ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ንህይወታ ዳግም ዝገጠመት ገጣሚት

ደራሲት ይርጋኣለም ፍስሓ

ምንጪ ስእሊ, ይርጋኣለም ፍስሓ

ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጐናጸፍ ድሮ ሰላሳ ዓመታ ኰይኑዋ'ሎ። ኣበይ ነበረት? ኣበይ በጽሐት? ናበይ'ከ ተብል ኣላ? ንዝብል ሕቶታት እስከ ብህይወት ተራ ሰባት ናይዚ ወለዶ'ዚ ሓደ ስእሊ ንቕባእ።

ንሓያሎ እዋን ንጕዕዞ ኤርትራ ብብረታዊ ቃልስን መስዋእትን ናጽነትን እዩ ክግለጽ ጸኒሑ። እቲ ዘመን ስለ ዝተለወጠ ግን ነቲ ዘሎ ምስሊ ኤርትራ ብዓይኒ ወይ ከኣ ብተመሮ ናይ'ቲ ስዒቡ ዝመጽአ ወለዶ ክትካእ ግድን እዩ።

እቶም ድሒሮም ዝተወልዱ፡ ደቂ-ዘመነ-ናጽነት፡ ንጕዕዞ ኤርትራ ብህንጠያ ዀነ ጽቡቕ-ተጀምሮ ጥራይ ዘይኰነስ ብዕንቅፋታትን ኣላግሶን እውን ይገልጽዎ'ዮም።

ገጠምቲ፡ ምስ ሕልና ዝዳረጉ ዛዕባታት ኣልዒሎም ንህልዊ ኵነታት ስለ ዝገልጹ ንኵነታት ሃገር ብዕምቆት እዮም ዝርድኡዎ ዝብል ጸኒሕ ዘረባ ኣሎ። ታኔላ ሱዛን ቦኒ እትበሃል ኣፍሪቃዊት (ጓል ኣይቮሪኮስት) መምህር፡ "ግጥሚ ንህላዌና ቅርጺ ዚህብ - ብኣካል ኰነ መንፈስ - ዓንዲ ሰብኣውነትና'ዩ" ክትብል ትገልጾ። ገጣሚትን ጸሓፊትን ፕሮፈሰር ቦኒ፤ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣቢጃን ፍልስፍና እትምህር ኣካደምያዊት'ያ።

እስከ ካብ ርእይቶ ፕሮፈሰር ቦኒ ናብ ይርጋኣለም ፍስሃ ንስገር።

ኤርትራ ብዓይኒ ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ

ይርግኣለም ፍስሃ ትበሃል፣ ጓል-ዘመነ- ናጽነት፡ ጋዜጠኛ፡ ጸሓፊት፡ ገጣሚት'ያ። ዋላ'ኳ ስእሊ ህይወታ ንጕዕዞ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ወኪሉ ኣይቕረብ ዕቤታን ንእስነታን ማዕረ-ማዕረ ጉዕዞ ኤርትራ ክኸይድ ብምጽንሑ ብብዙሕ ሸነኻቱ ይመዓራረ'ዩ። ይርግኣለም፡ ከም ኵሎም ኤርትራውያን፡ መንፈሳ ጌና ኣብ ኤርትራ'ዩ ዘሎ። ብሃገራ እትዀርዕን እትሓስብን ከምኡ'ውን እተስቈርቍርን ሰብ እያ።

ግጥሚ ኣብ መዓሙቝ ልብና ዝተሓብኡ ስምዒታት ናይ ምግላጽ ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎ ዘውዲ ስነ-ጽሑፍ እዩ። ይርጋኣለም ብመቓልሕ ግጥምታታ ኣቢላ ንዝተዳጐኑ መናፍስታ ንክስዕስዑ እትድርኽ ገጣሚት'ያ። ግጥምታታ ካብ ንቡር ናፍቖትን ጽንብልን ሰጊሮም ኣብ ዋይታ'ውን ዝዋሰቡ ዓሚቚ ትሕዝቶ ኣለዎም።

ኣብ እንፈርሆም ፍጻሜታት ህይወትና ተሓንጊራ፡ ህውከት ኣብ ልብና ተላሒጉ ምእንቲ ከይተርፍ ሓግሒጋ፡ ንታኼላ ገሊሃ፡ ንሓሳብና ዝኣልዩን ንፍርሂ ዝቕንጥጡን ቃላት ተጠቒማ ብስጡም ቓላታ ጥበባ ተርኢ ሓያል ገጣሚት እያ።

