"ህዝቢ ኤርትራ ብፖለቲካዊ ቅልውላው ክሳቐ ክርእዮ ብልቢ የሕዝነኒ" ጸሓፊ ዳን ኮኔል

ምንጪ ስእሊ, Dan Connel
ኣብ 2001፡ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ይዅን ግዳም ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ታሪኾም፡ ብዛዕባ ባህርያት መሪሕነትን ፖሊሲታት ሃገሮምን ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ክፉትን ሰፊሕን ክትዓት ዘካየድሉ እዋን እዩ ነይሩ።
ጀነራላትን ምኒስተራትን ዝርከቡዎ ሓያሎ ኣባላት ባይቶን ግንባርን ነበርን ኣብ ዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሒ ብሓላፍነት ዘገልግሉ ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣብ ምሕደራን ፖሊሲታትን መንግስቲ ሕቶ ብምልዓሎም፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ዘይምርድዳእ ስለዝተፈጥረ ኣብ ጋዜጣታት ዝተፈለላየ ርእይቶን ሓሳባትን ክፈስስ ድሕሪ ምጽናሕ መንግስቲ ብ18 መስከረም ንጋዜጣታት ብሕቲ ዓጽዩ፡ ነቶም ሕቶ ዘልዓሉ ሰበስልጣን ብክሕደት ሃገርን ተንበርካኽነትን ከሲሱ ምስኣሰሮም ኩሉ ነገር ጸጥ በለ።
እቲ ኣብ ጋዜጣታት ብሕቲ ዝቐርብ ዝነበረ ህየሳዊ ሓሳባትን ናይ ምብህሃል መድረኽን ምስ ምእሳር እቶም ሓለፍቲ መንግስትን ጋዜጠኛታትን ተዓጽዉ።
ብዛዕባ እቲ ፍጻሜን ናብኡ ዘብጽሐን ኩነታት ዓርኪ ሰውራ ኤርትራ ነበር ጋዜጠኛን ጸሓፍን ዳንኮኔል፡ ዝርርብ ምስ ገለ ካብ እሱራት እትብል መጽሓፍ ንንባብ ኣብቀዐ።
ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም በይዝል ደይቪድሶን፡ ላዮነል ክሊፍ፡ ጆን መርካኪስ፡ ቶማስ ከንልይ ዝኣመሰሉ ጸሓፍትን ተመራመርትን ታሪኽ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዝነበረ ግፍዕታት፡ ምንዳድ ዓድታት፡ ምምዝባል አህዛብ፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ስደትን ውርደትን፡ ኩናት ሓድሕድ ውድባት ሰውራ፡ ናብ ህዝቢ ዓለም ኣብጺሖምዎ እዮም። ኣመሪካዊ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ዳን ኮኔል ከኣ ሓደ ካብኦም እዩ።

ምንጪ ስእሊ, PEN ERITREA/ ABRHAM T.
