ሓደ ሽሕ እሱራት ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓራ ዝወጽሉ መዓልቲ

ቤት-ማእሰርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቅድሚ 46 ዓመት፡ ብ 12 ለካቲት 1975፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኤርትራውያን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዃላን ቤት ማእስርቲ ሰምበል ኣስመራ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓራ ዝወጹላ መዓልቲ እያ።

ተጋዳላይ ተሓኤ ነበር ወልደየሱስ ዓማር፡ “እቲ ብጀጋኑ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ዝተፈጸመ ዓቢ ታሪኽ ንድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ እንከለኹ ሕልሚ ኮይኑ ይስመዓኒ” ብምባል ዝኽሪ እቲ ፍጻሜ የዘንቱ።

ሓፈሻዊ ታሪኽ እሱራትን ኣብያተ-ማእሰርትን ኤርትራ

ብዘበን ሃይለስላሴን ደርግን ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ከቢድ ጭካኔ ብዙሓት ኣይርስዑዎን እዮም። ማእሰርትን ሽርበትን ልሙድ እዩ ነይሩ። ግን ብዙሓት ካብቶም እሱራት ኣብ ቤት ፍርዲ ይቐርቡን ብስድራ ቤቶም ይብጽሑን ነይሮም።

ብፍላይ ኣብ ፈለማ 60ታት እቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝለዓል ዝነበረ ተቓውሞ ዝበዝሕ ኣብ መታሕት ስለዝነበረ ኣብኡ ብዙሕ ግፍዕን ማእሰርትን የጋጥም ነይሩ።

ብፍላይ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ኣብ 1962 ብዙሓት ስድራ ቤት ኤርትራ ብሰንኪ ማእሰርቲ ኣባላተን ኣብ ቅሉውላው ነይረን።

ኣዴታት ኣበዮ ኣብያተ-ማእሰርትታት ኤርትራ - ካርሸሊ፡ ካሰርማ ሙሶሊኒ፡ ሰምበል፡ ጸጸራት፡ ኣጂፕ፡ ዓዲ ዃላ፡ ናዅራ ... ወዘተ. ንደቀን ክደልያን ክበጽሓን ከቢድ ሽግር ከምዘሕለፋ ገዲም ጋዜጠኛ ዘ-ሄራልድ ነበር ተጋዳላይ ወልደየሱስ ዓማር የዘንቱ።

ብሰንኪ ማእሰርቲ እቶም ሰሪሖም ስድራ ዝናብዩ መንእሰያትን ኣቦታትን፡ ቈላዑ ብዘይ ወላዲ ክዓብዩ፡ መርዑት ብዘይ ሰብኡተን ደቀን ከዕብያ፡ ኣረጋውያን ወለዲ ዝጥውሮም ስኢኖም ሓዲግ ዝተረፉሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ዕላማ እዚ ጽሑፍ ዝኽሪ ትማል ስለዝኾነ - ሕጂ’ኸ ዝብል ሕቶ ኣብ ዝቕጽል ክቐርብ እዩ።

ኤርትራውያን ጸሓፍቲ-ታሪኽ ንማእሰርቲ ኤርትራውያን ብዝግባእ ኣይጸሓፉዎን ዝብል ርድኢት ዘለዎ ጸሓፍ ታሪኽ ዳዊት መስፍን፡ ኣቦታት ኤርትራ ብሰበኻ ሃይለስላሴ ተታሊሎም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ከምዝመረጹ፡ ደቆም ግን ብፍቕሪ ሃገር ተደሪኾም ንናጽነት ኤርትራ ከምዝተቓለሱን ከቢድ መስዋእቲ ከምዝኸፈሉን ይዛረብ።

ከም ኣቦይ ወልድኣብ ወልደማርያም፡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ከቢረን ዝኣመሰሉ ውፉያት ፖለቲከኛታት ኣቦታት ከኣ ንናጽነት ብዝከኣሎም ከምዝተቓለሱ ይሕብር።

መንእሰያትን ተማሃሮ ዝተፈላያ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ፡ ተምሃሮ ‘ስኩዎላ ቪቶርዮ’፡ ድሒሩ ብልዑል መኰነን ዝፍለጥ ዝነበረን ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴን ንግህሰት ፈደሬሺን ብምቅዋም ተኣስሩን ኣብ ቃልሲ ተሰለፉን።

ከም በዓል ወልደየሱስ ዓማር፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ)፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል ዝኣመሰሉ ክጥቀሱ ይኽእሉ።

ወልደሱስ ዓማር መን’ዩ?