ኣብቲ ብዛዕባ ኣዲኣ ዝገጠመቶ፡-

ናይ ኣደ'ሞ ከኣ ዘረባ 'ብሉን

ነጊርካ ኣይውዳእን ጕሂኻ ኣይውጻእን።

ዉሻጥኣ ጥርሑ መኣዳ ጽምዋ

ገበላን ደንበን ቍሪ ምስ ኰኑዋ፡

ንግሆ ብኽያት ምሸት ቍዘማ

ቀልባን ናብራኣን እናዀና

እንታይ ዘጸቢ'ለዋ 20 ሰነ?

ዓመት ምሉእ ኣብ ዝኽሪ'ያ ዘላ

ጽብጽባሕ ምስ ንብዓት ምዓላ

በዅሪ ሂባስ ንኡስ ተመንጢላ

ዓደይ ኤርትራ፡ ኣደይ ጓል ኤርትራ!

እዚ ካብ "ይቕረታ ስውእቲ" ዘርእስቱ ዝተወስደ ሕጡበ-ግጥሚ'ዩ። ኣብ ኤርትራ ሓደ "20 ሰነ" ጥራይ ኣይኰነን ዘሎ ኢላ ብምምጓት ነቶም ካልኦት "20 ሰነታት" ተዘክር።

ምስ ቃላት ዘሎዋ ፍቕሪ ዕዙዝ'ዩ። እቶም ንሕልና ዝነኽኡ ብሉጻት ቃላት ናብ ስእሊ ትልውጦም። ቃላት ናብ ስሩብ ለዊጥና ከነሐይሎም ቀሊል ኣይኰነን። ይርጋኣለም ግን እቲ ዓቕሚ'ቲ ከም ዘሎዋ በታ "ኣለኹ" ዘርእስታ መጽሓፋ ኣመስኪራ።

መጽሓፍቲ ይርጋኣለም ፍስሓ

ምንጪ ስእሊ, ይርጋኣለም ፍስሓ

ኣብ ድሕረ-ናጽነት ዝነበረ ዉዕዉዕ ሃገራዊ ስምዒትን ቀጻሊ ጽንብልን ጌና ብዙሕ ሰብ ይዝክሮ'ዩ፣ ከምኡ'ውን ይርጋኣለም - ቅድሚ ጐርዞ ጓል ምዃና። ካብ ሽዑ ዝሰሰነ ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍ ክሳብ ጐርዞ ጓል ትኽውን ስምዒታ ኣዝዩ ዉዕዉዕ ስለ ዝነበረ ኣብ ማሕበር መንእሰይ ተሓዊሳ ብዝከኣላ ዓቕሚ ሃገራዊ ኣገልግሎታ ጀመረት።

ንቕሕቲ ስለ ዝነበረት ቀልጢፋ ኣብ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ኣተወት። "ኣብ መባእታ ትምህርቲ ዝሕግዙንን ዘተባብዕኑን ዝነበሩ ንጡፋት መምህራን ነይሮምኒ" ብምባል እቲ ምስ ስነ-ጽሑፍ ዝተኣሳሰር ሞገስ ንዕኦም ትህቦም። ብዓቢኡ ግን ኣቦኣ ትምህርታ ብግቡእ ንኽትከታተል ቀጻሊ ጽልዋ ከም ዝነበሮም ትምስክረሎም።

እምበኣርከስ ይርጋኣለም ብንእሽቶኣ'ያ ምስ ዓውዲ ስነ-ጽሑፍ ተላልያ። ብቖልዓኣ ኣብ መባእታ ዝነበሩ ናይ ስነ-ጽሑፍ ንጥፈታት ተጊሃ ትሳተፍ ስለ ዝነበረት፡ ብ1998-2000 ንሃገራዊ ዓውደ-ሚድያ ኣተወቶ። ሓያል ፍቕሪ ስነ-ጽሑፍን ረቂቕ ጥበብ ኣገጣጥማኣን ዉሕልነታን ናብ ባህርያዊ ህያብ ተለወጠ።

