲማ ዝጸንሐት መጽሓፋ ናብቲ ሽልማት ምብቅዓ ገሊጻ።
እቲ ክፍሊ ኣብ ዓውድታት ስነጥበብ፡ ቅብኣ፡ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሳዕስዒት፡ ሙዚቃን ስነጽሑፍን ዓመታዊ ብውልቂ ንዝዕወቱ ሽዱሽተ ሽሕ ኤሮ፣ ብጕጅለ ንዝዕወቱ ከኣ 10 ሽሕ ኤሮ ገንዘባዊ ሽልማትን ምስክር ወረቐትን ዝህብ ትካል’ዩ።
ይርጋኣለም ፍስሃ ሰኑይ 27 ሕዳር ኣብ ከተማ ሙኒኽ ኣብ ዝተኻየደ ድሙቕ ስነስርዓት’ያ ሽልማታ ተቐቢላ።
ይርጋኣለም፡ እዚ ዝተወሃባ ኣፍልጦን ሽልማትን ን መጻኢ ስርሓታ ክፍጥረላ ዝኽእል ድርኺት ኣመልኪቱ ንዝቐረበላ ሕቶ፡ “ንሽልማት ኢልካ ዋላ ኣይትስራሕ ክትሽለመሉ እንከለኻ ግን ቀሊል ነገር ኣይኰነን፡ ንዓይ ዝያዳ ስምዒት ዝፈጥረለይ እዞም ኣብዛ ዘሸለመትኒ መጽሓፍ ዘለዉ ግጥምታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐጥቀጥኩሎም ስለዝዀኑ’ዮም” ኢላ።
ይርጋኣለም፡ “ኣብ ዓደይ ዝተቐጥቐጥኩሉ፡ ዝተቐጻዕክሉ፡ ዝተሳቐዅሉ ግጥምታት ሕጂ ኣብዚ ክሽለመሉ እንከለኹ ዝፍጠር ስምዒታት’ዩ ኣብ ርእሰይ ዝመጽእ” ኢላ።
ኣብ ኤርትራ ንሽዱሽተ ዓመት ተኣሲራ ዝነበረት ይርጋኣለም፡ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ምስ ኣምረሐት ዛጊት ‘ኣለኹ’ ፡ ‘ዘይበረየ ጐድነይ’ “Ich bin am Leben” ከምኡ ከኣ ምስ ታንያ ኪንከል ዝተበሃለት ጸሓፊት ብምዃን “Freiheit in Briefen” ዘርእስተን መጻሕፍቲ ንማሕተም ኣብቂዓ ኣላ።
ይርጋኣለም ዛጊት ንዘፍረየቶ ስርሓት ኣመለኪታ፡ “መጻሕፍቲ ንኸሕትም ብናተይ ውልቃዊ ጻዕሪ ዝተፈጠረ ጥራይ ኣይኰነን፡ ከም ፔን ጀርመን ዝኣመሰሉ ዓቢ ዕድላት ፈጢሮምለይ’ዮም፤ ምኽንያቱ ክልቲኤን እተን ናይ ጀርመን መጻሕፍተይ ፔን ጀርመን ብዘዳለዉለይ ዕድል’የ ከዳልወን ክኢለ” ትብል።
ኣተሃሒዛ፡ “ኣነ ተገዲደ’የ ካብ ዓደይ ተሰዲደ፡ ንስደተይ ትርጕም ከውጽኣሉ እንተዀይነ ከኣ ተሰዲደ ክጽሕፍ ኣለኒ፣ ተሰዲደ ክጽሕፍ እንተዘይክኢለ ምውጽአይ ትርጕም የብሉን ኣብ ዓደይ ኮፍ ምባል ምሓሸኒ፤ ክጽሕፍ፡ ድሌተይ ክብል፡ እቲ ኣብ ዓደይ ክብሎ ዘይከኣልኩ ክገብርን ክብል ኢለ ከምዝተሰደድኩ’የ ንነብሰይ ዝሓስብ” ትብል።
እዚ ንሳ ዝተሸለመቶ ሽልማት ነቲ ካብ 2001 ጀሚሩ ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ተኣሲሩ ዘሎ ኣዳላዊ ጋዜጣ ብሕቲ ዝነበረ ኣማኑኤል ኣስራት ከተበርክቶ ባህ ከምዝብላ ትሕብር።
“ኣነ ነዚ ሽልማት ብናይ ምጽሓፍ ክእለተይ ጥራይ’የ በቒዐዮ ኢለ ኣይኰንኩን ዝሓስብ፣ እንኮላይ ዛንታይ’ዩ ነዚ ሽልማት ኣብቂዑኒ። ምኽንያቱ ገለ ኣብቲ መጽሓፍ ካብ ዘለዉ ግጥምታት ምኽንያት መቕጽዒየይን ምኽንያት ስቓየይን’ዮም ገሊኦም ከኣ ውጽኢት ናይ ወጽዓይ’ዮም. . .።
“. . . ኣማኑኤል ኣስራት ከኣ ንሞይኡ ብዘለዎ ተወፋይነት ዕድመ ናይ ሓደ በጽሒ፡ ዕድመ ናይ ሓደ ወለዶ ሃለዋቱ ተሰዊሩ ሓደ ካብቶም ዋጋ ዝኸፍሉ ዘለዉ’ዩ፤ ንዓይ ከኣ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ምጽሓፍ ኣብ ዝፍትነሉ ዝነበርኩ ብናቱ ምትብባዕ ናቱ ጋዜጣ ዝልዓለ ዕድላት’ያ ትፈጥረለይ ነይራ። ከም ገጣሚ ከኣ ኣዝዩ ዝጸለወኒ ሰብ’ዩ፡ ስለዚ እዚ ሽልማት ክቕበል እንከለኹ ንሱ’ዩ ቀዲሙ ኣብ ርእሰይ ዝመጽእ፡” ትብል።
ፔን ኤርትራ ኣብ ዝህቦ ዓመታዊ ሽልማት ኣብ 2019 በዅሪ ተዓዋቲት ዝዀነት ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ተሸላሚት ናጻን ተባዕን ጋዜጠኛ – ሽልማት MMY 2022፡ ኣብ 2019 ሓንቲ ካብ 5 ለወጥቲ ደቂ ኣንስትዮ ጸሓፍቲ ተባሂላ ብፐን ኢንተርናሽናል ዝተሰምየት፡ ከምኡ ከኣ ተዓዋቲት Georg Elser prize 2023 እውን’ያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







