ርእይቶ ኤርትራዊ፡ ንናጽነት ተቓሊሰ ንሓርነት ግና ጌና እጽበ ኣለኹ

ተጋደልቲ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራ መበል 31 ዓመት ናጽነታ ትጽንብል ኣላ። ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናጽነት ዝተሳተፈ ኤዲተር ቢቢሲ ትግርኛ ነበር ሳሙኤል ገብረሂወት ብዛዕባ ናይ ኵናት ተመኩሮኡን ዝነበሮ ሕልምን ተስፋን ህሉው ክውንነትን ንቢቢሲ ኣካፊሉ ኣሎ።

ኣብቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ገድሊ 30 ዓመት፡ ዕለታዊ ዋኒንና ውግእ'ዩ ነይሩ። ነብስና እናተኸላኸልና ክጥዕመና ነጥቅዕ፡ ክጽግመና ነዝልቕ ነይርና። ስቓይን መስዋእትን ለሚድናዮ ኢና። መብዛሕትና ክልተ ወይ ሰለስተ ሳዕ ተወጊእና ኣለና። ዓሰርተ-ዕስራ ሳዕ ዝተወግኡ እውን ኣለው። ቁስልና አሕዊና ከኣ ንብጾትና ክንሕግዝ ቀልጢፍና ናብ ድፋዕና ንምለስ። ክሳብ ዓቕሚ ስኢንካ ተሰኒፍካ እትወድቕ ምግልጋል ባህሊ'ቲ ሰውራ እዩ።

ካብ ቃሮራ - ሰሜናዊ ጫፍ ኤርትራ፡ ክሳዕ ዱሜራ - ደቡባዊ ጫፍ ንዘሎ መልክኣ ምድሪ ኤርትራ፡ ጎቡኡ ኩርብኡ፡ እምብኡ ስንጭርኡ ተጓዒዝናዮ። ኣብ ዕርድታቱ ነቢርና፡ ኣብ ከርሱ ተቐቢርና። ዕድል ገይረ ምስቶም 65,000 ስውኣት ቀቢሮም ካብ ብሱል ጥረ ዝኣተዉ ተጋደልቲ ናጽነት ክርኢ በቒዐ።

ኣብ መበል 16 ዓመተይ ኣብ ሻድሻይ ወራር 1982 እየ ነቲ ቓልሲ ተጸንቢረዮ። ግፍዕታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ተወፋይነት ተቓለስቲ ሓርነትን እናሰማዕኩ ስለዝዓበኹ፡ ነቶም ተጋደልቲ ብኣካል ምስ ረአኹዎም፡ በቲ ነዊሕ ጀብጀብ ጸጕሪ ርእሶም፡ ሓጺር ቁምጣ ስረኦምን ዕጥቆምን ተመሲጠ ተሓዊሰዮም።

ንሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ሰናጭሮ ኣራግ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ምጥቃዕን ምዛላቕን፡ ኮለላን ስለላን፡ ድብያን ተርግእን፡ ፈኮስቲ ብረት ከም ከላሺን፡ ዓይነታት ቦምባታት ኢድን ኣርፒጂን ተማሂረ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲበ። ስለምንታይ ንቃለስ ከም ዘሎና፡ ፈተወትናን ጸላእትናን፡ ከምኡ እውን ኣብ መጻኢት ኤርትራ ብዛዕባ እንተኽሎ ህዝባዊ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ እውን ተማሂርና።

ኣብ ሓያሎ ውግኣት ተሳቲፈን ብሉጻት ብጾት ቀቢረን፤ ኣብ ለካቲት 1990 ንወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ንምሕራር ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ፈንቅል እውን ተሳቲፈ። እቲ ንልዕሊ 72 ሰዓታት ዝተኻየደ ከቢድ ታሪኻዊ ኵናት፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይተርፍ ምዃኑ ዘመስከረን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ጠቕሊሎም ንኽወጽኡ ዘገደደን ስርሒት'ዩ ነይሩ።