በቲ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ መደብ ተመሃሮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድርኻት ትጽሕፈሉ ዝነበረ እዋን ብ"ይርጋኣለም ፍስሓ ካብ ዓዲቐዪሕ" ኢላ ስማ ተንብረሎም ስለ ዝነበረት ብዙሓት ኣንበብታን ፈለጥታን በቲ ስምቲ'ዮም ዝዝክርዋ።

እቲ እዋን'ቲ ጊዜ ዉግእ-ባድመ'ዩ ነይሩ፣ ይርጋኣለም ጌና ናይ ካልኣይ ደረጃ ተማሃሪት'ያ ነይራ። በቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ኵነታት ተማሃሮ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብ ታዕሊም ዝኸድሉ እዋን ነበረ።

ይርገኣለምን ብጾታን ክለባት ስነ-ጽሑፍ ኣብ ምምስራትን ምሕያልን ላዕልን-ታሕትን ይብሉ ነበሩ። ዓቕሚ ስነ-ጽሑፍ ምሰዕበየት ከኣ ኣብ ጋዜጣ ዘመን ብዕቱብ ክትሳተፍ ከም ዝጀመረት ተዕልል። እዚ ማለት፡ እተን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብ2001 ብመንግስቲ ቅድሚ ምዕጻወን'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ካብ ታዕሊም ምስ ተመልሰት እቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ንጥፈታታ ቀጸለ። ድሕሪ ዉግእ ባድመ ኵነታት ክልወጥ ጀመረ። መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዀኑ ኣባላት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ተኣስሩ። "ሽዑ ኣነ ከም ካድር ንክስልጥን ብሓለፍቲ ማሕበር መንእሰይ ተሓተትኩ፡ ኣነ ግን በቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ለውጥታት ስለ ዘይቀሰንኩ እቲ ጻውዒት ኣይተዋሕጠለይን" ትብል ይርጋኣለም።

ኣብቲ እዋንቲ ናይ ማትሪክ ፈተና ሓሊፋ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ነጥቢ ኣምጺኣ ክነሳ 'ሳዋ ኣይከድክን' ብዝብል ምስምስ ንከይትምሃር ተዀልፈት። እቲ ኵሉ ምስ ማሕበር መንእሰያት እተካይዶ ዝነበረት ልዑል ንጥፈታት፡ ምስ ብጾታ ኰይና ዝመስረተቶም ክለባት፡ ዘካየደቶ ወፈራታት ኣብ ፍቕዲ ብዘይምእታዎም ቅር በላ።

ነቲ ዝተገብረላ ጻውዒት (ካድር መንግስቲ ንኽትከውን) ከተማልእ ሕልንኣ ስለ ዘየፍቀደላ፡ ተጣቢባ 'ሃገራዊ ጉቡአይ ክፍጽም'የ' ኢላ ኣብ መጀመርታ 2002 ንሳዋ ምኻድ ወሰነት። ዝነበራ ኣባልነት ማሕበር መንእሰያት ስሒባ ንሳዋ ከይዳ ሰልጢና።

ካብ ሳዋ ተመሊሳ ኣብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ መምህራን ተመዝጊባ ትምህርታ ብግቡኣ ኣጠናቐቐት፣ ብ2003 ኣብ'ታ ብባና እትፍለጥ ናይ መንግስቲ መደበር ራድዮ ብመደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣቢላ ንክትሰርሕ ተመደበት።

እቲ መጀመርታ ክፋል ህይወታ ብዉዕዉዕ ሃገርራዊ ስምዒት ጀሚሩ፡ ብንጥፈታት ማሕበር መንእሰይ ኰነ ስነ ጽሑፍ ተሰንዩ፡ ብወተሃደራዊ ታዕሊምን ተመክሮ ሳዋን ሓሊፉ ብስልጠና ምምህርና ኣብቅዐ። ስዒቡ ናብ ራድዮ ባና ሰገረት።

ይርጋኣለም ኣብ ራድዮ ባና ንሓሙሽተ ዓመት'ያ ሰሪሓ። እቲ ተመክሮ'ቲ በቲ ትፈትዎ ዓውደ-ስነጽሑፍ ንኽትምዕብል ሓጊዙዋ'ዩ። ግናኸ እቲ ሃዋህው ንናጻ ፕረስ ዘይበቅዕ ስለ ዝነበረ ስክፍታታት ኔሮም'ዮም። ኣብ መጨረስትኡ ድማ ይርጋኣለም ምስ ብጾታ ተኣሲራ ንዓዲ-ኣቤቶ ተወስደት። እዚ ለካቲት 19 2009'ዩ ነይሩ።