ወልደሱስ ዓማር መን'ዩ?

ወልደሱስ ተምሃራይ ካልኣይ ደረጃ ካብ ዝነበረሉ እዋን ጀሚሩ ምስ ብጾቱ ዀይኑ ብሃገራዊ ፖለቲካ ኤርትራ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ነባር ተጋዳላይ’ዩ። ኣብ ከባቢ ከረን ዓብዩ፡ ኣብ ‘ልዑል መኰነን’ (ኣስመራ)፡ ሃገራዊ ምንቅስቓሳት ይካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ምስ ፍሉጣት ሃገራውያን’ዩ ተማሂሩ።

ወልደየሱስ ብፖለቲካዊ ሳይንስን ኣህጕራዊ ርክባትን ተማሂሩ ከም ኣሰናዳኢ ‘ኢትዮፒያን ሄራልድ’ ኰይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ 1975 ዘገልገለ ምሁር’ዩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ንሰውራ ኤርትራ ከገልግል ስርሑ ጠንጢኑ ከም ሓላፊ ሓበሬታ ቤት-ጽሕፈት ተ.ሓ.ኤ. (ኣብ በይሩት፡ ሊብናን) ኰይኑ እቲ ቀንዲ ልሳን ተ.ሓ.ኤ. (Eritrean Newsletter) ኣብ ምጽሓፍን ምድላውን ይነጥፍ ነበረ። ክሳብ ሕጂ እውን ንሓርነት ኤርትራ ይቃለስ ኣሎ።

ሃገራዊ ወልደዳዊት ተመስገን

ወልደ ዳዊት (1945-1985) ኣብ ‘ልዑል መኰነን’ ተመሃራይ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ፖለቲካ ኣዝዩ ንጡፍ ተመሃራይ ነበረ። ብ1965 ካብ ዓውደ-ትምህርቲ ኣልጊሱ፡ ምስ ብጻዩ ስዩም ዑቕባሚካኤል ኰይኑ፡ ናብ ተ.ሓ.ኤ. ክስለፍ ንከሰላ (ሱዳን) ወረደ። ክልቲኦም ኸኣ ኣብ 5ይ ክፍሊ ተመደቡ።

ስዩም ዑቕባሚካኤል ከኣ ናይ ባዕሉ ዓቢ ዛንታ ዝሓደገ ገዲም ተጋዳላይ ተ.ሓ.ኤ - ሰውራዊ ባይቶ ነበረ።

ወልደዳዊት፡ ኣብ ሜዳ ከይጸንሐ ንከተማ ተመሊሱ ምስጢራውያን ዋህዮታት ንክሰርዕ ተኣዘዘ። ምስኡ ኸኣ ስዩም ነበረ። ክልቲኦም ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ብምስጢር ምስ ተማሃሮን መምህራንን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ምርኻብ ጅምር ከብሉ ኣብ ዓሰራይ መዓልቶም ሓደ ሰላዪ ፈሊጡዎም ተኣሲሮም።

ወልደዳዊትን ስዩምን ከኣ ተታሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰምበል ንዓሰርተ ዓመት ተፈርዱ። ወልደሱስ ኣብ ናይ 1980 መጽሔት ተ.ሓ.ኤ. ከም ዘስፈሮ ከኣ ክልቲኦም እሱራት ኣብ ዉሽጢ ቤት-ማእሰርቲ ዀይኖም ይጕስጕሱን ኵነታት የጽንዑን ነበሩ።

