ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣካታዒ ኣፅዋር ናብ ዩክረይን ንምልኣኽ ምውሳኑ ሞጊቱ

ተረፍ መረፍ ቦምባታት ክላስተር ኣብ ከተማ ሚኮላይቭ ዩክረይን መጋቢት 10 2022

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሲቪላውያን ብምቕታል ዝፍለጥ ቦምቧታት ክላስተር ንዩክረይን ንምልኣኽ ምውሳኑ ቅኑዕ ክብል ሞጊቱ።

“ናብቲ ውሳነ ንምብጻሕ ብዙሕ ከም ዝወሰደሉ” ዝገለፀ እቲ ፕረዚደንት፡ ዩክሬናውያን ተተኰስቲ ይውድኡ ምህላዎም ከምዝደረኾ ገሊፁ።

መራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ “እዋኑ ዝሓለወ ስጉምቲ” ብምባል ንተግባር ባይደን ክንእዶ እንከሎ፡ ልኡኻት ሞስኮ ድማ ንውሳነ ዋሽንግተን ኣቃጫጭ ብምባል ኮኒነሞ።

ቦምባታት ክላስተር ብ120 ሃገራት ዝተኣገደ እኳ እንተኾነ ሩስያ ኮነት ዩክረይን ኣብቲ ኲናት ክጥቀማሉ ጸኒሐን ኣለዋ።

ፕረዚደንት ባይደን ብዓርቢ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ነቲ ውሳንኡ ኣመልኪቱ ምስ መሻርኽቲ ሃገሩ ከም ዝተዘራረበሉ ገሊፁ።

ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ሉቱዋኒያ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ- ኔቶ ቀንዲ ኣጀንዳ እተን ሃገራት ዩክረይን ክትከውን እያ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ብዓርቢ ኣብ ዋይትሃውስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ሰብመዚ “ቦምባታት ክላስተር ንሲቪላውያን ሓደጋ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግንዘቡ’ዮም” ኢሉ።

“ነዚ ድማ ኢና ነዚ ኣፅዋር ናይ ምሃብ ውሳነና ኣናዊሕናዮ ዝጸናሕና” ኢሉ።

ዩክረይን ዘለዋ ኣፅዋር ትውድእ ከምዘላ ዝሓበረ ጄክ ሱሊቫን፡ “ኣብዚ ኵናት ኣብ ዝኾነ እዋን ዩክረይን ብዘይ ምክልኻል ክትኸውን ኣይንገድገፋን” ኢሉ።

ቦምባታት ክላስተር፡ ኣብ ዓለም ከቢድ ምስሕሓብ ብምልዓል ይፍለጡ።

ቀልጢፎም ስለዘይፍንጀሩ ድማ፡ ንዓመታት ኣብ መሬት ፀኒሖም ኣብ ዘይተሓሰበ እዋን ብምፍንጃር ሂወት ሲቪላውይና ይቐዝፉ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን፡ እዞም ሕዚ ናብ ዩክረይን ዝለኣኹ ቦምባታት ክላስተር ኣሜሪካ፡ ሩስያ ኣብቲ ኵናት ካብ ዝተጠቐመትሎም ቦምባታት ክላስተር ዝያዳ ውሕስነት ዘለዎም'ዮም ክብል እዩ፡ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።