ንከተማ ምጽዋዕ ኣስታት 100 ኪ.ሜ. ኣብ ዝንውሓቱ ሰንሰለታዊ ዕርዲ ንዓመት መመላእታ ተኸላኺልናላ። ኣብቲ ውግእ'ቲ ብፍንጫል ቦምባ ኣብ ርእሰይን ኢደይን ተሃሪመ። ተሓኪመ ምስ ሓወኹ ከኣ ናብ ቦታይ ተመሊሰ ኣገልግሎተይ ቀጺለ።

ኣብ ምውዳእ 1990ን፡ ናብ ጉጅለ ባህሊ ክ/ሰ61 ተሳሒበ፡ ሰውራዊ ደርፍታትን ድራማታትን ብምቕራብ ሞራል ሰራዊትና ክብ ኣብ ምባልን ሰሪሐ። ኣብ ምጽዋዕ ናጽነት ተበሲርና፡ ምስ ህዝቢ ደሴት ዳህላክ ብሓጎስ ጨፊርናን ዓሊልናን።

ካብኡ ብጃላቡ ናብ ባጽዕ ብድሕሪኡ ብመርሴድስ መካይን (ኣዴታት) ንኣስታት ሰለስተ ሰዓት ተጓዒዝና፡ ሕልሚ ኮይኑ እናተሰማዓኒ ብመገዲ ጎዳይፍ ናብ ኣስመራ ክንኣቱ እንከለና እቲ ኣብ ፈቐድኡ ጎደናታት ዝተተኽለ ጓይላ ብድሙቑ እዩ ጸኒሑና።

ህዝቢ፡ ነቶም ካብ ብሱል ጥረ ኮይኖም ዝኣተው ደቁ፡ ፍቕሩን ሓጎሱን ክገልጸሎም ቆጽሊ ሽባኻን ስየን ሒዙ፡ ኣብ ቅርዓትን ጎደናታትን ዓሊሉን ዘሊሉን። ኣብ ታንክታትን ድሩዓት መካይንን አሕዋቱን ደቁን ተሰቒሉን ጎድኒ ጎድነን እናኸደን ብሓጎስ ጨዲሩ።

ብሒቚ ክትለውስ ዝጸንሐት ኣደ፡ ኢዳ ከይተሓጽበት፡ መጎጎ ዶርጒሳ ዝነበረት እቶና ከየጥፈአት፡ መጥሓን ዘስፈለት ጎርዞ ዘውረደቶ ሕሩጭ ከይሓፈሰት፡ ገዝኣ ከየገፍተነት ሓጎሳ ክትገልጽ ናብ ቅርዓት ውሒዛ።

ቅድሚ እታ ዕለት፡ ህዝቢ ኣስመራ ብሰዓታት እቶ እቶ ተቐይዱ ኣብ ፍጹም ከበባ እዩ ነይሩ። መዓርፎ ነፈርቲ ብቐጻሊ ብመዳፍዕ ይድብደብ ስለዝነበረ ነባሪ እታ ከተማ ኣብ ፍርሕን ራዕድን ነይሩ። ኣብታ ዕለት ግን ኩሉ ነገር ተቐንጢጡ ንዓመታት ናጽነቱ ሃንቀው ክብል ዝጸንሐ ህዝቢ ለይትን ቀትርን ኣብ ጎደናታቱ ክስዕስዕ ቀንዩ።

ሳምኤል ገብረሂወት

ምንጪ ስእሊ, SAMUEL GHEBHREHIWET

ጽንብል ሓጎስ ንመዓልታትን ለይትታትን እዩ ቀጺሉ

ኣብቲ ምውቕ ናይ ሓጎስ እዋን ስእሊ ደቆም ሒዞም "ገለ ነዚ ኣይትፈልጡዎን" እናበሉ ደሃይ ደቆምን አሕዋቶምን ዝሓቱ፡ ሞቶምን ሕየቶምን ዘጣይቑ ወለድን ቤተሰብን እውን ነይሮም።

