መላእ ዓለም ናብ ፑቲን ተቋምት፡ 'ንሱ'ኸ እንታይ ኢሉ?'

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ጽንብል ዓመታዊ በዓል ዓወት ሩስያ ሎሚ ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ሞስኮ ተኻይዱ።
እዚ በዓል፡ ነቲ ሕብረት ሶቭየት ኣብ ልዕሊ ናዚ ጀርመን ኣብ 1945 ግዜ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተጐናጸፈቶ ዓወት ዝዝክር ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ግን፡ እቲ ብሩስያ ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ከተማታታን ጃምላዊ ምፍንቓልን፡ "ንናዚ የዘኻኽር" ክብል ገሊጹ።
ብኣጋጣሚ ጽንብል ዓመታዊ በዓል ዓወት ሩስያ፡ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ነቲ 'ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት' ኢሉ ዘንቀሎ ወራር ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ቀይሩ፡ ምሉእ ኲናት ክእውጅ ከም ዝኽእል ግምታት ይስማዕ ኣሎ።
ሩስያ ግን ከምኡ ዝበሃል መደብ ከም ዘየለ ብምግላጽ ነቲ ግምታት ነጺጋቶ'ላ።
ቅድሚ ጽንብል መዓልቲ ዓወት ሩስያ፡ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ምርኢት ነፈርቲ ንምቕራብ ኣብ ጽዑቕ ልምምድ ቀንዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ምርኢት ነፈርቲ፡ ብሰንኪ "ሕማቕ ኵነታት ኣየር" ከም ዝተሰረዘ፡ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ኣፍሊጡ'ሎ።
ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ መደረኡ፡ ዘይከም ትጽቢት ዝተገብረሉ ዓበይቲ ጉዳያት ከም ዘየልዓለ ይንገር ኣሎ።
እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝገብሮ ዘሎ ወራር ምኽኑይ ንምግባር፡ ዩክረይንን ኔቶን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስግኣት ክፈጥሩ ጸኒሖም እዮም፣ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብ ወሰናስን ሩስያ ብወገንና ኣይንቕበሎን ኢና ኢሉ።
እንተዀነ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለምን፡ ከም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ሩስያ ከም ወራሪት፣ ተግባራታ ድማ ዘቅቡልን ዘይሕጋውን ምዃኑ ይገልጻ።
ፑቲን፡ ምዕራባውያን ንሩስያ ክሰምዓ ከም ዘይደልያን ካልእ ውጥን ከም ዝነበረንን ይገልጽ።
ንሱ ኣብ መደረኡ፡ ዝርዝር መርትዖታት ከየቕረበ፡ ግን ምዕራባውያን "ኣብ መሬትና፡ ንክረምያ ወሲኽካ ወራር ክፍጽማ ይዳለዋ ነይረን፡" ኢሉ።
ፑቲን፡ ነቶም ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ሞስኮ ዝነበሩ ኣሽሓት ወተሃደራት ሩስያ ሰላምታ ብምሃብ መደረኡ ዓጽዩ።
ሃገራዊ መዝሙር ሩስያ እናዘመረ ድማ፡ ሪቺታት ክትኮስ ተራእዩ።
እዚ በዓል፡ ብምኽንያት'ዚ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፍሉይ ኣቓልቦ ረኺቡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ፡ ንፍሉይ ክእለታት ወፍሪ ዝጽውዕ ምልክታታት ስራሕ ክወጽእ ከም ዝቐነየ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ ንኽብሪ'ቲ ፕረዚደንት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ እቲ መዓልቲ'ውን ብዛዕባ'ዚ ምዝራብ ምቹእ ኣይኰነን።
ሩስያ፡ ድሕሪ'ቲ ንክረምያ፡ መጻብቦ ዩክረይን፡ ዝጐበጠትሉ 2014፡ ፑቲን ብዛዕባ ስዕረት ፋሺዝም ዝምድረሉ 'ቀይሕ ኣደባባይ'፡ ሓድሽ ዓወቱ ኣሽሓት ተዓዘብቲ ብቐጥታ ኣብ ዝርእይዎ፡ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ወደብ ሰቫስቶፖል ክጽንብሎ እዩ።
ብሩስያ ዝተዋህበ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ ኣብ 28 ከተማታት ዝካየድ ኰይኑ፡ 68,000 ሰባት፣ 2,400 ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፣ 400 ነፈርቲ ውግእ ከሳትፍ እዩ።
"ቀዳማይ ዕላማ ናይዚ ንብል፡ ነቲ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ክጅምር እንከሎ ዝተሓስበ፡ ከም ዓወት ዝሕሰብ ነገራት ምቅላሕ ክኸውን እዩ፡" ይብል ኤርነስት ዊስቪስዊኽ ካብ ማእከል ዘተን ርድኢትን ፖላንድ-ሩስያ።
ሩስያ ነቲ ምውዳቕ መንግስቲ ዩክረይን ሓዲጋ፡ ንምሓዝ [ዳርጋ ዝበዝሕ ክፋል] ማርዮፖል ክትጽንብል እያ።
እታ ደቡባዊት ከተማ ዩክረይን ምሉእ ብምሉእ'ኳ እንተዓነወት፡ ሩስያ ግን ብዛዕባ ንዩክረይን ካብ ናዚነትን ወተሃደራውነትን ምንጻህ ጥራይ እያ ትዛረብ ኣላ።
ብዛዕባ'ቲ 'ኣዞቭ' ዝብሃል 'ናዚ' ኢላ እትጥቅኖ በጦሎኒ ከም ዝደምሰሰት'ውን ክትዛረብ እያ።
እዚ በጦሎኒ፡ ሕሉፋት-ሃገራውያን ኣባላት'ኳ እንለውዎ፡ ብመንግስቲ ዩክረይን እዩ ምክትታል ዝግበረሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