ናይ 1980 መጽሔት ተ.ሓ.ኤ
መግለጺ ስእሊ, ናይ 1980 መጽሔት ተ.ሓ.ኤ

ወልደሱስ ዓማር ዘዘንተዎ ፍሉይ ዛንታ እሱራት

ወልደዳዊትን ስዩምን ኣብ ኪዳነ ምህረት (ማእከል ኣስመራ) እንዳ ስራጅ ኣሕመድ ዓብዱልራሕማን ከሎዉ ኢዮም ናይ ጸጥታ ወትሃደራት ብሓደ ብጻዮም ዝነበረ ሰብ ተሰንዮም ኣብቲ ዝነበርዎ ገዛ ደበኽ ዝበሉ።

ስራጅ ኣብ ኣስመራ ዀይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ንጡፍ ስሩዕ ተ.ሓ.ኤ.፡ ትሽዓተ ዓመት ተኣሲሩ ምስ ወጸ ኣብ ባረንቱ ብ 1978 ዝተሰውአ ብጻዮም ምዃኑ’ዩ።

“ክልቲኦም እሱራት ኣብ መርመራ ኣትዮም ብዙሕ መግረፍቲ ወረዶም፣ ምስጢሮም እንተ ኣውጺኦም ብዙሓት ሰባት ክልከሙ ምዃኖም ፈሊጦም ክሳቐዩ መረጹ” ይብል ወልደሱስ።

“እተን ፈላሞት 40 መዓልታት ኣዝየን ከበድቲ ነበራ - እቲ ዝኸፍአ ምቕጥቃጥ ዝረአናለን መዓልታት ነበራ” እናበለ ወልደዳዊት ንወልደሱስ የዘንትወሉ። ሽዑ፡ ብኣመና ምቕጥቃጥ እሱራት ትንፋሶም ትሓልፍ ከም ዝነበረት ወልደዳዊት ይትርኽ።

ወልደዳዊት ከም ዘዘንተዎ፡ ንሱን ብጻዩን (ስዩም ዑቕባሚካኤል) ንማሕነቕቲ ኣይፈርሁን ነበሩ። መስዋእቶም ድማ ካልኦት ተቓለስቲ ከም ዘፍሪ ርግጸኛታት ኰይኖም ነቲ ኵነታቶም ይገጥምዎ ከም ዝነበሩ የዘንቱ።

ንዓሰርተ ዓመት ምስ ተፈርዱ ኸኣ ብዘይ ይግባይ ንፍርዶም ተቐበልዎ። ብኡ-ንብኡ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ንመጻኢ ዓሰርተ ዓመታት እንታይ ከም ዝሰርሑ ክትልሙ ጀመሩ።

ወልደ ዳዊትን ስዩምን ድሕሪ ፍርዶም ብዙሕ ጊዜ ኣብ ግሉል-ቀይዲ (ሸላ) የሕልፉዎ ነበሩ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ ስቅያት ኣሕለፉ።

ኣብ ሸላ ዝሞቱ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከም ዝነበሩ ንወልደሱስ የዘንትወሉ። “ብዙሓት ካብ’ቶም ኣሰርትናን ዝቕጥቅጡናን ብጭካኔ ዝሕዙናን ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ነበሩ” እናበለ ወልደ ዳዊት የዘንቱ።

እቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ማእሰርቲ፡ ወልደ ዳዊት ከም ዘዘንተዎ፡ “ብስቓይ እናተሓቘንና ነቶም ሓለውትና ወትሃደራት ንከነንቅሕ ብዙሕ ጻዕርታት ነካይድ ነበርና” ኢሉ ንወልደሱስ የዘንትወሉ።

“እቲ ጻዕሪ’ቲ ይውሓድ’ምበር ንኡስ ፍርያት ነበሮ፣ ምስ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ብጾትና ኸኣ ክንራኸብ ጀመርና” ኢሉ ንዕላሉ ወሰኸሉ።

