ኔቶ እንታይ’ዩ፤ ኣብ ጉዳይ ሩስያ ዘለዎ ሓድሽ መደብከ?

ወተሃደራት ጀርመን ኣብ ልምምድ - ሊትወንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኪዳን ወተሃደራዊ ምክልኻል ምዕራባውያን ሃገራት ዝዀነ ኔቶ (North Atlantic Treaty Organization - Nato - ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ዝዀነት ትዅን ኣባሉ ብሩስያ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺምዋ ንምምካት ዘኽእል መደባት ይሕንጽጽ ኣሎ።

መጥቃዕቲ ሩስያ ንምክልኻል ዝሕግዝ ዝርዝር ውጥን ከኣ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ 11ን 12ን ሓምለ 2023 ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኔቶ ዝዝተየሎም ወሰንቲ ጉዳያት ክኸውን እዩ።

እዚ ድማ ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ንሩስያ ንምምካት ዝዓለመ፡ ዝዓሞቐ ውጥን ኔቶ ምዃኑ ይግመት።

ኔቶ እንታይ እዩ?

ምሉእ ስም እቲ ኪዳን (North Atlantic Treaty Organization - Nato - ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ) ኰይኑ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳን ፈረንሳን ዝርከብአን 12 ሃገራት ኣብ 1949 መስሪተንኦ። ኣብዚ እዋን ከኣ 31 ኣባላት በጺሐን ኣለዋ።

እዘን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዝዀነት ኣባል ሃገር መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ንሓድሕደን ክተሓጋገዛ እየን ኣብ ውዕል ኣትየን።

ቀንዲ መበገሲ ዕላማኡ ግን፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ኣውሮጳ ንዝግበር ዝነበረ ምስፍሕፋሕ ሕብረት ሶቭየት ንምዕጋት እዩ ነይሩ።

ብ1991 ድሕሪ ዘጋጠመ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ግን ብዙሓት ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ናብ ኔቶ ተጸንቢረን እየን።

ሩስያ (ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት) ግን ኣባልነት እተን ሃገራት ንጸጥታኣ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ብምግላጽ ትምጕት።

ብፍላይ ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ክትጽንበር ንዘቕረበቶ ሕቶ ብትሪ ትቃወሞ። እዚ ተቓውሞ ድማ ኔቶ ብጐረቤታ ዩክረይን ኣቢሉ ናብ ግዝኣታ ከይፅጋዕ ካብ ምስጋእ ይነቅል።

ኔቶ፡ ፊንላንድ ኣባል ምስ ኮነት ብኻልእ ዶባት ኣቢሉ ኣብ ሚያዝያ ናብ ሩስያ ከምዝቐረበ ይፍለጥ።

ኔቶ ኣንጻር ሩስያ ንምክልኻል እንታይ እዩ ወጢኑ ዘሎ?

ኣዘዝቲ ኔቶ ሩስያ ንዝዀነት ኣባል ሃገር እንተድኣ ኣጥቂዓ ንምምካት ሓድሽ ውጥን ኣለዎም።

ሩስያ ኣብ ዝዀነ ካብ ሰለስተ ዞባታት፡ ማለት ኣርክቲክን ሰሜናዊ ኣትላንቲክን፡ ማእከላይ ኣውሮጳን ማእከላይ ባሕርን እንተ ኣጥቂዓ ሓይልታት ኔቶ ናበይ ክኸዱ ከም ዘለዎም፣ እንታይ ክገብሩ ከም ዝግባእ፣ ንጹር መደባት ኣሎ።

ማልኮም ቻልመርስ ካብ ትካል ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ (ኣብ ምክልኻልን ፀጥታን መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል) ነቲ ውጥን ኔቶ “ድሕሪ ምዝዛም ዝሑል ኲናት ዘዳለዎ ኵለመዳያዊ ውጥን” ክብል ገሊጽዎ’ሎ።

"ሕብረት ሶቭየት ምስ ፈረሰት ስግኣት ዓብይ ኲናት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ" ይብል።

ወሲኹ፡ "ክሪሚያ ኣብ 2014 ምስተጐበጠት ግን ከምኡ'ውን ሕጂ ምስ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዩክረይን እቲ ስግኣት ምምላሱ ግሁድ ኮይኑ’ሎ ማለት እዩ" ክብል ኣረዲኡ።

ኣብ ኮሌጅ ኪንግስ ለንደን ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ምክልኻል ዝዀነት ትሬሲ ጀርመን፡ "እዚ ኵሉ ምስ ኣድላይነት ምግታእን ምክልኻልን ከምኡ'ውን ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ንዝርከባ መሓዙት መረጋገጺ ምስ ምሃብን ዝተኣሳሰር'ዩ" ትብል።

ዩክረይን ስለምንታይ ኣባል ኔቶ ዘይኰነት?