ዳን ኮኔል፡ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ምዕራብ ዘላለየ ጸሓፊ
ዳን ኮኔል ንቃልሲ ኤርትራ ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘፋለጠ ጋዜጠኛ እዩ። ኣብ ኣሜሪካ እታ ፈላመይቲ ዛንታ ኣብ "ዋሺንግተን ፖስት" ምስ ኣሕተመ፡ ኩነታት ኤርትራ ቆላሕታ ክረክብ ጀመረ።
ነቶም ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዀይኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ድማ ዓቢ ፍናን ኰኖም።
ዳንኮነል ኣብ ግንቦት 1976፡ ኣብ ዉሽጢ ሓደ ወርሒ ሸውዓተ ዓበይቲ ዛንታት ጽሒፉ። ኣብታ ዓመት 1976 መንግስቲ ደርግ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝኣኻኸቦም ሚሊሽያ ንኤርትራ ከእትዎም እንከሎ ዳን ኮኔል ምስቲ ናብ ኤርትራ ዝተምም ዝነበረ ቃፍላይ ከም ዝነበረ ይገልጽ።
ብድሕሪኡ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ እተዕጥቓ ዝነበረት ብረት ንዓለም ኣቃልዐ። ቀጺሉ ኣብ ናቕፋን ኣፍዓበትን ዝተኻየደ ውግኣት ጸብጸበ። ብዛዕባ ምሩኻት ወትሃደራት ኢትዮጵያ'ውን ጽሒፉ።
ንሱ ጥራሕ ግን ኣይነበረን፡ ብዛዕባ ፍልልያት ጀብሃን ሻዕብያን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ምጥፋእ መሃይምነት፡ ዕደላ ረድኤት ንጽጉማት፡ ተሳትፎን ኣበርክቶን ሓፋሽ ውድባትን ኣወዳድባ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንናጽነት ደጊፎም ዝካየዱ ዝነበሩ ሰላማዊ ሰልፍታት'ውን ጽሒፉ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Dan Connell
ኣብ 2004 ከኣ ኣብ መሪሕነት መንግስቲ ኤርትራ ንዝተፈጥረ ምፍልላይ እተንጸባርቐ "ዘተ ምስ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኤርትራ" ዘርእስታ መጽሓፍ ጽሒፉ።
እታ መጽሓፍ፡ ሓደ ካብቶም እሱራት፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ሓለፊ ስለያን መራኸቢታትን ዝነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ክሳብ ኣብ መስከረም 2001 ዝእሰር ምኒስተር ምክልኻል፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ምኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኮይኑ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰሎሙን ኣብ ጋዜጣ ጽጌናይ (11 ሰነ 2001) ብዝበሎ፡ በዛ ጥቕሲ'ዚኣ ትጅምር …
"ብወቐሳ ምስ እትጽመድ፡ ድፋዕ ሒዝካ ክትሕልን ኣንጻር ጸረ-ወቐሳ ክትትኵስን ኣድላዪ ኣይኰነን። እንታይ ድኣ፡ ንወቐሳ ብክፉት ልብን ተጻዋርነትን ክትቅበሎ ይግባእ። ንልቦናን ኣስተውዕሎን ዝብሕቶ ሓደ ሰብ ወይ ትካል ከቶ የልቦን።"
ዳን ኮነል ምስ ሓሙሽተ ካብ'ቶም እሱራት ንዘካየዶ ቃለ-መሕትት እዩ ኣብ መጽሓፍ ኣቕሪቡዎ። እቲ ዝርርብ ከኣ ነቶም ሽዑ ዝተኸሰቱ ቅልውላው እዩ ዝገልጽ። እቶም ቃሎም ዝሃቡ ድማ ሃይለ ወልደንትሳኤ 'ድሩዕ'፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገብረእግዚኣቢሄርን ዑቕበ ኣብርሃን ኢዮም።
እቶም ቅድሚ ማእሰርቶም ናጻ ኮይኖም ምስ ዳንኮኔል ዝተዛረቡ ሓለፍቲ-ነበር ውዒሎም ሓዲሮም ከም ዝእሰሩ ይፈልጡ ምንባሮም፡ ግን ከኣ፡ ህዝቢ፡ ኣውራ ኸኣ ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ.፡ ክስዕብዎም ተስፋ ከምዝነበሮምን ብኸምኡ ከኣ ነተን ኣብ ግንቦትን ነሓሰን 2001 ናብ ኣባላት ህግደፍን ህዝብን ዝዘርግሑዎ ንዕላማታቶም ዘንጸባርቕ ቅሉዕ ደብዳበ ከም እተወፈዩ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Dan Connell
ስለምንታይ እቶም ቃለ-መጠይቓት ተኻይዶም?