'ንምንታይ ኢኺ ተኣሲርኪ?' ንዝብል ሕቶ ይርጋኣለም፡ "ብወግዒ ዘእሰረኒ ምኽንያት እዚ'ዩ ክብል ኣይክእልን፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪበ መኽሰስየይ ኣይተነግረንን። ብትሒም-ትሒም ዝሰማዕክዎ፡ ባዕለይ እዝን-እትን ኣላጊበ ዝግምቶ'ምበር ዝፈልጦ የብለይን ክብል እኽእል። ዝዀነ ኰይኑ፡ ኣብ ሃገርና ሰብ ንክእሰር ምኽንያት ኣየድልዮን'ዩ፣ ንክፍታሕ'ምበር! ዝኾነ ሓላፊ ከፍትሓካ ኣይክእልን፡ ሓላፍ መንገዲ ግን ከእስረካ ይኽእል" ትብል።

"ሚኒስትሪ ሓበሬታ በቲ እትጽሕፍዎ ይጠማመተኩም ኣሎ ዝብል ጽንጽንታ - ምናዳ ናተይ ጽሑፋት - ክስማዕ ጀሚሩ ኣነ ግን ነቲ ወረ ዋጋ ኣይሃብኩሉን ... ቅድም-ቅድም እታ ማዕከን ራድዮ ናይ መንግስቲ'ያ ነይራ፡ ትሕዝቶኣ ድማ ካብ ፖለቲካ ዝረሓቐ ትምህርታዊ'ዩ ነይሩ፣ ኣነ ኸኣ በቲ ዘቕርቦ እተኣማመን'የ ነይረ " ትብል ይርጋኣለም። ይዅን'ምበር እታ ራድዮ ኣቓልቦ ሰማዕቲ ትስሕብ ከም ዝነበረት ትምስክር። ብሃንደበት ግን ምኒስትሪ ዜና ነቲ ፈነወ ደው ኣበሎ።

"ድሒረ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ኣቶኹ፡ ምስ ረድዮ ወጋሕታ (ኣብ ትግራይ ዝመደበራ) ምትእስሳር ኣሎኩም ዚብል ጠቐነ ሰማዕኩ" ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ክሲ ብፍጹም ነጸገቶ። "ጸለመ'ዩ ነይሩ፡ ኣይጸንሐን ከኣ እቲ ክሲ እናፈሸለ ከደ" ትብል።

"ክብድ ዝበለ ምርመራ ስለዝተጠቕሙ፡ ንብዙሕ ኣዋርሕ ዝኣክል ከም ክድቅስን ብዓረብያ ክንቀሳቐስን ተገደድኩ" ኢላ ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረቶ ኵነታት ትገልጾ።

ንሕክምና ኣብ ሆስፒታል ሓሊቤት ክመላለስ ምስ ጀመርኩ ሰበይ ዝረኣኽሉ፡ ምግብን ቅያር ክዳንን ሒዞምለይ ዝመጽሉ እዋን ነይሩ። እታ ዘይርስዓ ህሞት ግን ኣቦይ ደም ንክህበኒ ተጸዊዑ ዝመጸሉ እዋን ነበረ" ብማለት ብሓያል ስምዒት ተዘንቱ።

"እተን ሳልሰይትን ራብዓይትን ዓመታት ማእሰርተይ ከበድቲ'የን ነይረን። እተን ፈለማ ክልተ ዓመታት ብቀንፈዘውን ሻቕሎትን'የን ሓሊፈን። ቁሩብ ተስፋ ነይሩኒ። ድሓር ግን ብክቱር ምኽትካት ስለ ዝተሃሰኹ እተን ዝሰዓባ ክልተ ዓመታት ..." ኢላ ነቲ ዜሰቅቕ ኣርእስቲ ክትልውጦ ትፍትን።

እቶም ምስ ይርጋኣለም ዝተኣስሩ ሰባት፡ ናይ ስራሕ ብጾታ ምዃኖም'ዮም፡ ቍጽሮም 26 ነበረ - ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ኣሰናዳውትን።

