ኔቶ፡ ዩክረይን ኣባል እትኾነሉ ገደብ ግዜ ምውሳን ኣብዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ዩክረይን ‘‘ኣባል ሃገራት ምስ ተሰማማዓን ኩነታት ምስ ተማለአን’’ኣባል እቲ ወታሃደራዊ ኪዳን ክትከውን ከምእትኽእል ገሊጸን።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንቕዋም ኔቶ ‘‘ትርጉም ዘይብሉ’’ ክብል ድሕሪ ምውቃሱ እዩ እተን ሃገራት ነቲ ውሳነ ኣሕሊፈን ዘለዋ።
ኔቶ ኣብ ዘውጸኦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ዋላኳ ዩክረይን ብኣባልነት ናይ ምቕባል መስርሕ ክቕልጥፍ ከምዘለዎ እንተተረደአ፡ ናይ ግዜ ገደብ ግን ኣየቐምጥን ኢሉ።
ቅድም ክብል ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ንዩክረይን ኣባል ኔቶ ንምግባር ‘‘ድሉውነት የለን’’ ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ዩክረይን ምስ ሩስያ ኣብ ኲናት እንከላ ኣባል እቲ ወታሃደራዊ ኪዳን ክትከውን ከምዘይትኽእል ተቐቢላቶ እያ። እቲ ኲናት ደው ምስ በለ ግን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ'ያ ክትሕወስ ትድሊ።
ዘለንስኪ ቅድሚ መራሒ ኔቶ ስቶልተንበርግ መግለጺ ምህቡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ፡ ሃገሩ ኣባል እትኾነሉ ግዜ ገደብ ዘይምቕማጡ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከውርዶ ይኽእል እዩ ኢሉ።
"ኣባልነት ዩክረይን ምስ ሩስያ መዋገዪ ንምግባር፡ ዝነበረ ጽቡቕ ዕድል ይዕጾ ኣሎ፤ ርግጸኛ ዘይምዃን ድኽመት እዩ" ኢሉ።
ኔቶ ዩክረይን መዓስን ብኸመይን ኣባል ከምእትኸውን ዘይነጸረ ክኸውን ይኽእል፤ ዲፕማሰኛታት ግና ግልጺ ኣገባብ ከምዘቐመጡን እቲ ኣድካሚ መስርሕ ኣዓርዩ ክሓጽር ከምዝተገበረን ገሊጾም።
ሰራዊት ዩክረይን ተወዳዳራይነቱን ምስ ሓይልታት ኔቶ ዘለዎ ፖለቲካዊ ጥምረትን እናዓበየ ከምዝመጸ ዝገለጸ እቲ ኪዳን፡ ኣብ ዲሞክራስን ጸጥታት ዩክረይን ንዝግበሩ ምምሕያሻት ዝገብሮ ሓገዝ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።
ዲፕሎማሰኛታት ብወገኖም ሓድሽ ቤት ምኽሪ ኔቶ-ዩክረይን ከምዝተጣየሰ ገሊጾም።
እንተኾነ ዩክረይን፡ ኔቶ ብኣባልነት እትጽንበረሉ ናይ ግዜ ገደብ ዘይምሃቡ፡ ከም ምድሕርሓር እያ እትርእዮ።
ዋለኳ ኔቶ ናይ ግዜ ገደብ ከቃልሕ ትጽቢት ዝግበረሉ እንተዘይኮነ፡ ወቐሳ ዘለንስኪ ግና መርኣያ ዲፕሎማስያዊ ውድቀት ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ገለ ኣባል ሃገራት፡ ንዩክረይን ሻዕ ኢልካ ኣባል ምግባር፡ ሩስያ ነቲ ኲናት ከተጋድዶን ከተንወሖን ክደፋፍኣ ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለወን።