ዳን ኮኔል ከም ዝበሎ፡ "ናብ ኣባላት ህግደፍን ህዝብን ንዕላማታቶም ዝገልጽ ቅሉዕ ደብዳበ ምስዘርግሑ ኣብ ጋዜጣታት ብሕቲ ብዛዕባ ጕዳዮም ይዛረቡ ነይሮም። ህዝቢ፡ ነቲ ዘልዓልዎ ዛዕባ ብግቡእ ምእንታን ክፈልጦን ብቐጻሊ ክካታዓሉን ድልየት ስለ ዝነበሮም እዮም ምሳይ ቃለ-መጠይቕ ክገብሩ ፈቒዶም" ይብል።
"እቲ ኣነ ክፈልጦን ክርድኣንን ዝደለኽዎ ጕዳይ ብዛዕባ ሱር ናይቲ ብድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢዩ" ከኣ ይብል።
ኣስዒቡ "እቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ሚስጢራዊ ሰልፊን ናይ ሽዑ ማሕበራውን ፖለቲካውን ተግባራት፡ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኸስተ መቐይሮታትን ኣካይዳን መንግስቲ ብኸመይ ከምዝጸለዎ ብዕምቆት ክርዳእ ክኢለ" ይብል።
ሓደ ከም ህዝባዊ ግንባር ዝኣመሰለ ብረታዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ግንባር ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ክኣቱ እንከሎ ከበድቲ ሽግራት ከም ዘጓንፍዎ ኣብ ብዙሓት ግንባራት ነበር ተራእዩ'ዩ።
"ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከኣ፡ ብምስጢራዊ ፊተውራሪ (መሪሕ) ይምራሕ ስለ ዝነበረ፡ ንኣካይዳን ኣዋድዳን መንግስቲ ከም ዝጸለዎን ከም መልዕሎ ጠንቂ ኵይኑዎ ኢለ'የ ዝኣምን፣ እምበኣርከስ ጸገም ኤርትራ (ዲሞክራስያዊ መቐይሮ ብግቡእ ንከይተኣታቶ ዓጊቲዎ) እቲ ዓይነት ኣሰራርሓ ከም ዝዀነ ይርድኣኒ። ሎሚ'ኸ ከምኡ ዝኣመሰለ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ሚስጢራዊ ሰልፊ ይህሉ'ዶ ይኸውን? ምናልባሽ" ኢሉ ባዕሉ ይሓትትን ይምልስን።

ምንጪ ስእሊ, Dan Connell
እቲ ስርዓት መንግስቲ ብሓደ ዝተጠናገገ መሪሕነት፡ ብጨናፍራትን ዋህዮታትን ብዝተወደበ ስቱር ርክባትን ኣኼባታትን ክካየድ ስለዝጸንሐ እቲ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ካብቲ ሰራውር ከምዝነቐለ ይትንትን ዳንኮኔል።
"ኣብ ኤርትራ እቶም ብዕሊ ዝቘሙ ዓንድታት መንግስቲ - ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ሃገራዊ ባይቶ፡ ክቢ ፈራዶ፡ ፈጻሚት ሽማግለ፡ ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ.ደ.ፍ. - ኵሎም ንሽፋን ዝቖሙ ትካላት'ዮም ነይሮም" ክብል ከኣ ትዕዝብቱ የንብረሎም።
እቶም ምስ ኲናት ዶባት 1998-2000 ዝተጋህዱ ቅልውላዋት ድማ ምስ'ቶም ሽፋናት የተኣሳስሮም።
ንኣመዓባብላ ፖለቲካዊ ቅልውላው መስከረም 2001፡ ንዘበነ ቀይድን ምዕጻው ናይ ውልቀ-ሚድያን ከዘንቱ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ጉዳያት ካብ ነዊሕ ከምዝጸንሐ እቲ ቐንዲ ግን ካብ ጥሪ 2000 ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳያስን ደለይቲ ለውጥን ብዝተኻየደ ምስሕሓብ ከምዘጀመረን ኣብ መስከረም 2001 ከኣ ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ዘተ-ፖለቲካ ዘብቅዓሉ እዋን ምዃኑ በብእዋኑ ንዘጋጠሙ ክስተታት እናጠቐሰ ብመልክዕ ስነ-እዋን (ክሮኖሎጂ) ኣቕሪቡዎ ኣሎ።