እቲ ውሩይ ጋዜጠኛ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ፡ ነቲ ናይ ሓጎስ ጽንብል ብካሜራታቱ ክስንዶን ክስእሎን እዝክር።

ክልተ ካብ ኣባላትና ሃይለ ገድለን ዓባየይን ምስ ወለዶም ገጽ ንገጽ ክራኸቡ እውን እዝክር። ኣቦይ ገድለ ንወዶም ምስ ረኣዩ፡ ብከብዲ ኢዶም ኣፍልቦም እናጠብጠቡ "ወደይ ረኺበ፡ ወደይ ረኺበ" እናበሉ ገዲፎምና ንቕድሜና ከይዶም። ኣብ ቅድሚት መኪና ኣብ ጋቢና ዝነበረት ዓባየይ እንብላ ብጸይትና ንኣደ በዓል ቤታ ንሓማታ ምስረአየት፡ ማዕጾ መኪና ከፊታ ክትዘልል ክትብል ንስረ ወዲቓ ነይራ።

ኣብ ፈቐድኡ ናይ ሓጎስ ጭደራ፡ ናይ ፍቕርን ናፍቖት ንብዓት ነይሩ።

ንሕና ከኣ ብመንእሰያት ደቀ ኣስመራ ተዓጂብና፡ ከም ወራዶ መርዓ መካይንና ፋም ፋም እናበልና ኣብ ኣልቤርጎ ቻው አዕሪፍና። ሓለፍትና፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ንስድራ-ቤትናን ኣዝማድናን ርኢና ክንምለስ ተሓቢርና። ንዓመታት ንዝተፈለኻዮም ስድራ ኣብ ክልተ ሰዓት ረኺብካዮም ክትምለስ ከቢድ እዩ - ግን ጌርናዮ። ኩላትና ኤርትራ ክትዕምብብን ክትብልጽግን ንሕና ከኣ ምስ ህዝብና ተሓጒስና ክንነብር ተመኒና።

ጽንብል መዓልቲ ናጽነት

ምንጪ ስእሊ, AFP

ናይ ዓወት ሕጽኖት ኣብ ገለ ሓለፍቲ

ናጽነትና ህያው ክኸውን ንእስነትናን ኩለንትናናን ኢና ኸፊልና። እንተኾነ ትጽቢታትና ክዳኸም ነዊሕ ኣይወሰደን። ድሕሪ ናጽነት ብሩህ ህይወት ክንርኢ ሕልሚ ነይሩና። ብዙሓት ካባታትና ነናብ ስድራቤትና ተመሊስና ሲቪላዊ ህይወት ክንነብር ዘቋረጽናዮ ትምህርቲ ክንቅጽልን ሓዳር መስሪትና ህይወትና ክንመርሕን ባህጊ ነይሩና። ግን ካብ ሰራዊት ክንወጽእ ኣይተፈቕደልናን።

ኤርትራ - ታሪኽ ቃልሲ፦

  • ቅድም ናይ ጥልያን ግዝኣት ነይራ ዳሕራይ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ተቖሪና
  • ንጉስ ኢትዮጵያ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንፓርላማ ኤርትራ ኣፍሪሱ ብ1962 ዓ.ም.ፈ. ንኤርትራ ጸንቢሩዋ
  • ኤርትራውያን ደለይቲ ናጽነት ድሕሪ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ብ1991 ናብ ርእሰ-ከተማኦም ኣስመራ ኣትዮም። ኣብ 1993 ከኣ ብ99·8% ንናጽነት ኣድሚጾም።
  • ኣብ ግንቦት 1998 ምስ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዶባዊ ምስሕሓብ ንክልተ ዓመት ቀጺሉ፡ ህይወት ኣስታት 100,000 ሰባት ኣጥፊኡ።
  • ኣብ ሓምለ 2018 ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕርቀ ሰላም ብምእዋጅ ተጻብኦታት ኣብቂዑ

