ይርግኣለም ፍስሃ፡ "ነቶም ኣብ ሸላ ዘለዉ እሱራት እናሓሰብኩ'የ ተቐቢለያ"

ይርግኣለም ፍስሃ

ምንጪ ስእሊ, Pen Eritrea

ጋዜጤኛን ገጣሚትን ይርግኣለም ፍስሃ፡ ኣብ ሮተርዳም - ሆላንድ ኣብ እተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ፔን ኤርትራ፡ ብሓርነት ምግላጽ ሓሳባት ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ተዋሂባ።

እቲ ሽልማት ብስነ ጥበባዊ ኤርምያስ ዑቕበ ዝተዳለወት ቅርጻን ገንዘባዊ ሽልማትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ብዋና ዳይረክተር ፔን ኢንተርናሽናል ካርለስ ቶርነር እዩ ተዋሂቡዋ። እታ ስነ-ጥበባዊት መንእሰይ፡ እቲ ሽልማት ምስ ተዋህባ፡ "በዚ ዝተዋህበኒ ሽልማት ሕጉስቲ'የ፡ ይኹን'ምበር፡ ኣነ ገና ኣብ ጉዕዞ እየ ዘለኹ። ስለዚ እዚ ንዝሓለፍክዎ ሂወት ኣፍልጦ ዝህብ ሽልማት ኣብ ዝሓዝክዎ ጉዕዞ ንክቕጽል ክድርኸኒ'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ሓቢራ።

ኣባል ኣማኻሪት ቦርድ ፔን ኤርትራን፡ መማይት ሽማግለ ሽልማት 2019 ዶክተር ዳንኤል ረዘነ መኮነን፡ ኣባላት ፔን ኤርትራ፡ ብውልቂ ይኹን ብጉጅለ ነዚ ሽልማት ይበቕዕ'ዩ ዝብልዎ ሰብ ክሮቕሑ ብዝተሓበሮም መሰረት፡ ንይርግኣለም ፍስሃ ምስ ካልኦት ሰባት ከምዝሓጸዩዋን፡ ብኹለንትነኣ ሓርዮም ከምዝሸለሙዋን ሓቢሩ።

ይርግኣለም ፍስሃ ካብ ዋን ዳይረክተር ፔን ኢንተርናሽናል ካርለስ ቶርነር ሽልማታ እናተቐበለት

ምንጪ ስእሊ, Yirgalm Fisseha

መግለጺ ስእሊ, ይርግኣለም ፍስሃ ካብ ዋን ዳይረክተር ፔን ኢንተርናሽናል ካርለስ ቶርነር ሽልማታ እናተቐበለት

ይርግኣለም ፍስሃ ብወገና፡ " እቲ ሽልማት፡ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርትን ሸላታትን ኤርትራ ዘለዉ፡ ሓሳባቶም ክገልጹ ዘይክኣሉ፡ ብዓቢኡ፡ ኣብታ ድሌትካ ክትብለላ ዘይትኽእል ኤርትራ ንዘለዉ ንዓይ ዝመስሉ ወኪለ ከም ዝተቐበልክዋ እየ ዝሓስቦ" ትብል።

ዶክተር ዳንኤል ረዘነ፡ ይርግኣለም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ኣብ ምዕባለ ስነ ጽሑፍ፡ ስነ ግጥምን ሓጺር ዛንታን ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝገበራ ደቀንስትዮ ምዃናን፡ ኣብ ዘበነ ጋዜጣታት ብሕትን ድሕሪኡን ብዙሕ ግጥምታትን ሓጸርቲ ጹሑፋትን ናብ ህዝቢ ከምዘቕረበት ይገልጽ።

ይርግኣለም ፍስሃ፡ ኣብ ሬድዮ ባና እናሰርሐት፡ ካብ 2009 -2015 ንሽዱሽተ ዓመታት ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲራ፡ ኣሰቃቒ ህይወት ዘሕለፈት ስነ-ጥበባዊት እያ። ምኽንያት መእሰሪኣ ከኣ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስተፈትሐት ከኣ፡ ኣብ 2018 ካብ ኤርትራ ወጺኣ ናብ ኡጓንዳ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ መወዳእታ 2018 ኣብ ሃገረ ጀርመን ማህደረ ትምህርቲ ረኺባ ንኤውሮጳ ወጺኣ።

ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ መኮንን

ምንጪ ስእሊ, ዶ/ር ዳንኤል ረዘነ መኮንን

ይርግኣለም ፍስሃ፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበረ ትንሳኤ ስነ ጽሑፍ ኣብ መኣዲ ስነ ጥበባት፡ ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓሞትን ብተደጋጋሚ ዕድምቲ ኮይና ስነ ጥበባዊ ትሕስቶኣ ከተቕርብ እንንከላ፡ ኣብ መኣዲ ስነ ጥበብ ዓዲ ቀይሕ ከአ ኣብ ምምስራታ ኮነ ዕቤታን እጃማ ኣበርኪታ እያ።

ዶክተር ዳንኤል ረዘነ "ይርግኣለም ፍስሃ ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ገና ኣብ ውሑስ ቦታ እንከይበጸሐት፡ ስነ ጽሐፋዊ ኣበርክቶኣ ብምጅማር ትብዓታ ብምምስካር ተዋቲት፡ ሽልማት ሓርነት ምግላጽ ሓሳባት እዚ ዓመት ክትከውን ከም ዝበቐዐት ይሕብር።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

"እዚ ሽልማት፡ ስነ ጥበባውያን፡ ሓርነቶም ንምውሓስ ንዝገብርዎ ዘለዉ ቃልስን ዝኸፍልዎ ዘለዉ መስዋእትን ዝዳረግ ኣይኮነን" ዝበለ ዶክተር ዳንኤል ረዘነ ልዕሊ እቲ ሽልማት እቲ መልእኽቲ ከም ዝዓዝዝ ይሕብር።

ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሮም ኣበይ ከም ዘለዉ ዘይፍለጡ፡ ሓያለ ዝተኣስሩ ጋዜጤኛታት ኣለዉ። ዶክተር ዳንኤል ረዘነ ከኣ ፡ እዚ ሎሚ ብይርግኣለም ዝጀመረ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ናብ ኩሎም እቶም ዝግበኦም ክበጽሕ ተስፋ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ።

ይርግኣለም ፍስሃ፡ "ኣብ ኤርትራ እንከለኹ ስኢነዮ ዝብሎ፡ ናይ በይነይ ከይመስል ብሓባር ኢና ስኢንና። ኣብ ዓድና ብጽሑፍ ድዩ ብቓል ድሌትካ ምባል ካብ ዝኽልከል 20 ዓመቱ ቀሪቡ ኣሎ። ኣነን ከምዚ ከማይን ከኣ ግዳያት ኮይንና ኢና።" ትብል።

ንሽዱሽተ ዓመት ዝተኣሰረት ገጣሚትን ጋዜጤኛን ይርግኣለም ፍስሃ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸትላ መዓልቲ ክትዝክር እንከላ "ምጽባይ ምስ ኣቋረጽኩ'የ ወጺአ" ብምባል ብሓይሊ ክትሕጎስ ከምዝፈተነት ትሕብር።