"ከመይ ገርኪ ክትፍትሒ በቓዕኪ?" ንዝብል ሕቶ "ምጽባይ ምስ ኣቋረጽኩ'የ ወጺአ" ክትብል ትምልስ። ካብ'ቶም 26 ብጾታ ንሳ በይና ጓል ኣንስተይቲ ነበረት።

"ኣብ ኣርባዕተ ዓመትና፡ 20 ካብ'ቶም ብጾትና ይፍትሑ፣ እንተ ኣነን ሓሙሽተ ካልኦት ብጾተይ ግን እቲ ዕድል ተነፍገና" ትብል ይርጋኣለም።

እቶም 20 ብጾታ ምውጽኦም ብዕሊ ኣይተነግሮምን፣ ግናኸ ብጽንጽንታ'ያ ሰሚዓቶ። "ሽዑ ደንጸወኒ፡ ምጽባይ ከኣ ኣቋረጽኩ ... ብዝተኻእለ መጠን ነብሰይ እናኣለኹ ዝገበርኩ ገይረ ህይወተይ ከናውሕ ወሰንኩ" ከኣ ትብል።

"ድሕሪ ዓመትን 11 ወርሕን ነቶም ዝተረፍና ሽድሽተ ሰባት ጸዉዑና ... ሽዑ'የ ንብጾተይ ንመጀመርታ ጊዜ ርእየዮም" ትብል።

እቲ ሓላፊ ቤት-ማእሰርቲ "እሰርዎም ተባሂልና ክሳብ ሕጂ ኣሲርናኩም ጸኒሕና፣ ሕጂ ኸኣ ፍትሑዎም ተባሂልና እንሆ ንፈትሓኩም" ኢሉ ከም ዝሓበሮምን ንክተሓጻጸቡን ኣቑሑቶም ክእክቡን፡ እቶም ኣወዳት ከኣ ንክቕምቀሙ ከምዝተኣዘዙን ድሕሪ ሽድሽተ ዓመት ብዘይ ክሲ ብዘይ ፍርዲ ከም ዘፋነዎም ትገልጽ። እቲ መዓልቲ'ቲ 21 ጥሪ 2015 ነበረ።

እቲ ሳልሳይ ክፋል ህይወታ

ይርጋኣለምን ብጾታን ምስ ተፈትሑ ኣብ ናይ ቀደም ስራሕኩም ተመለሱ ዚብል ትእዛዝ ተዋህቦም። እታ ረድዮ ተዓጽያ ስለዝነበረት ስራሕ ኣይነበረን። ስለዚ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኮፍ ኢሎም ይውዕሉ ነበሩ።

ካብ ስርሓ ንኽትፋኖ ፈቲና ከምዘይሰለጣ ተዘንቱ። ንክልተ ዓመት ብዕግንግን ሓለፈ። ኣብ መጠረስትኡ ግን ከም ሰባ ካብ ኤርትራ ናብ ስደት ኣምርሐት። ድሕሪ ብዙሕ ብደሆ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣትያ ሓድሽ ህይወት ጀመረት። ኣብ ኤውሮጳ ምስ ኣተወት ዛንታኣ ቆላሕታ ናይ ብርክት ዝበሉ ማሕበራትን ትካላትን ስለዝረኸ ህይወታ ከም ብሓድሽ ክበራበር ጀመረ።

ብ2019 ይርጋኣለም ሚእትን ሰላሳን ግጥምታት ዝሓቖፈ "ኣለኹ" ዘርእስቱ መጽሓፍ ግጥሚ ብምጽሓፍ ልዑል ቆላሕታ ረኺባ ኣላ። እቲ መጽሓፋ ኣብ ቋንቋታት ጀርመንን እንግሊዝን'ውን ይትርጐም ኣሎ።

ፐን-ኤርትራ ዝበሃል ማሕበር ጸሓፍቲ ንይርጋኣለም ብልጫ ንክወሃባ ስለ ዝሓጸያ Freedom of Expression Award ዝበሃል ብልጫ ንኽትቅበል በቒዓ። ኣብዚ እዋን'ዚ ይርጋኣለም ብዛዕባ ህይወታ እተዳልዎ ዘላ መጽሓፋ ኣብ ምዝዛም ትርከብ።