ኣመጻጽኣ ቝጽያ ናጽነት ኣብ ኤርትራ
ዳን ኮኔል፡ ነቶም ፍጻሜታት ብመልክዕ ክሮኖሎጂ ኣብ ገጻቱ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ንኣልያ ኩናት ዶባት፡ ንትግባረ-ቅዋም፡ ንሰለዳ ግዜ ምርጫ ብዝምልከት ሓያል ወቐሳ ከም ዝወርዶን ነቲ ወቐሳ መልሲ ከም ዘይሃበሉ ዳንኮኔል ጽሒፉ ኣሎ። እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ግን ከኣ ሽዑ ዝተጋህደ ዘይምቅዳው ከኣ ነቲ ስዒቡ ዝመጽአ ቅልውላው ወሊዱ።
ሃገራዊ ባይቶ፡ ብመስከረም 2000፡ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ጕዳያት ዉግእን መስጋግሮ ፖለቲካን ከም ዝዝተየ፡ ዝተኸሰቱ ጕዳያት ንምጽናዕ ከኣ ሓደ ኮሚሽን ከም ዝቖመ፣ ሓደ ካብ'ቶም ስርሓት ኮሚሽን ድማ ብዛዕባ ሕብረ-ሰልፋዊ ምርጫ ሕግታት ንምንዳፍ ከም ዝነበረ፣ እቲ ምርጫ ኸኣ ንታሕሳስ 2001 ክማላእ ኣብ መደብ ኣትዩ ከም ዝነበረ ይሕብር። ድሒሩ ከም ዝተራእየ ግን እቲ መደብ ኣይተተግበረን።
19 ላዕለዎት መራሕቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ንምጽባብ፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ህጹጽ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣኼባ ንኽጠልብ ኣቤቱታ ከም ዘቕረቡ፤ ፕረዚደንት ግን ንኣቤቱታኦም ከም ዝነጸጎ ብድሕሪኡ ናብዛ ሕጂ ኣርእስቲ ኮይና ዘላ ማእሰርትን እገዳን ፕረስ ዘስዓበት ወርሒ መስከረም ከምዝተበጽሐ ተንቲኑ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።
እቶም እሱራት ካብ ሽዑ ክሳብ ሎሚ ተራእዮም ኣይፈልጡን፣ መንግስቲ ድማ ብዛዕብኦም ዝኾነ ይዅን ሓበሬታ ሂቡ ኣይፈልጥን። ሰለስተ ካብቶም 15 ኣብ ግዳም ብምጽነሖም ከምዝደሓኑን ሓደ ከኣ ይቕረታ ሓቲቱ ከምዝደሓነን ይፍለጥ።
እቲ ሽዑ ዝተላዕለ ፍልልያት ክሳብ ሕጂ ክዕረ ኣይተኻእለን። እንሆ ኸኣ እቶም እሱራት ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ፡ ኣብ ሰብ ዘይፈልጦ ቤት-ማእሰርቲ ተዳጕኖም መበል 19 ዓመቶም መሊኦም ይርከቡ። መን ሞይቱ፡ መን ብህይወቱ ይሃሉ ዝፈልጥ ሰብ የለን።
ካብ ሰብዓታት ኣትሒዙ ዓርክን መሓዛን ሰውራ ኤርትራ ዝነበረ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ዳን ኮኔል ንብዙሓት ካብቶም ሽዑ ተኣሲሮም ዘለው መራሕቲ ሰውራን መንግስትን ዝነበሩ ሰባት እንኮላይ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ይፈልጦም እዩ። እቲ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ተጋድሎ ዝርእዮ ዝነበረ ክቱር ብጻይነትን ፍቕርን ብኸምዚ ኩነታት ክድምደም ምርኣዩ ከኣ ብልቢ ከምዝጉሂ ይዛረብ።
"እቲ ን30 ዓመታት ብጽንዓት ተቓሊሱ መሪር ኩነታት ሰጊሩ ዝሰዓረ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፖለቲካዊ ቅልውላው ክሳቐ ክርእዮ ብልቢ የሕዝነኒ" ይብል ዳንኮኔል እቲ ትማሊ ዝነበሮ ተስፋን ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ክግምግም እንከሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







