ጉጅለ 15፡ እቶም ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝተሰወሩ 11 ኣባላት ጉጅለ-15 መን'ዮም?

ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ኣስቴር ፍስሃጽዮን ካብቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ እዮም
መግለጺ ስእሊ, ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ነበር ኣስቴር ፍስሃጽዮን ካብቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ እዮም

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቶም ቅድሚ 20 ዓመት ብዘይፍርዲ ዝተኣስሩ ብኣባላት ጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ክፈትሖም ኣመሪካ ጸዊዓ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ብኣጋጣሚ ብዓል መስቀል፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቶም ዝተኣስሩ ኣባለት ጉጅለ-15ን ኩሎም እሱራት ፖለቲካ ኤርትራን ክፈትሖም ብኣኽብሮት ንሓትት" ኢሉ።

እቲ ኣብቲ እዋን ምስ ሓያሎ ኣዳለውትን ጋዜጠኛታትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ክሳብ ሎሚ ተሰዊሩ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕን ኣብ 2012 ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት ሲሃም ዓብዱ ዓሊን ክፍትሑ'ውን እቲ መግለጺ ጸዊዑ'ሎ።

ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ ነቶም "ደሞክራስያዊ ጽገና ክግበር ብድፍረት ዝጠለቡ ተባዓት ሰበስልጣን መንግስቲ" ዝበሎም 11 ኣባላት ጉጅለ-15ን "ኩሎም ካልኦት እሱራት ፖለቲካ ኤርትራን" ክፍትሑ ንመንግስቲ ኤርትራ ጻውዒት ኣቕሪቡ'ሎ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያንን ኤርትራውያንን ተጣበቕቲ ወገናት፡ እቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰብመዚ መንግስቲ ዝነበሩ፡ ብዘይ ዝኾነ ወግዓዊ ክሲ ተሰዊሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ዝርከብዎም ናይ ሕልና እሱራት ብህጹጽ ክፍትሑ ብኣጋጣሚ መበል 20 ዓመት ማእሰርቶም ይጽውዑ ኣለዉ።

ብ18 መስከረም 2001፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤርትራ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፡ ናብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን ክእከብን ቅዋም ክትግበርን ጠለብ ድሕሪ ምቐራቦም ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትው 20 ዓመቶም ኮይኑ'ሎ።

ዝበዝሑ ካብቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር፡ ኣብ እዋን ሰውራ ኤርትራ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለን ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ዝነበሩ'ዮም።

ካብቶም ሕቶ ዘቕረቡ፡ ኣባላት 'ጉጅለ 15' እቶም ዓሰርተ ሓደ፡ 18 መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ካልኦት 4 ኣባላት እቲ ጉጅለ ግን ናብ ስደት ከምርሑ ዝተገደዱ እዮም። ሓደ ካብኦም ዝኾነ ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም ግን ኣብ ለካቲት 2021 ብሞት ተፈልዩ።

እቶም ኣብ ስደት ብሂወት ዝርከቡ ሰለስተ ድማ: ሚኒስተር ምክልኻልን ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ዝነበረ ኣቶ መስፍን ሓጎስ: ኣመሓዳሪ ከተማ ደቀምሓረ ዝነበረን ገዲም ተጋዳላይ ሰውራ ኤርትራን ኣቶ መሓመድ ቡርሃን ብላታን: ከምኡ'ውን ኣብቲ እዋን ኣምሳደር ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ንነዊሕ እዋን ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ዘገልገለን ኣቶ ሃይለ መነቀርዮስን እዮም።

ንምዃኑ፡ እቶም ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ተሰዊሮም ዝርከቡ 11 ላዕለዎት ሓለፍትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ነበር በዓል መን እዮም?

Presentational grey line

1. ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ
መግለጺ ስእሊ, ማሓሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዝነበረ ኮይኑ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሓዳርን ኮይኑ እውን ዝሰርሐ እዩ።

2. ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ።

ሃይለ ወልደትንሳኤ
መግለጺ ስእሊ, ሃይለ ወልደትንሳኤ

ድሕሪ ናጸነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ከምኡ እውን ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ብደረጃ ሚኒስተርነት ከኣ፡ ሚኒስተር ፋይናንስ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ኮይኑ ሰሪሑ።

3. ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ።

ጴጥሮስ ሰሎሞን
መግለጺ ስእሊ, ጴጥሮስ ሰሎሞን

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ኣባል ካቢነ መንግስቲ ኤርትራን ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ብደረጃ ሚኒስተርነት ከኣ ሚኒስተር ምክልኻል፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኮይኑ ሰሪሑ።

4. ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረእግዝኣብሄር፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ከምኡ ድማ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኮይኑ ዝሰርሐ እዩ።

5. ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ።

ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ
መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ከምኡ እውን ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልካል ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

6. በራኺ ገብስላሰ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

በራኺ ገብርስላሰ
መግለጺ ስእሊ, በራኺ ገብረስላሰ

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን፡ ሚኒስተር ትምህርቲ፡ ሚኒስተር ዜና ከምኡ'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኮይኑ ሰሪሑ።

