ቀንዲ ነቓፊ ፑቲን ፖለቲከኛ ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ ማእሰርቲ እንከሎ ሞይቱ

ናቫልኒ፡ ፍሉጥ ተቓዋሚ ፕሬዝደንት ፑቲን'ዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, KIRILL KUDRYAVTSEV/AFP

መግለጺ ስእሊ, ናቫልኒ፡ ፍሉጥ ተቓዋሚ ፕሬዝደንት ፑቲን'ዩ ነይሩ

ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ቀንዲ መራሒ ተቓውሞ ሩስያ ዝነበረ ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ከም ዝሞተ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ቀንዲ ነቓፊ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝነበረ ናቫልኒ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ 19 ዓመታት ካብ ዝፍረድ ንድሓር ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ናብ ዝተባህለ ካብ ሞስኮ ንኣንፈት ሰሜን ምብራቕ ኣብ ሳይቤሪያ ናብ ዝርከብ ኣዝዩ ዝሑል ቤት ማእሰርቲ እዩ ተደርብዩ ጸኒሑ።

መራሒ ሰልፊ ተቓውሞን ቀንዲ ነቓፊ ፑቲንን ዝዀነ ናቫልኒ፡ ፖለቲካዊ’ዩ ተባሂሉ ብዝእመን ክሲ ተፈሪዱ’ዩ ተኣሲሩ።

እቲ ናቫልኒ ተኣሲርሉ ዝጸንሐ ቤት ማእሰርቲ እቲ ፖለቲከኛ ከም ዝሞተ ክገልጽ እንከሎ፡ ሎሚ ንጉሆ ቁሩብ ምንቅስቓስ ምስ ገበረ “ሕማም ከም ዝተሰምዖን” ሽዑ ንሽዑ ሃለዋቱ ከም ዘጥፍአን ኣመልኪቱ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ህጹጽ ረድኤት ሕክምና ብምሃብ ህይወቱ ንምትራፍ እኳ እንተፈተኑ፡ ኣይሰመረን ይብል።

ናቫልኒ፡ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ብቪድዮ ናብ ዝነበሮ ቆጸራ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ኣብ ድሓን ኩነታት ኰይኑን እናስሓቐን ተራእዩ ነይሩ።

ኣዲኡ፡ “ዝዀነ ሓዘን ክሰምዕ ኣይደልን፤ ብ12 ለካቲት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ርኢና’ዮ ኢና። ጥዑይን ሕጉስን ኰይኑ ብህይወት ነይሩ’ዩ” ኢላ።

ጠበቓ ናቫልኒ ሊዮኔድ ሶሎቪዮቭ ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህብ ከም ዘይደሊ እኳ እንተገለጸ፡ ናይ ቐረባ ተሓጋጋዚኡ ዝዃፐነ ሊዮኔድ ቮልኮቭ “ሰብ መዚ ሩስያ ናቫልኒ ኣብ ቤት ማእሰርኢ ከም ዝቐተሉዎ ዝኣመንሉ መግለጺ ወግዓዊ ገይሮም ኣለው። እዚ ኩነታት ሓቂ ይኹን ኣይኹን እነረጋግጸሉ መገዲ ግን የብልናን” ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ሞት ወዲ 47 ዓመት ናቫልኒ ዝምልከት፡ ኣብ ሓንቲ ግዝኣት ሩስያ ምብጻሕ ንዝገብር ዘሎ ፕሬዝደንት ፑቲን ከም ዝተነግሮ ወሃቢ ቃል ዲሜትሪ ፔስኮቭ ኣረጋጊጹ።

ከም ጸብጻብ ኣርቲ (RT) ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሩስያ፡ ናቫልኒ ምርጋእ ደም ኣጋጢሙዎ ነይሩ። ኣብ ሕሉፍ ሓኪሙ ዝነበረ ኣሌክሳንደር ፖሉፓን ግን እዚ ድሕሪ መርመራ ኣስክሬን ዝፍለጥ እዩ ክብል ይነጽጐ።

ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣሎ እዩ ዝብሎ ሰፊሕ ብልሽውና ብምቅዋም ጐስጓስ ክገብር ዝጸንሐ ናቫልኒ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእታው ቅድሚ ሓደ ዓመት ነርቭ ብዘጥቅዕ ንጥረ ነገር ተመሪዙ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ናቫልኒ፡ ትማሊ ብቪድዮ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, @TEAMNAVALNY

መግለጺ ስእሊ, ናቫልኒ፡ ትማሊ ብቪድዮ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ

መብዛሕትኦም ነቐፍትን ተቓወምትን ፑቲን ካብ ሩስያ ሃዲሞም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝቕመጡ ኰይኖም፡ ናቫልኒ ግን እቲ ሓደጋ ምስማም ምስ ኣጋጠሞ ንኣዋርሕ ኣብ ወጻኢ ሃገር ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሃገሩ’ዩ ተመሊሱ።

ናቫልኒ ኣብ ሩስያ ምስ ተሰመመ ሕክምና ንክረክብ ናብ ጀርመን ተወሲዱ ንኣዋርሕ ተሓኪሙ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ናቫልኒ ኣብ ፕሬዝደንታዊ መረጻ እታ ሃገር ንፕሬዝደንት ፑቲን ንምንሕናሕ እኳ ድልየት ንተነበሮ፡ ኣብ መረጻ 2018 ንከይሳተፍ ተኣጊዱ ምንባሩ ይዝከር።

ወሃቢት ቃል ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝዀነት ኪራ ያርምይሽ፡ ብዛዕባ ሕልፈቱ ክሳብ ሕጂ መረጋገጺ ከም ዘይተዋህቦም ብምግላጽ ሓበሬታ ኣየብልናን ኢላ።

“ናቫልኒ ዝነበረሉ ቤት ማእሰርቲ ብዛዕባ ሞቱ ሓበሬታ ወዚዑ ኣሎ። ንሕና ግን ምሟቱ ዘረጋግጽ ዝዀነ መረዳእታ የብልናን” ክትብል ብኤክስ ሓቢራ።

ጠበቓኡ ብነፋሪት ናብ ሳይቤሪያ ይጉዓዝ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብኡ ምስ በጽሐ ሓበሬታ ከም ዝህባ'ውን ገሊጻ።

መራሕቲ ብዛዕባ ሞት ናቫልኒ እንታይ ኢሎም?

ፈረንሳ፡ “ጭቈና” ሩስያ ብምቅላስ ብህይወቱ ዋጋ ኸፊሉ’ዩ ክትብል እንከላ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኖርወይ ሰብ መዚ ሩስያ ብሞት እቲ ፖለቲከኛ ሓላፍነት ክስከሙ’ዮም ኢሉ።

ኣብ ሙኒክ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ድሕነት ዝሳተፍ ዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቶም ብዛዕባ ሞት ናቫልኒ ዝወጽኡ ዘለው ጸብጻባት ቅኑዓት እንተዀይኖም፡ "ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሩስያ ምሟቱን ፍርሒ ሓደ ሰብን፡ ነቲ ኣብ ሕመረት ናይቲ ፑቲን ዝሃነጾ ስርዓት ዘሎ ድኽመትን ምብስባስን ጥራይ እዩ ዘጉልሕ። በዚ ሩስያ ተሓታቲት እያ" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ፑቲን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ "ሓካይም ብገለ መንገዲ ነዚ ክፈልጥዎ ኣለዎም" ኢሉ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን “ድሕሪ ሕጂ፡ ዝዀነ ሰብ ዘስካሕክሕ ባህሪ ስርዓት ፑቲን ኣብ ሩስያ ክጠራጠር የብሉን” ኢሉ።