ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣይረኣኹን ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, HUMAN RIGHTS WATCH
ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ለውጢ እኳ እንተገበረት ፖለቲካዊ እሱራት ከም ዘይፈትሐት ዓለም ለኻዊ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች (human rights watch) ሓቢሩ።
ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ምስ ገበረት፡ ኣብ ኤርትራ ለዉጢ ክመጽእ ትጽቢት ብዙሓት ከም ዝነበረ፡ ኣብ ሁዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ማርያ ብሩነት ሓቢራ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈጸመ ማእሰርቲ ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ነቲ ኹነታት ኣሻቓሊ ከምዝገበሮ ገሊጻ።
"ኣብዚ ዓመት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ብምግባር፡ ንዓመታት ዝጸንሐ ጽልኢ መዕለቢ ምስ ረኸበ፡ ንፖለቲካዉያን እሱራት ኤርትራ ለዉጢ ክመጽእ ተስፋ ተገይሩ ነይሩ። ማእሰርቲ ናይ ብርሃነ ግና ዝኾነ ለዉጢ ከም ዘየለ ኢዩ ዘርእይ። ኣብ ኤርትራ ንተጻረርትኻ ምእሳር ከም ቀደሙ ኢዩ ዘሎ" ኢላ።
ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ከም ዘለዉዋ ብምግላጽ፡ ንኹሎም ክትፈትሕ፡ ሁዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።
ዝኾነ ምስ ኢሳይያስ ክሰርሕ ወይ ኣብ ኤርትራ ርክብ ንግዲ ከሳልጥ ዝደሊ መንግስቲ፡ ንምፍታሕ እቶም ነዊሕ ተኣሲሮም ዘለዉ ፖለቲካዊ እሱራት ክጽዕር ከም ዝግባእ ብሩነት ሓቢራ።
ሁዩማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ እቶም 21 ላዕለዎት ሓለፍትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም፡ ኣብ 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ፖለቲካዊ እሱራት ዝምልከት ቪድዮ'ውን ዘርጊሑ ኣሎ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