ኔቶ ዩክረይን ኣብ መጻኢ ክትጽንበር ትኽእል እያ ክብል ኣብ 2008 ገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ነቲ "ቅልጡፍ" ኣባልነት ዝቐረበሉ ሕቶ ነጺግዎ።

ኣብ ቻርተር ኔቶ ዓንቀጽ 5፡ ዝኾነት ኣባል መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺምዋ፡ ካልኦት ኵለን ኣባላት ናብ ምክልኻል ክረባረባ ኣለወን ይብል።

ስለዚ፡ ዩክረን እንተ ትጽንበር ነይራ ሃገራት ኔቶ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኲናት ክእውጃ ምተገደዳ ነይረን ማለት’ዩ።

ሃገራት ኔቶ ንዩክረይን ብኸመይ ይድግፋ ኣለዋ?

ኣሜሪካ ከምእትብሎ መሻርኽታ ዝኾና ሃገራት ንዩክረይን ኣብ ኣሜሪካ ዝሰርሓ ኤፍ-16 ዝርከብአን ዓይነት ነፈርቲ ውግእ ክህባ ይኽእላ እየን። ዩክሬናውያን ፓይለታት ድማ ነተን ነፈርቲ ከብርሩ ይስልጥኑ ኣለዉ።

ኣሜሪካ ንዩክረይን 31 ‘ኣብራምስ’ ዝበሃላ ዓይነት ታንክታት ትሰድድ ምህላዋ ይግለፅ። ዓባይ ብሪጣንያ ብወገና 14 ‘ቻለንጀር 2’ ዝዓይነተን ታንክታት ሰዲዳ ኣላ። ጀርመን እውን 18 ታንክታት ‘ሌፓርድ 2’ ሰዲዳ። ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ድማ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ታንክታት ይሰዳ ኣለዋ።

ከም ‘ስትራይከርስ’ን ‘ብራድሊ’ን ዝኣመሰላ ዝተዓጠቓ ተሽከርከርቲ እውን ተላኢኸን ኣለዋ።

ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከም ‘ሂማርስ’ ዝኣመሰላ ስርዓት ሚሳይል ናብ ዩክረይን ከምዝለኣኻ ይፍለጥ። እዘን ሓገዛት ድማ ነቶም ብድሕሪ ቅድመ ግንባር ሩስያ ዘለዉ ዒላማታት ክሃርማ ጸኒሐን’የን።

ስርዓት ሚሳይል ሂማርስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ናብ ሰማይ ዩክረይን ንዝኣተዋ ክሩዝ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሩስያ ንምውዳቕ ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ኣቕሪበን።

ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ብሓገዝ ዘቕረባኦም ከም ‘ጃቨሊን’ን ‘ንላው’ን ዝኣመሰሉ ጸረታንክታት ድማ ሩስያ ኣብ ጽድያ 2022 ናብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪቭ ትገብሮ ዝነበረት ገስጋስ ንድሕሪት ኣብ ምምላስ ወሳኒ ብጽሒት ነይርዎም።

ካብ ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙ ሚሳይላትን ላውንቸራትን ግን ናብ ዩክረይን ኣይተላእኩን፤ እዚ ክኸውን ዘይከኣለ ድማ ኣብ መንጐ ሩስያን ኔቶን ቀጥታዊ ግጭት ከየልዕል ብምስጋእ እዩ።

ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣባላት ኔቶ ዝዀና ሃገራት ናብ ዩክረይን ወተሃደራት ኣይልእኻን ከምኡ’ውን ሓይሊ ኣየረን ተጠቒመን ንበረራ ዝተኸልከለ ዞባ ኣይገብራን።

ፊንላንድ ንምንታይ ናብ ኔቶ ተጸንቢራ?

ዶብ ሩስያን ፊንላንድን

ፊንላንድ ቅድሚ ሕጂ ገለልተኛ ዝነበረት ኰይና ኣብ ሚያዝያ 2023 እያ ናብቲ ኪዳን ተጸንቢራ።

ምስ ሩስያ ዘራኽብ 1340 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ዶብ ኣለዋ። 257,250 ምዱብን ዕቑርን ሰራዊታ ድማ ናብ ሓይልታት ኔቶ ጸንቢራ’ላ።

ሽወደን እውን ምስ ፊንላንድ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ኣመልኪታ ነይራ።

ይዅን እምበር ሓደስቲ ሃገራት ክጽንበራ እንተዀይነን ኵለን ኣባል ሃገራት ክሰማምዓ ኣለወን። ቱርኪን ሃንጋሪን ድማ ክሳብ ሕጂ ንምእታዋ ኣየጽደቓን።

ቱርኪ፡ ሽወደን ንጸላእቲ መንግስቲ ቱርኪ ኣሕሊፋ ምሃብ ከምዝኣበየትን ኣብ ጐደናታታ ድማ ጸረ ኣስላም ሰልፍታት ክካየድ ትፈቅድ ከምዘላን ብምግላጽ ትቃወም።