ሕጂ እቲ ትኹረት ኣብ ክንዲ ንዩክረይን ቀልጢፍካ ኣባል ምግባር፡ ኔቶ ብዛዕባ ክህባ ዝኽእል ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ድሕነት ውሕስነት ክኸውን እዩ ተመሪጹ ዘሎ።
ውሕስነት ድሕነት ምዕራባውያን፡ ንክልተ ወራራት ሩስያ ደው ከብሎ ኣይከኣለን። እዚ ሳልሳይ ዙር ግና፡ ብርቱዕን ሩስያ ተወሳኺ ወራር ምክያድ ዘኽስራ ከምዝኾነ ዘእምናን ክኸውን ኣባላት ኔቶ ተስፋ ይገብራ።
ዘለንስኪ ጸኒሑ ኣብ ቪልንየስ ንዝተኣከቡ ሰባት ኣብ ዘስመዖ መደረ "ኔቶ ንዩክረይን ውሕስነት ጸጥታ ክህብ እዩ፤ ዩክረይን እቲ ኪዳን ክጥንክር ክትገብር እያ’’ ኢሉ።
ዋዕላ ቪልንየስ፡ ቱርኪ ስዊድን ኣባል ኔቶ ከይትኸውን ዝነበራ ተቓውሞ ድሕሪ ምልዓላ እዩ ዝሳለጥ ዘሎ።
ስዊድን ንዕጡቓት ኩርድ ኣዕቊባ ብዝብል ቱርኪ ንነዊሕ እዋን ኣባል ከይትኸውን ክትቃወም ጸኒሓ'ያ። ስዊድን ነታ ኣብ ሚያዝያ ናብቲ ወታሃደራዊ ኪዳን ዝተሓወሰት መዋስንቲ ሩስያ ዝኾነት ፊንላንድ ስዒባ ዝኣተወት መበል 32 ሃገር ኮይና ኣላ።
ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እየን ኣባል ኔቶ ንምዃን ከምዝደልያ ዝገለጻ።
ኣብቲ ዋዕላ ብዛዕባ ንዩክረይን ዝግበር ወታሃደራዊ ሓገዝ እውን ተዘትይሉ እዩ። 11 ሃገራት ስራሓት ኣመሪካ ዝኾና ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ዘብርሩ ፓይለታት ዩክረይን ከሰልጥና እየን።
ኣመሪካ፡ ምዕራባውያን መሻርኽታ፡ ኤፍ-16 ሓዊሱ ዘበናዊ ነፈርቲ ንዩከረይን ክህባኣ ኣብ ግንቦት ፍቓድ ሂባ እያ። እዚ ድማ ነታ ኣብ እዋን ሶቭየት ዝተሰርሓ ነፈርቲ እትጥቀም ዘላ ዩክረይን ዓብዪ ደገፍ እዩ።
ዩክረይን ኣብቲ ዝተወረረ መሬታ ንምምላስ ዝጀመረቶ ሓድሽ ጸረ መጥቃዕቲ፡ ምዕራባውያን ነፈርቲ ውግእ ክህብዋ ክትልምን ጸኒሓ እያ።
እንተኾነ ዩክረይናውያን ፓይለታት ንምስልጣን ግዜ ክወስድ ከምዝኽእል ሰብ ሞያ ይገልጹ።
ብኻልእ ዜና፡ ኣመሪካ ኣከራኸርቲ ኣጽዋራት ክላስተር በፐምባ ንዩክረይን እንተሂባታ፡ ሩስያ እውን "ተመሳሳሊ" ከምእትጥቀም ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ምግላጹ መራኸቢ ማዕከናት ሩስያ ጸብጺበን።
እቲ ሰፊሕ ከባቢ ዝሽፍን ቦምባታት፡ ብሰንኪ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ዘብጸሖ ዕንወት፡ ልዕሊ 100 ሃገራት ኬእጥቐማሉ ዝኽልክል ውዕል ፈሪመን'የን።
ዋላኳ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ እቲ ኣጽዋር እናሃለወና ኣይተጠቐምናን እንተበለ፡ ተሓለቕቲ መሰላት ግና ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ን 17 ኣዋርሕ ዘካየደኦ ኲናት ድሮ ክላስተር ቦምባ ክጥቀማ ጸኒሐን እየን ይብሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







