ኲናት ዩክረይን፡ ፊንላንድ ኣብ ኔቶ ክትጽንበር ምሕሳባ 'ስሕታን'ዩ' ክብል ፑቲን ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ፊንላንድ ዘይሻራውነታ ንጐድኒ ገዲፋ ኣብ ኔቶ ክትጽንበር ምሕሳባ "ስሕታን'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ሽወደናዊ መዘናኡ ሳሊ ኒኒስቶ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ኣብ ልዕሊ ፊንላንድ ዘነጻጸረ ስግኣት ጸጥታ ዘይምህላው ተዛሪቡ።
ሽወደን'ውን ድሕሪ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ናብቲ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ሃገራት ምዕራብ ክትጽንበር ምዃና ገሊጻ እያ።
ፊንላንድ፡ ምስ ሩስያ 1300 ኪሎ ሜትሮ ትዳወብ።
ንጐረቤታ ሩስያ ከይተቐይም ኢላ ድማ፡ ክሳዕ ሎሚ ናብቲ ልፍንቲ ከይተጸንበረት ጸኒሓ እያ።
ፑቲን፡ ነቲ ፊንላንድ ኣርእያቶ ዘላ ስጕምቲ ምኽንያት ገይሩ ክወስዶ ብዛዕባ ዝኽእል ስጕምቲ'ኳ ግልጺ እንተዘይገበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ግን፡ ሕነ ምፍዳይ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣአንፊቱ'ዩ።
ሩስያ፡ እቲ ንፊንላንድ ተቕርቦ ዝነበረት ቀረብ ጸዓት ክቋረጽ ምውሳና ሓደ ምልክት እዩ።
ትካል ጸዓት ሩስያ ኣርኤኦ ኖርዲክ፡ ምስ ክፍሊት ብዝተሓሓዝ ጸገም ከም ዘጋጠመ ብምግላጽ፡ እቲ ናብ ፊንላንድ ዘቕርቦ ዝነበረ ኤሌክትሪክ ካብ ትማሊ ቀዳም ኣትሒዙ ክቋረጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ'ዩ።
ምምሕዳር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ፊንላንድ ግን እታ ሃገር ካብ ሩስያ እትረኽቦ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣዝዩ ውሑድን ብኻልእ ኣማራጺ ክትካእ ዝኽእልን'ዩ፡ ብምባል ዝፈጠሮ ጸገም ከም ዘየለ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እቲ ካብ ሩስያ እትረኽቦ ዝነበረት ኣስታት 10 ሚእታዊት ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ብኻልእ ኣማራጺታት ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝትካእ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።
መራሕቲ ክልተአን ሃገራት ብቐዳም ብቴሌፎን ኣብ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ መራሒ ሩስያ፡ "ኣብ ልዕሊ ፊንላንድ ዘነጻጸረ ዝኾነ ዓይነት ስግኣት ድሕነት ኣብ ዘየለወሉ፡ እቲ ዝጸንሐ ፖሊሲ ወተሃደራዊ ዘይሻራውነት ከብቅዕ ምግባር ቅኑዕ ኣይኰነን" ብምባል ኣጽንኦት ከም ዝሃበሉ ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ገሊጹ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "እታ ሃገር እተምጽኦ ፖለቲካዊ ለውጢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓመታት መንፈስ ጽቡቕ ጉርብትናን ምትሕብባርን ሒዙ ክህነጽ ዝጸንሐ ርክብ ሩስያን ፊንላንድን ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ፡" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኒኒስቶ ብወገኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሩስያ ንወራር ዩክረይን ሓዊሱ ትወስዶም ብዘላ ስጉምታት፡ "ኵነታት ከባብያዊ ድሕነት ፊንላንድ ቀይሩዎ'ዩ" ከም ዝበለ ይግለጽ።
"እቲ ዝርርብ ቀጥታውን ብዘይ ዝኾነ ምድንጋርን'ዩ ተኻይዱ። ወጥሪታት ምውጋድ ኣድላዪ ከም ዝዀነ'ውን ኣብ ግምት ኣትዩ ኣሎ" ኢሉ።
ምጽንባር ፊንላንድን ሽወደንን ናብ ኔቶ፡ ካልእ ማሕለኻ ክዀና ዝኽእል ንቱርኪ'ዩ፡፡
ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ክልተአን ሃገራት፡ "ኣሸበርቲ ጉጅለታት" ከም ዘዕቈባ ብምኽሳስ፡ እቲ ዘቕርባኦ ሕቶ ከም ዘይድግፍ ገሊጹ'ዩ።
እዚ፡ ነቲ ቱርኪ ኣሸባሪ ጉጅለ ኢላ እትጽውዖ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኩርዲስታን [ፒኬይኬይ] ዝምልከት ኰይኑ፡ እዚ ሰልፊ ንዓሰርታት ዓመታት ኣንጻር ቱርኪ ተዋጊኡ'ዩ።
ካልእ ጨንፈር እዚ ሰልፊ'ዩ እትብሎ ዋይፒጂ ዝተባህለ ሰልፊ'ውን ትቃወሞ።
እንተዀነ እዚ ሰልፊ ኣንጻር እስላማዊ ጉጅለታት ምስ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ተቓሊሱ'ዩ።
ፊንላንድን ሽወደንን ሕብረተሰብ ኩርድ ዘለወን ኮይነን፡ ገለ ኣባላት ሽወደን መበቈል ኩርድ ኣለዎም። ፕረዚደንት ኤርዶጋን ግን ነቲ ዝቐርቦ ክሲ መረጋገጺ ጭብጢ ኣየቕረበሉን።
እንተዀነ፡ ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ፊንላንድን ቱርክን ኣብ ሞንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ንምፍታሕ ክዘራረቡ'ዮም።
ኔቶ፡ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ሃገራት ምዕራብ ኰይኑ፡ ብ1949 ስግኣት ሕብረት ሶቭየት ንምክልኻል ብዝብል ዝቘመ ኪዳን እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







