ፑቲን፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ካብ ትራምፕ ንባይደን ከምዝድግፍ ገሊጹ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ መረጻ ኣመሪካ ካብ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንፕረዚደንት ባይደን ከም ዝመርጽ ገሊጹ።

ፑቲን፡ ‘ባይደን ዝያዳ ምኩርን ክትግምቶ እትኽእልን ሰብ እዩ’ ምባሉ ንብዙሓት ኣገሪሙ።

ዶናልድ ትራምፕ ንፈለማ እዋን ንፕረዚደንትነት ቅድሚ ምውድዳሩ፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንፑቲን "ዓቢ ሰብን ንፉዕን" ክብል ንኢዱዎ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ባይደን ንዓመታት ንፕረዚደንት ሩስያ ፑቲን ብትሪ ክነቅፍ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ሓደ እዋን ቅድሚ ወራር ዩክረይን "ቀታሊ" ኢሉ ፀዊዕዎ ነይሩ።

ፑቲን ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ታከር ካርልሰን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት'ውን፡ እቶም ሕቶታት ተረረርትን ዝተዋደዱን ዘይምዃኖም ነቒፉ።

ፑቲን ትማሊ ረቡዕ ምስ ተለቪዥን ሩስያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ መሪሕነት ባይደን ንሩስያ ዝሓሸ ከምዝኸውን ብምግላጽ፡ "ዝያዳ ምኩር፡ ክትግምቶ ዝኽእል ፖለቲከኛን መሰረት ዘለዎ ሰብን" ምዃኑ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ፑቲን ብዛዕባ ዕድመን ኣእምሮኣዊ ዓቕምን ባይደን ዝምልከት ሕቶታት ብምንጻግ፡ ንመወዳእታ ግዜ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን ዝተፈልየ ነገር ከምዘየስተብሃለሉ ገሊጹ።

"ኣብቲ እዋን [ቅድሚ ሰለስተ ዓመት] ሰባት ዓቕሚ ይንእሶ እዩ ይብሉ ነይሮም፡ ከምኡ ዝበለ ነገር ግን ኣይረኣኹን" ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።

ወሲኹ ድማ "እወ! ነቲ ዝሓዞ ወረቐት ይጥምት ነይሩ፡ ሓቂ ንምዝራብ ድማ ኣነ እውን ነቲ ዝሓዝክዎ ወረቐት እየ ዝጥምት ነይረ፤ ስለዚ ፍሉይ ነገር ኣይነበረን" ክብል ገሊጽዎ።

ማዕረ ማዕሪኡ ግን ፑቲን፡ ሃገሩ ምስ ዝኾነ "እምነት ህዝቢ ኣመሪካ ዝረኸበ" ኣብቲ መረፃ ዝዕወትን መራሒ ክትሰርሕ ምዃና ኣብሪሁ።

እንተኾነ ፑቲን፡ ዋላ'ኳ ንባይደን ካብ ትራምፕ እንተመረጸ፡ ባይደን ነቲ ንኲናት ዩክረይን ዝኹነነሉ ኣገባብ "ኣዝዩ ጎዳኢ"ን "ጌጋታት ዝመልኦን" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓስ መረፃ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ምስ ፑቲን “ተስማሚዑ ክሰርሕ ዝኽእል” ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ መፃኢ ዓመት ዝካየድ መረፃ ኣመሪካ፡ ቀዳማይ ሕጹይ ሪፓብሊካን ዝኾነ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብፅሒተን ዘይከፈላ ኣባል ሃገራት ውድብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ ሃገሩ ካብ ዝኾነ ወራር ከምዘይትከላኸለለን፡ ንሓደ መራሒ ከምዝገለፀሉ ኣብሪሁ።

ብኣካታዒ ዘረብኡ ዝፍለጥ ትራምፕ፡ ሕዚ ድማ ሩስያ ነዘን ሃገራት ከተጥቅዓን "ከተባብዓ እየ” ክብል ሓሳብ ኣቕሪቡ'ሎ።

ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ፡ ትራምፕ ነቲ ናይቲ ኪዳን ሓባራዊ ውሕስነት ጸጥታ "ከየዳኽሞ" ሓቲቱ።