እቲ ድኽነትን ድሕረትን ምስ መግዛእቲ ዝጽረግ'ሞ ቀልጢፉ ዝርህወና እዩ ዝመስለና ነይሩ። እንተኾነ መራሕትና "ሃገር ዘለዋ የብላን። ንሕና እውን ጥይትን መድፍዕን እምበር ገንዘብ ሒዝና ኣይኣተናን" ተባሂልና፡ ድሕሪ እቲ ከቢድ ዝተሓልፈ ኵናትን ብደሆን እንደገና ቁልፍና ከነትርር ተነጊርና። ምስ ኩሉ ጸገማት ስድራ-ቤትና ንኽልተ ዓመት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ደሞዝ ኣገልጊልና።

እቶም ኣብ ሜዳ፡ ንዓመታት፡ ከም ሓንቲ ስድራ፡ ብተሪር ድስፒሊን ንምራሕ ዝነበርና ሰራዊትን፡ ሰንሰለት እዝን ብፈንጠዝያ ናጽነት ተዓብሊሉ። ሓያሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ሕጽኖት ናጽነት ጥሒሎም፡ "ብመስተን ስኽራንን ስጋዊ ትፍስህትን" ዋኒኖም ስለዝረስዑ፡ እቲ መሰረታት ተጋዳላይ "እንታይ ኢና ንርኢ ዘሎና" ክሳብ ምባል ኣስተንኪሩ።

ዝዓነወ ኣጽዋር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኩናት ምስ ጎረባብቲ

እቲ ኩነታት ክቕየር ብትዕግስቲ ክጽበ ዝጸንሐ ተጋዳላይ ኣብ ድሮ ጽንብል ረፈረንደም 1993 ድምጽና ይሰማዕ ብምባል ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣብ ስታድዩም ኣስመራ (ቺቸሮ) ኣኼባ ንክገብሩሉ ኣገዲዱዎም።

"ደሓን ጸገምኩም እርደኣና እዩ። ናይ ሓባር ጸገም እዩ። ተማኺርና ፍታሕ ክንገብረሉ ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቦምዎ ከብቅዑ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ነቶም መለዓዓልቲ ኣድማ ዝበሉዎም በብሓደ እናኣረዩ ካብ ዓመት ክሳብ 15 ንክእሰሩ ፈሪዶምዎም።

እቶም ሰባት ጸገማት ተጋዳላይ ብምቅልሖም ከቢድ ዋጋ ከፊሎም ግዳያት ኮይኖም። ካብኡ ንደሓር፡ ብዙሓት ተጋደልቲ፡ እዚ ስርዓት ናብ ምልካዊ ምሕደራ ይኸይድ ኣሎ ክብሉ እንከለው፡ ካልኦት ከኣ ክሳብ ሃገራዊ ቅዋም ዝጸድቕን ደሞክራሲያዊ ምሕደራ ዝግበርን ንጸመም ዝብሉ ነይሮም። እንተኾነ ካብ ትጽቢታትና ዋላ ሓደ ነገር ኣይተተግበረን። ኤርትራ፡ ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ መንግስታ ኮነ መራሒኣ ክትመርጽ ኣይከኣለትን፤ ክሳብ ሕጂ ብሓደ ሰልፊ እያ ትምራሕ ዘላ።

ተጋደልቲ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ጉዕዞ ነገራት ክመሓየሽ እናተጸበና፡ ኣብ 1995 ምስ የመን፡ ኣብ 1996 ምስ ሱዳን፡ ኣብ 1998-2000 ምስ ኢትዮጵያ ኣብ 2008 ከኣ ምስ ጂቡቲ ተዋጊእና ኣሽሓት መንእሰያትና ኣጥፊእና።

ሎሚ ሰራዊት ኤርትራ፡ ምስ ሰራዊት ፈደራል ኮይኖም፡ ኣብ ትግራይ - ኢትዮጵያ ኣንጻር ህወሓት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይሳተፉ ኣለው። ህዝባዊ ግንባር ህወሓት ምስ ዝርከቦም ኢሂወደግ ብምትሕብባር ንስርዓት ደርግ ኣልዩዎ። እንተኾነ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝተደጋገፉ ሓይልታት ኣብ 1998-2000 ብዶባት ብዝተመኽነየ ሰበብ፡ ህወሓት ምስ ዝመርሖ ስርዓት ንኽልተ ዓመት ደማዊ ኵናት ተኻይዱ።

