ስግንጢር፡ ፑቲን ነቲ ዓማጺ ፕሪጎዢን ረኺብዎ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ መራሒ ዕሱብ ጕጅለ ቫግነር ዘካየዶ ዕልዋ ድሕሪ ምፍሻሉ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ንየቭገኒ ፕሪጎዢን ከምዝረኸቦ ክሬምሊን ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ኣኼባ ብ29 ሰነ ኣብ ክረምሊን እዩ ተኻይዱ። ዳርጋ ሰለስተ ሰዓታት ዝወሰደ’ዩ” ክብል ብመንግስቲ ንዝውነን ጋዜጣ ሪያ ኖቮስቲ ብወግዒ ሓቢሩ።
ፕሪጎዢን ብ23 ሰነ ኣንጻር ወተሃደራዊ መሓውራት ሩስያ ድሕሪ ምእዳሙ፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ንከተማ ሮስቶቭ ተቘጸጺሩ፤ ወተሃደራቱ ንሞስኮ ከቕንዑ ኣዚዙ። እቲ ናዕበኛ ሓለቓ ኲናት፡ ታንክታቱ ካብ ርእሰ ከተማ ሩስያ ኣብ ውሽጢ 200 ኪሎ ሜትር ርሒቐን ብምምጻእ፡ ነታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ከእትዋ ከም ዝኽእልን ኣፈራሪሑ።
ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ሩስያ፡ ኣብቲ ብምስጢር ዝተኻየደ ላዕለዋይ ደረጃ ኣኼባ ሞስኮ፡ ንባዕሉ ፕሪጎዢን ወሲኽካ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ሩስያ ዝርከብዎም 35 ሰባት ተሳቲፎምዎ እዮም ኢሉ።
እምበኣር፡ ኤዲተር ቢቢሲ ሩስያ ነዚ ዳሕረዋይ ሓድሽ ዛንታ ብኸምዚ ዝስዕብ ሰኒድዎ ኣሎ።
ብቐጥታ ናብዚ ዛንታ ክኣቱ።
ኣብ ወጋሕታ 24 ሰነ እቲ ዕልዋ ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ፡ ቭላድሚር ፑቲን ንመራሒ ዕሱብ ጕጅለ ቫግነር “ብኽድዓትን ንህዝቢ ሩስያ ብድሕሪት ብምውጋእን” ከሲስዎ። ኣብታ መዓልቲ፡ ተቓለስቲ ቫግነር ንነፋሪት ኲናት እታ ሃገር ወቒዖም ብምውዳቘም፡ ፓይለታት ሓይሊ ኣየር ሩስያ ተቐቲሎም።
ብምቕጻል ምስቶም ካብ ርእሰከተማ ሩስያ 200 ኪሎሜትር ርሕቐት ዝርከቡ ቀንጸልቲ እቲ ጕጅለ፡ ኣብ መንጐ ክረምሊንን ቫግነርን ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ። እቲ ናዕቢ ኣብቂዑ። ዝዀነ ሰብ ኣይተኣሰረን፡ ኣይተኸሰሰን እውን።
መራሒ ዕሱብ ጕጅለ ቫግነር ንዝፈጸሞ ናዕቢ ናብ መደበር ፖሊስ ኣይተወሰደን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ምስ ኮማንደራቱ ብምዃን፡ ኣብ ሓደ ክቢ ጠረጴዛ ከቢቡ ምስ ፕረዝደንት ፑቲን ከምዘውግዐ ተፈሊጡ ኣሎ።
ዘይንፈልጦ ነገር እንተሃለወ፡ ኣብ ኣኼባኦም እንታይ ከም ዝተበሃሃሉን ብኸመይ ከም ዝተዛዘመን እዩ። ክሳብ ሕጂ ብዝኾኑ ፍፃመታት እንተገምጊምናዮ ግን፡ ድሕሪ እዚ ኵሉ “ዳግማይ መሓዙት ንምዃን” ኣይነበረን።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ማ'ዕከናት ዜና ሩስያ ንየቭገኒ ፕሪጎዢን ኣብ ምንእኣስ ተፀሚደን ይርከባ።
ድሮ፡ ኣብ ሴንት ፒተስበርግ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ክካየድ እንከሎ ዝተወሰዱ ዘሕፍሩ ክኾኑ ዝኽእሉ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታትን ተሌቬዥን ሩስያን ተዘርጊሖም ኣለዉ። እዞም ዝተዘርግሑ ስእልታት ኩምራ ወርቂ፡ ኣጽዋራትን ብዘደንቕ መልክዑ ድማ፡ ዓብይ እኩብ ኣርተፍሻል ጸጕርን ዘርእዩ እዮም።
ትማሊ ምሸት መደብ ሩስያ-1 ኣብ ልዕሊ ፕሪጎዢን ዝገብሮ ጠቐነ ቀጺልዎ።
እቲ ብዛዕባ ፕሪጎዢን ዝተሰርሐ ጸብጻብ፡ “ንሱ ሮቢን ሁድ (ኣብ ኣፈታሪክ ዝርከብ ጅግና) ኣይኮነን። ገበናዊ ድሕረባይታ ዘለዎ ነጋዳይ’ምበር። ዝበዝሑ ፕሮጀክትታቱ ብልሽዋትን ዘይሕጋውያንን’ዮም” ይብል።
እሞ ደኣ እቲ ብ 24 ሰነ ነቲ ናዕቢ ንምግታእ ኣብ መንጐ ክረምሊንን ቫግነርን ዝተበጽሐ ስምምዕ እንታይ ይኸውን?
ብመሰረት እቲ ስምምዕ የቭገኒ ፕሪጎዢን ምስቶም ምስኡ ክዀኑ ድሌት ዘርኣዩ ተቓለስቲ እቲ ዕሱብ ጕጅለ ናብ ቤላሩስ ክኸይድ ነይርዎ።
መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝነገረና ግን፡ ሓለቓ ቫግነር ኰነ እቶም ኣባላቱ ኣብ ቤላሩስ የለዉን። ዘረባ እቲ መራሒ ቤላሩስ ምስ እነጠቓልሎ፡ ምናልባት ፕሪጎዢንን ኣባላቱን ኣብ ቤላሩስ ክዀኑ ይኽእሉ፡ ዘይክዀኑ እውን ይኽእሉ።
ሕጂ ግን ቫግነር ኣበይ እዩ ዘሎ? የቭገኒ ፕሪጎዢን ኣበይ እዩ ዘሎ? እቶም ትልምታት እንታይ እዮም? ምስ ፑቲን ዝተሰማምዕዎ ነገር እንታይ እዩ?
እንተዝፈልጦ ኢለ ተመንየ።
ሕጂ ክብሎ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ ግን እዚ እዩ፤ ንዝቕፅል (ዘይተርፍ ስግንጢር) ክፋል ሩስያ፡ ናዕቢ ሰነን ክረምሊንን ተጸበዩና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