7. ብርጋዴር ጀነራል እስቲፋኖስ ስዩም፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነይሩ።

ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ዳይረክተር ጀነራል ኣታዊታት ውሽጢ ሃገር፡ ከምኡ እውን ሓላፊ ስታፍ ፋይናንስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

8. ጀርማኖ ናቲ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈትን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ከምኡ ድማ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝነበረ እዩ።

9. ሳልሕ እድሪስ ኬክያ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ኣብ 1994 ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኮይኑ ዝተመረጸ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ከም እውን ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ነይሩ።

10. ሓምድ ሕምድ፡ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

ኣብ 1994 ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ኮይኑ ዝተመረጸ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ከምኡ እውን ኣብ ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዳይረክተር ጀነራል ጠረጴዛ ማእከላይ ምብራቕ ኮይኑ ሰሪሑ።

11. ኣስቴር ፍስሃጽዮን፡ ካብ 1994 ክሳብ 2001 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ'ውን ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ነይራ።

ከምኡ ድማ ኣብ ሚኒስተሪ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ዳይረክተር ጀነራል ኮይና ዘገልገለት እያ።

ኣስቴር ፍስሃጽዮን
መግለጺ ስእሊ, ኣስቴር ፍስሃጽዮን

ካብዚኦም ብተወሳኺ፡ ተደናገጽቲ ዝተብሃሉ፡ ናይ ውልቂ ጋዜጤኛታት፡ ካልኦት ላዕሎዎትን ታሕተዎትን ካድራት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተኣሲሮምን ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ኣርባዕተ ኣባላት "ጉጅለ-15"፡ መስፍን ሓጎስ፡ ኣድሓኖም ገብረማርያም፡ መሓመድ ብርሃን ብላታን ሃይለ መንቀርዮስን ድማ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ስደት ዝርከቡ እዮም።

Presentational grey line

ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዞም እሱራት ዝተፈለጠ ነገር

ካብ መስከረም 2001 ጀሚሮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ፡ ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነበር ዝርከብዎም እሱራት፡ ካብታ ዝተኣሰሩላ ዕለት ጀሚሮም ምስ ዝኾነ ሰብ ከይራኸቡ ተገሊሎም ዝተኣሰሩ ኮይኖም ይቅጽሉ ኣለዉ።

ዝኮነ ሰብ ክበጽሖም፡ ጠበቃ ክግበረሎም ምስ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ቤተሰቦምን ከይራኸቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ ንኹነታት እዞም እሱራት ከም ምስጢር ሒዙ፡ ንዝኾነ ኣካል ርኢቶ ካብ ምሃብ ተቖጢቡ ይርከብ።

ነዞም እሱራት ብጀካ እቶም ብቐረባ ዝሕልውዎም ዋርድያታት ዝኾነ ካልእ ሰብ ክርእዮም ኮነ ክበጽሖም ዝፍቀድ ኣይኮነን። ብሂወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ እውን ካብ መንግስቲ ዝተውሃበ ወግዓዊ ሓበሬታ ክሳብ ሕጂ የለን።

እዞም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣሰሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ እምባትካላ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሰነ 2003 ናብ ዒራዒሮ ዝብሃል ቦታ ከምዝተሰጋገሩ ይንገር።

ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገረዝጊሄር፡ ስብሓት ኤፍረምን መስፍን ሓጎስ

ምንጪ ስእሊ, Petros Tesfagiorgis

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1987 ኣብ ታሕቲ ኮፍ ካብ ዝበሉ ካብ ጸጋም ናብ የማን፡ ጴጥሮስ ሰሎሙን፡ ብርሃነ ገረዝጊሄርን፡ ስብሓት ኤፍረምን ኣብ ላዕሊ ኮፍ ካብ ዝበሉ ማእከላይ መስፍን ሓጎስ

መንግስቲ ብዛዕባ እዞም እሱራት እንታይ ይብል?

ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2002 ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ንጉጅለ 15 'ከዳዓትን ፈላለይትን' ክብል ገሊጽዎም ነይሩ።

እቲ ባይቶ ብተወሳኺ፡ 'ንፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ንምእላይ ፈቲኖም' ክብል ጠቒስዎም እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንህሉው ኩነታት እሱራት ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ እዩ ዘሎ።

ኣብ 2010፡ ብናይ ቀጠር ጋዜጠኛ ንኹነታት ጉጅለ 15 ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ፡ "ብዛዕባ እዚ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፡ እዚ ጉዳይ እንተተረሰዐ ይሓይሽ" ኢሉ መሊሱ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ግንቦት 2008 ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት'ውን ብዛዕባ ምስዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝተሓተተሉ "ዝተኣሰሩ ኣይነበሩን፡ ዝተኣሰሩ የለዉን፡ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኢኻ ሒዝካ ዘለኻ" ክብል መሊሱ።