ፊንላንድ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክትከውን'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገረ ፊንላንድ ጽባሕ ሰሉስ መበል 31 ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ፡ ኔቶ፡ ክትከውን ምዃና ዋና ጸሓፊ ናይቲ ኪዳን ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣፍሊጡ።
እቲ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ዝተበራበረ ኣባልነት ናይታ መዳውብቲ ሩስያ ዝኾነት ፊንላንድ ብሰንኪ ቱርኪ ዘቕረበቶ ዕቃበታት’ዩ ተዳናጉዩ ጸኒሑ።
ሩስያ፡ ፊንላንድን ስዊድንን ኣባላት ናይቲ ኪዳን ከይኮና ከተጠንቅቕ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ፊንላድ፡ ንኩርዳውያን ተቓወምቲ ትድግፍ'ያ ብምባል'ያ ቱርኪ ተቓውሞኣ ክትገልጽ ጸኒሓ።
ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ራሰፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ነቶም "ኣሸበርቲ" ክብል ዝገልጾም ኩርዳውያን ተቓወምቲ ኣብ ጎደናታታ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ተፍቅድ ኣላ ክብል'ዩ ንፊንላንድ ዝኸስስ።
ሓደስቲ ሃገራት ኣብቲ ኪዳን ኣባልነት ንምርካብ፡ ምሉእ ደገፍ ዝጸንሓ ኣባላት ሃገራት'ዩ ዘድልየን።
"ባንዴራ ፊንላንድ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ኔቶ ንፈለማ እዋን ክንሰቕላ ኢና። ንድሕነት ፊንላንድ፡ ንድሕነት [ዞባ] ኖርዲክ፡ ከምኡ'ውን ኔቶ ብሓፈሻ ጽቡቕ መዓልቲ'ዩ" ክብል እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።
"ከም ሳዕቤኑ'ውን ስዊድን ውሕስነት ክትረክብ'ያ ድማ ኢሉ።
ኣባልነት ፊንላንድ፡ ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኣገዳሲ ፍጻመ ክኸውን'ዩ።
እታ ምስ ሩስያ 1,340 ኪሜ ዝዝርጋሕ ዶብ ዘለዋ ፊንላንድ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወራር ድሕሪ ምፍጻማ'ያ ንዝነበራ ዘይሻራዊ መርገጺ ክትቅይር ተገዲዳ።
ስዊድን'ውን ብተመሳሳሊ ንነዊሕ እዋን ዝተኸተለቶ ዘይሻራዊ ፖሊሲ ዳግመ-ግምት ብምግባር፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ኣባል ኔቶ ክትከውን ሓቲታ፡ ዋላ'ኳ ምስ ሩስያ ብዶብ ዘይትራኸብ እንተኾነት።
ብመሰረት ሓደ ካብ ቀንዲ መትከላት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣባል ሃገር ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ኩለን ከምዝተፈጸመ ስለዝውሰድ፡ ንሓድሕደን ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስዳ ይግዳዳ።
ፊንላንድ ኣባል ኔቶ ምዃና፡ ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዓቢ ስትራተጂካዊ ክሳራ ምዃኑ ይግለጽ።
ሰራዊቱ ናብ ዩክረይን ዘእተወሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ኔቶ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ንዝገብሮ ምስፍሕፋሕ ንምግታእ'ዩ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ኣባልነት ፊንላንድ፡ ኣንጻራዊ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዝኾነ ዘረጋግጽ'ዩ።
ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣለክሳንደር ግሩሽኮ ንመግለጺ ስቶልተንበርግ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ሓይልታትን መሳርሒታትን ኔቶ ኣብ ፊንላድ ኣብ ዝዋፈረሉ እዋን፡ ወተሃደራዊ ጸጥታ ሩስያ ንምውሓስ ተወሳኺ ሰጉምትታት ክንወስድ ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ'ሎ።
እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ግን ብንጹር ኣይጠቐሰን።
ፊንላንድ ኣብ ዞባ ባሕሪ ባልቲክ ኣባል ኔቶ ዝኾነት ሻውዓይቲ ሃገር ምዃና፡ ሩስያ ናብታ ግዝኣታ ዝኾነት ንጽልቲ ዞባ ካሊኒንግራድ ብገማግም ባሕሪ ዝነበራ መስመር ዝበትኽ'ዩ።
ቅድሚ ኲናት ዩክረይን ምውልዑ፡ ሓደ ሲሶ (1/3) ካብ ህዝቢ ፊንላድን'ዩ እታ ሃገር ባል ኔቶ ክትከውን ዝድግፍ ነይሩ። እቲ ኲናት ድሕሪ ምእዋጁ ግን፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ናይቲ ህዝቢ ርእይትኡ ብምቕያር ንኣባልነት ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ሳ ናማሪን ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ተሳዒራ’ላ። ብጸቢብ ዝተዓወተ ዓቃባዊ ፒተሪ ኦርፖ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምዃን ስልጣን ክርከብ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