“ይዅን’ምበር እቲ ናብራ ንባዕሉ ኣዝዩ ከቢድ ስለ ነበረ ... እኹል መግብን ሕክምናን ኣብ ዘይነበረሉ ሃዋህዉ፡ 100-120 እሱራት ኣብ ሓደ መንበሪ ኣዳራሽ ሰፊርና፡ ምስኡ ኸኣ ኣብ ሞንጎና ዓባይ ሰዓል ዝሓመሙ ስለ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ኣስተምህሮታት ክንህብ ጥጡሕ ባይታ ኣይነበረናን፣ ግን ዘንት-እለት ዝክኣለና ንፍትን ኔርና” እናበለ ወልደዳዊት የዘንቱ።

ኣብ መጠረሽትኡ ግን እታ ዝጽበይዋን ዝኣልሙላን ዝነበሩ መዓልቲ - ዕለት 12 የካቲት - ደበኽ በለት። እቲ ኣብ ዉሽጢ ቤት-ማእሰርቲ ኰይኖም በዓል ወልደዳዊት ዝዳለውሉ ዝነበሩ መደብ ምስ ሰሰነ፡ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ብጾቶም ኸኣ ምስ ተዳለዉ፡ እታ ፍጻሜ 12 ለካቲት ክድፍኣላ ጊዜኡ ኣኸለ።

ሓደ ሽሕ እሱራት ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓራ ዝወጽሉ መዓልቲ

ካብ ሰምበል ንሃዘጋ

በዓል ወልደዳዊት ኣብ ዉሽጢ ቤት-ማእሰርቲ ኰይኖም እኹላት ወተሃደራት ምስኦም ብስቱር ከም ዝመኽሩ ገበሩ። እቲ ብልሒ ኣብ ግዳም ንዝነበሩ ብጾቶም ብምስጢር መልእኽቲ እናተቐባበሉ ነቶም ወትሃደራት ኣብ ግዳም ብምርካብ ንክትሓባበሩ ሕራይ ከብልዎም ከኣሉ፣ እዚ ኸኣ ስምዒታት ሰውራ ኤርትራ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ’ዩ።

ሰዓት ሸውዓተ ናይ ምሸት ናይ ወትሃደራት ዲቪዛ ዝለበሱ ተጋደልቲ ዓባይ መኪና ሒዞም ኣብ ሰምበል ደበኽ በሉ። እቲ ኣማሓዳሪ ቤት-ማእሰርቲ ድሮ ብቃልሲ ኤርትራ ኣሚኑ ንክተሓባበሮም ድልው ነበረ። እቶም ኣብ ላዕሊ ተሰቒሎም ዝሕልዉ ዘብዐኛታት ግን ኣይግድን ነበሩ።

ተጋደልቲ ኣትዮም ንሕሙማት እሱራት ኣብ መኪና ጽዒኖም ክወጽኡ ግን እቶም ዘብዐኛታት ገለ’ኳ ኣይጠርጠሩን። እቶም ዝተረፉ እሱራት፡ ብጀካ ሓደ ኣእምሮኡ ዝሰሓተ እሱር፡ እቲ ትሪኮላታ ብዘሎዎም ኮቦርታታት ከዲኖም ብመሳልላት (ኣስካላታት) ደይቦም ዘዘሊሎም ክወጹ ጀመሩ። 700 እሱራት ዘዘሊሎም ከምልጡ ዳርጋ ፍርቂ ሰዓት ወሰደሎም።

“ኣሃዱታትና ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ መዓስከራትን ኣብ ዉሽጢ ኣስመራን ብፍላጥ፡ ንወትሃደራት ጸላእቲ ከደናግሩ፡ ቶዅሲ ከፈቱ። እቶም ሓለውትና ምሳና ከምልጡ ኸኣሉ፣ ኣብ ሃዘጋ፡ ካብ ኣስመራ ርሑቕ ዘይኰነ ቝሸት ሓደርና” በለ ወልደዳዊት።