ኣብ ድሮ ናጽነት፡ ናብ ክፍሊ ባህሊ ተሳሒበ ዝተፈላለየ ስነ-ጥባባዊ ስርሓት ኣበርኪተን ተዋሲአን። "ምጽዋዕ ኣበይ ከይዱ ስልማትኪ" እትብል ብሄለን መለስ እትድረፍ ግጥሚ፡ ካብተን ዝፈትዋ ፍርያተይ እያ። ብድሕሪኡ ኣብ ምኒስትሪ ዜና ከም ጋዜጠኛ ንሓያሎ ዓመታት ሰሪሐ - ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ተስፋ ስለዘይሃበ ግን ተሰዲደ።

ለውጢ ዘይተርፍ እዩ

ድሕሪ ኵናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ፡ እታ ዝነበረት ንእሽቶ ናይ ፖለቲካ ባይታ ኣብቂዓ። መንግስቲ ኤርትራ ብሸነኽ ኢትዮጵያ ብዘንጸላለዎ ስግኣትን ካብ ገዛእ ዜጋታቱ ክመጽኦ ብዝኽእል ተሓታትነትን ናይ ከበባ መንፈስ ስለዝተሰመዖ ብናይ ቃልሲ ሰበስልጣን ብጾቱ ንዝቐረበሉ ናይ ዘተን ልብዝብን ሕቶ ነጺጉዎ።

ኣብ መስከረም 2001 መንግስቲ ነቶም ሕቶ ዘልዓሉ ዓሰርተ ሓደ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ብዙሓት ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ዝነበሩ ካድራትን ኣብ ቀይዲ አእትዩዎም። ክሳብ ሕጂ ከኣ ደሃዮም ኣይተሰምዐን።

እቶም ንቕሉዕ ጻውዒት ዘተ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ጋዜጣታቶም ዝሓተሙ፡ እቲ ንብስራት ናጽነት ሓጎስ ህዝብን ሰራዊትን ዝቐረጸን ዝሰነደን ዓርከይን መሳርሕተይን ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየን ወዲ ጋንታይ ጀሽዋን ዝርከቦም ዓሰርተ ሓደ ጋዜጠኛታት ብሕቲ እውን ተኣሲሮም ተሰዊሮም። ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣብ ንቡር ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን።

ስዩም ጸሓየ ምስ ጓሉ

ምንጪ ስእሊ, SEYUM TSEHAYE'S FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ

ብሓደ ሰልፊ ህግደፍ እትመሓደር ኤርትራ ካብ ናጽነታ ክሳብ ሕጂ ምርጫ ኣየካየደትን። ኣብታ ሃገር ነጻ ፕረስ ይኹን ነጻ ሲቪላዊ ማሕበራት የለዋን። ኩለን ኣህጉራውያን ኮነ ሃገራውያን ዘይመንግስታውያን ሲቪክ ትካላት ተኣጊደን እየን።

ወግዓዊ ስታቲስቲካዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ድሕሪ ናጽነት ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ከምዝተመሓየሸ እዩ ዝነግር ግን ኣብቲ ሃገር ዘሎ ህሉው ኩነታት ከምኡ ኣይነግርን እዩ። ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና ኣብታ ሃገር ስራሕ ክረኽቡ ዘይከኣሉ መንእሰያት ኣብ ሃገራትወ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ዑቕባ ሓቲቶም ይነብሩ ኣለው። መብዛሕትና ግና ተስፋ ኣይቈረጽናን። ኣብ ኤርትራ "ለውጢ ዘይተርፍ እዩ" ኢልና ኢና ንኣምን። ኤርትራ መብጽዓ ሰማእታታ ከተኽብሮ እያ።