ኔቶ፡ 'ኣብ ሓደገኛ እዋን ዝተዋህበ ሓደገኛ' መግለጺ ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣባል ሃገራት ኔቶ እኹል ወጻኢታት ምክልኻል ከየዋጽኣ፡ ኣሜሪካ ኣይክትከላኸለለንን እያ ክብል ዝሃቦ ሓሳብ፡ "ንዅሉ ጸጥታና ድሕነትናን ዘዳኽም እዩ" ክብል ሓላፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ገሊጹ።
ጀንስ ስቶልተንበርግ ንወተሃደራት ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ከምዘእቱ እውን ሓሳብ ኣቕሪቡ።
እቲ ሪፓብሊካን ንመሓዙት ሃገራት ኔቶ፡ እቲ ኪዳን ነፍስወከፍ ኣባል ሃገር ካብ ውሽጣዊ ሃገራዊ ምህርታ ክልተ ሚእታዊት ንኸተዋጽእ ዝሓንጸጾ ሸቶ ዘይተማልእ ኣባል ሃገር እንተልያ፡ ብሩስያ ክትጥቃዕ “ከተባብዕ” ምዃኑ ከምዝነገሮ ገሊጹ።
ኣባላት ኔቶ ኣብቲ ኪዳን ዝዀነ መጥቃዕቲ ንዝበጽሓ ሃገር ክከላኸሉ ቃል ኣትዮም’ዮም።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንርእይቶ ሚስተር ትራምፕ "ዘስካሕክሕን ሓደገኛን" ክብል ብምግላጽ፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ንዝያዳ ኲናትን ዓመጽን ቀጠልያ መብራህቲ" ክህቦ ከምዝሓሰበ ይሕብር።
ሚስተር ትራምፕ ትማሊ ሰንበት ኣብ ደቡብ ካሮላይና ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ተረኺቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ መራሕቲ ሃገራት ኔቶ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ብዛዕባ ሩስያ ርእይቶ ከምዝሃበ ገሊጹ።
እቲ መራሒ ኣሜሪካ ንሃገሩ ክትሕግዝ ክትመጽእ ድያ? ኢሉ ከምዝሓተተ ገሊጹ።
"ኣነ ድማ፡ ዘይትኸፍል እንተዄንካ ገበነኛ ኢኻ'... 'ኣይፋል ኣይምሓለኹኻን፡ እኳ ድኣ ዝደለይዎ ክገብሩ ምተባባዕኩዎም። ክትከፍል ኣለካ ኢለዮ።"
ኣብቲ ሎሚ ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንሪፓብሊካን ወኪሉ ኣብ ቅድሚት ዝነሓናሕ ትራምፕ፡ ብዛዕባ ኣየናይ ሃገር ወይ መራሒ ከም ዝዛረብ፡ ወይ’ውን እዚ ዕላል መዓስ ከም ዝተኻየደ’ውን ብንጹር ኣይገለጸን።
ኔቶ ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ኣባላቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መረዳእታ ካብተን 30 ኣባላት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን እተን 19 ትሕቲ እቲ ነቲ ኪዳን ከዋጽእኦ ዝግባእ መጠን ገንዘብ ከምዘዋጽኣ ይገልጽ። ካብኣተን ጀርመን፡ ኖርወይን ፈረንሳን ይርከበአን።
መብዛሕትአን ምስ ዩክረይን፡ ሩስያ ወይ ጐረቤታን መሓዛኣን ቤላሩስ ዝዳወባ ሃገራት ግን ካብቲ መምርሒ ንላዕሊ’የን ዘዋጽኣ ዘለዋ።
ፖላንድ ካብ ዓመታዊ ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ልዕሊ 3.9 ሚእታዊት ብምውጻእ፡ ካብ ኣሜሪካ ንላዕሊ ወጻኢታት ትገብር። ሮማንያ፡ ሃንጋሪ፡ ፊንላንድን ግዝኣታት ባልቲክ ላቲቭያ፡ ሊትዋንያን ኢስቶንያን ንወጻኢታት ምክልኻል ካብ 2.3 ክሳብ 2.7 ምኢታዊት ከምዘዋጽኣ ይግለጽ።
ሚስተር ስቶልተንበርግ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኪዳን ንኣባላቱ ንምክልኻል፡ "ድሉውን ምስ ዓቕሙን" ከምዝዀነ ብምግላጽ ዝዀነ መጥቃዕቲ፡ "ብስሙርን ሓያልን ምላሽ ክምክት ምዃኑን" ኣስሚሩሉ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ "መሓዙት ሃገራት ነንሕድሕዶም ኣይከላኸሉን እዮም" ዝብል ዝዀነ ይዅን ሓሳብ ንዅሉ ጸጥታና ዘዳኽም'ዩ ብምባል፡ ዘረባ ሚስተር ትራምፕ "ንወተሃደራት ኣሜሪካን ኣውሮጳን ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ከምዘእቱ" ሓሳብ ኣቕሪቡ።
"ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ መን ይዕወት ብዘየገድስ ኣሜሪካ ሓያልን ውፍይትን መሓዛ ኔቶ ኰይና ክትቅጽል ትጽቢት ኣለኒ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሚስተር ስቶልተንበርግ ድሕሪ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ "ዶናልድ ትራምፕ ንፑቲን ንዝያዳ ኲናትን ዓመጽን ቀጠልያ መብራህቲ ካብ ምሃቡ ብተወሳኺ፡ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝገብሮ ዘሎ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ክቕጽሎ፡ ከምኡ'ውን ንህዝቢ ፖላንድ ዝገብሮ ዘሎ መጥቃዕቲ ከስፍሕ ከም ዝሓሰበ ምእማኑ፡ ዘስካሕክሕን ሓደገኛን እዩ" ኢሉ።
ኣብ ሪፓብሊካን እንኮ መወዳድርቲ ትራምፕ ዝዀነት ኒኪ ሄሊ፡ ምስ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ኣብ ጐድኒ ሩስያን ሚስተር ፑቲንን ንዝካየድ ሽርክና ኣጠንቂቓ።
ሚስተር ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኣሰራርሓን ፋይናንሳዊ መዋጮ ኣባላቱን ብዝምልከት ካብ ቀደሙ ነቓፋይ ከምዝዀነ ዝፍለጥ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