ካብ ዓዲ ዃላ ንሕረት-ዑና

እቲ ናይ ዓዲ ዃላ ኣመሓዳሪ ቤት-ማእሰርቲ፡ ኢትዮጵያዊ ስለ ዝነበረ እቲ ስርሒት ካብቲ ናይ ሰምበል ፍልይ ዝብል ነበረ። ኰይኑ ድማ ኮማንዶ ተ.ሓ.ኤ. ሓይሊ ክጥቀሙ ተገደዱ።

ሰዓት ዓሰርተ ናይ ንግሆ ኮማንዶ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዃላ ኣትዮም ነቲ እንዳ ፖሊስ ተቘጻጸርዎ፣ ካልኦት ተጋደልቲ ድማ ነቲ ቤት ማእሰርቲ ኣካበብዎ። ገለ ካብ’ቶም ኮማንዶ ምስ ተጋደልቲ ተሓ.ኤ. መኺሮም ነይሮም፣ እቶም ነቲ ምስጢራዊ ስርሒት ዘይፈለጡ ድማ መዓስከሮም ዝውረር መሲሉዎም ንክከላኸሉ ዓረዱ።

እዚ ዅሉ ክፍጸም እቶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ኣካቢቦምዎ ዝነበሩ ተጋደልቲ ነቲ ዓቢ በሪ ቤት-ማእሰርቲ ብነታጒ ኣዕንዮም፡ ነቲ ኣማሓዳሪ ዀነ ገለገለ ተሓባብርቱ ኣብ ኢድ ወትሃደራት ተሓባበርቲ ናይቲ ስርሒት ኣእትዮም ኣሰሩዎም።

ኣጋ ሰዓት ሽድሽተ ገጹ ተወሰኽቲ ተጋደልቲ ኣብቲ ሓጹር ኣትዮም ን300 እሱራት ሓራ ኣውጽኡ። ኣማስያኦም ከኣ ኣብ ሕረት-ዑና ዝበሃል ቝሸት ሓደሩ።

ድሕሪ ማእሰርቲ

ካብ'ቶም ሓራ ዝወጽኡ ተጋደልቲ፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. እናተጋደለ ኸሎ እቲ ዉድብ ብ1981/82 ፋሕ-ፋሕ በለ። ብ1985 ኣብ ከሰላ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ተቐቲሉ ተረኽበ።

ስዮም ዑቕባሚካኤል ምስ ተ.ሓ.ኤ. ዀይኑ ቃልሱ ቐጸለ። ብ1982 ተ.ሓ.ኤ. (ሰውራዊት ባይቶ) ምስ ተተኽለት ከም ኣቦ መንበር ኰይኑ ንነዊሕ እዋን ኣገልገለ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ተ.ሓ.ኤ - ሰውራዊ ባይቶ፡ ንኤርትራ ናይ ምምላስ መደብ ኣይሰለጠን፣ ስዮም ዝተረፈ ጊዜኡ፡ ክሳብ መዓልቲ ስንብታኡ (17 ታሕሳስ 2005)፡ ኣብ ስደት ይነብር ነበረ።

ሃይለ 'ድሩዕ' ወልደትንሳኤ ምስ እሱራት ሰምበል ወጺኡ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንበረ። ኣብ ህ.ግ,ሓ.ኤ. ንነዊሕ እዋን ናይ መሪሕ ተራ ድሕሪ ምጽዋት ብህይወቱ ኣብ ናጻ ኤርትራ ኣተወ።

ኣብ ዝተፈላለየ ዝለዓለ ጽፍሕታት መንግስቲ ድሕሪ ምግልጋል ምስ ብጾቱ ዀይኑ፡ ናብ ህዝብን ሰራዊትን ቅሉዕ ናይ ምእራም ደብዳበ ምስ ጸሓፈ ከኣ ኣብ ቀይዲ ኣተወ።

እንሆ ከኣ ካብ ዝእሰርን ከሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ተሰሚዑ ካብ ዘይፈልጥ ዕስራ ዓመቱ ቀሪቡ ይርከብ።