ፊንላንድ ብወግዒ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ኰይና

ምንጪ ስእሊ, NATO
ፊንላንድ ትማሊ ሰሉስ 4 ሚያዝያ መበል 31 ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኰይና።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰነድ ኣባልነት ሃገሩ ብወግዒ ንጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣረኪቡ።
ባንዴራ ፊንላንድ ኣብቲ ኣብ ብራስለስ በልጂየም ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት እቲ ኪዳን ኣብ ዝተገብረ ስነስርዓት ብኽብሪ ተሰቒላ።
ኣባልነት ፊንላንድ ንሩስያዊ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቱን ዓቢ ዕንቅፋት ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ሰራዊቱ ናብ ዩክረይን ዘእተወሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኔቶ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ንዝገብሮ ምስፍሕፋሕ ንምግታእ ምዃኑ'ዩ ክምጕት ጸኒሑ።
እንተኾነ፡ ብኣንጻሩ ኣባልነት ፊንላንድ ነቲ ምስ ዞባ ኔቶ ዝነበሮ ዶባት ብዕጽፊ ከምዝነውሕ ገይሩዎ'ሎ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንጎረቤቱ ዝዀነት ዩክረይን ምጥቅዑ፡ ነቲ ክከላኸሎ ዝሓሰቦ'ዩ ኣስዒቡ ኢሉ።
ኣፈኛ ቤተመንግስቲ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኣብ ፊንላንድ እንታይ ምንቅስቓስ ክህሉ'ዩ "ብቐረባ ክንከታተሎ ኢና" ክብል ብምጥንቃቕ፡ ኣባልነት ኔቶ "ንድሕነትናን ሃገራዊ ረብሓናን ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ተቓዊምዎ።
እታ ምስ ሩስያ 1,340 ኪሜ ዝዝርጋሕ ዶብ ዘለዋ ፊንላንድ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ'ያ ንዝነበራ ዘይሻራዊ መርገጺ ክትቅይር ተገዲዳ።
ሽወደን'ውን ብተመሳሳሊ ንነዊሕ እዋን ዝተኸተለቶ ዘይሻራዊ ፖሊሲ ዳግመ-ግምት ብምግባር፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ኣባል ኔቶ ክትከውን ሓቲታ፤ ዋላ'ኳ ምስ ሩስያ ብዶብ ዘይትራኸብ እንተኾነት።
ብመሰረት ሓደ ካብ ቀንዲ መትከላት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ኵለን ከምዝተፈጸመ ስለዝውሰድ፡ ንሓድሕደን ናይ ምክልኻል ስጕምቲ ክወስዳ ይግዳዳ።
ስለዚ ድማ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ፊንላንድ ዝዀነ ወተሃደራዊ ስጕምቲ እንተወሲዳ፡ ኔቶ ክከላኸለላ ክግደድ'ዩ።
ቅድሚ ኲናት ዩክረይን ምውልዑ፡ ሓደ ሲሶ (1/3) ካብ ህዝቢ ፊንላድን'ዩ እታ ሃገር ባል ኔቶ ክትከውን ዝድግፍ ነይሩ። እቲ ኲናት ድሕሪ ምእዋጁ ግን፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ርእይቶኡ ብምቕያር ንኣባልነት ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።
"ንፊንላንድ ዓቢ መዓልቲ'ዩ" ክብል ዝገለጸ ፕረዚደንት ሳውሊ ኒኒስቶ፡ ንሃገሩ ሓድሽ መዋእል ዝኸፍት ምዃኑ ተዛሪቡ። ኣባልነት ሃገሩ ኣብ ኔቶ ንዝኾነ ወገን ስግኣት ከምዘይከውን'ውን ቃል ኣትዩ።
"ድሕነትን ምርግጋእን ቀንዲ ዘገድሱና ነገራት'ዮም፣ ሰባት ኣብ ውሑስን ርጕእን ኵነታት ክነብሩ እንተኺኢሎም፡ ንሱ'ዩ መሰረት ሕጕስ ህይወት።"

ምንጪ ስእሊ, JOHN THYS/AFP
ዋና ጸሓፊ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ጀንስ ስቶልተንበርግ ብወገኑ፡ "እዚ ንፊንላንድ ውሕስቲ ንኔቶ ድማ ሓያል ክገብሮ'ዩ" ብምባል፡ እቲ ፍጻመ ንዕኡን እቲ ኪዳንን ናይ ሓበን መዓልቲ ምዃኑ ተዛሪቡ።
"ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ክእውጅ እንከሎ፡ ምስ ኔቶ ዘራኽቦ ዶብ ክሓጽረሉ፡ ከምኡ'ውን ኣባልነት ኔቶ ኣብ ኣውሮጳ ከይውስኽ'ዩ ዕላማ ነይርዎ፡ እንተዀነ ብኣንጻሩ'ዩ ገጢምዎ ዘሎ፡" ይብል ስቶልተንበርግ።
ኣመሪካዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ብሊንከን'ውን "ነቲ ወራር ሩስያ ክከላኸሎ ከምዝሓሰበ ዝዛረበሉ ነገር ከምዝስዕብ ምግባሩ ንፑቲን ከመስግኖ ትንዕ ኢለ" ክብል ገሊጹ።
ፊንላድ፡ ንዘለዋ ብዝግባእ ዝሰልጠነን ዝዓጠቐን ኣስታት 30,000 ዝበጽሕ ስሩዕ ሰራዊት ሒዛ'ያ ናብ ኔቶ ተጸንቢራ ዘላ። ኣብ ዝዀነ እዋን ክኸትት ዝኽእል 250,000 ዕቝር ሓይሊ ከምዘለዋ'ውን ይፍለጥ።
እንተኾነ፡ ነቲ ምስ ሩስያ ዘለዋ ነዊሕ ዶብ ንምክልኻል ንኔቶ ተወሳኺ ብድሆ ከይኰነ ኣይተርፍን'ዩ። ድሮ ነቲ ዶባት ንምውሓስ እቲ ኪዳን ውጥን ኣውጺኡ ምህላዉ ይንገር።
"ፊንላድ ኣገዳሲት መሓዛ፡ ኣዝያ ብቕዕቲ፡ ክብርታትና ዘለዋ፡ ብዘይ ገለ ጸገም መንበራ ክትሕዝ ንጽበያ" ክትብል ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብቲ ኪዳን ጁሊያን ስሚዝ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ሽወደንን ዘቕረበቶ ተመሳሳሊ ናብ ኔቶ ናይ ምጽንባር ጠለብ ግን ብሰንኪ ተቓውሞ ናይታ ገዲም ኣባል እቲ ኪዳን ዝኾነት ቱርኪ ተዳናጒ'ዩ ይርከብ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ራሰፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ሽወደን ንዕጡቓት ኩርዳውያን ተቓወምቲ ብምዕቋብ ኣንጻር ሃገሩ ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ተፍቅድ ኣላ ብምባል'ዩ ዝኸስስ።
ሃንጋሪ'ውን ዛጊት ንኣባልነት ስዊድን ኣይተቐበለቶን ዘላ።
ዋና ጸሓፊ ናይቲ ትማሊ መበል 74 ዓመቱ ዘብዓለ ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ስዊድን ኣብ ዝመጽእ ሓምለ ኣባል ኔቶ ኮይና ክርኢ ባህጊ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ሩስያ፡ ጸጥታኣ ንምውሓስ ኣንጻራዊ ታክቲካዊን ስትራተጂካውን ስጉምቲ ክትወስድ ምዃና ክረምሊን ኣጠንቂቑ'ሎ። እንተኾነ ግን፡ ሄልሲንኪ፡ ከምቲ ናይ ዩክረይን "ኣንጻር-ሩስያ" ስለዘይኮነት ዘይምስምማዕ ከምዘይነበሮም ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።
ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሸውጉ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ናይ ቀረባ-ርሕቀት 'ኢስካንደር-ኤም' ዝተባህለ ስርዓተ-ሚሳይል ንቤላሩስ ተዋሂቡ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ሚሳይላት ኑክሌራውን ካልእ ስሩዕ ተተኳሲን ክዓጥቕ ዝኽእል ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ። ገለ ነፈርቲ ውግእ ቤላሩስ'ውን ኑክሌር ክዓጥቃ ከምዝኽእላ ሾይጉ ገሊጹ'ሎ።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ስቶልተንበርግ፡ ሩስያ፡ ነቲ ኪዳን ዘስክፍ ኑክሌራዊ መናውራታት ከምዘካየደት ዝገልጽ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከምዘይተዓዘቡ ተዛሪቡ።
ብዘይ ፍቓድ መንግስቲ ሓይልታት ኔቶ ኣብ ፊንላንድ ከምዘይዋፈሩ'ውን ገሊጹ።
ኣፈኛ ክረምሊን ፐስኮቭ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኔቶ ኣብ ፊንላንድ ንዝገብሮ ምንቅስቓሳት ብዕቱብ ከምዝከታተልዎ ተዛሪቡ።
"ብኣጽዋራት ከምኡ'ውን ካልእ ትሕተቅርጽታት [ኔቶ] ናብ ዶባትና ስለዝጽጋዕ፡ ከስግኣና ዓቕሚ ኣለዎ።"
"ብኡ መሰረት፡ ስጕምትታት ክውሰድ'ዩ" ይብል ዲሚትሪ ፐስኮቭ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







