ቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ 'የሰራጥን ይሰይጥንን' ኣሎ ክትብል ኤርትራ ከሲሳ

ኤርትራ፥ ቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ናይ 'ምስርጣይን' 'ምስይጣንን' ተግባራት ደው ከብሎ ጸዊዓ።
ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፍልይቲ ወኪል ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ጉዳይ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ ከይተፈለጣ ኣካል ናይቶም "ኣብ ኤርትራ ናይ ስርዓት ለውጢ ከምጽኡ ዝሰርሑ ጸላእቲ ኤርትራ ኮይና'ላ" ክብል ከሲሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፍልይቲ ወኪል ዳኔላ ክራቭተዝ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናይ ፖለቲካን ሕልናን ዝርከብዎም እሱራት ክፈትሕ ጸዊዓ ነይራ።
ዳኒኤላ ክራቭተዝ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ልዕሊ ዓቕመን ዝሓዛን፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከባ ምዃነን እሱራት ነቲ ቫይረስ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቓ።
እታ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ቡዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ከምዘሎ ብምብራህ፡ ጉዳይ ናይታ ዝሓለፈ ዓርቢ መበል 23 ልደታ ኣብ ቀይዲ ዘብዓለት ሲሃም ዓሊ ዓብዱ ከም ኣብነት ጠቒሳ።
ዳኒኤላ ክራቭተዝ፡ ብምስዓብ፡ ኣብ 2019 ጥራይ፡ ኣስታት 200 ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ሓቢራ ነይራ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







