ኲናት ዩክሬን፡ 'ኣብ ሓደ ብቦምባ ዝተሃረመ ቤት ትምህርቲ 60 ሰባት ተቐቲሎም'

ምንጪ ስእሊ, Serhiy Haidai
ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብቦምባ ተሃሪሙ ኣስታት 60 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ተዛሪቡ።
ቅድም ኢሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃንስክ ሰርሂይ ሃይዳይ ኣብ ቢሎሆሪቭካ ኣብ ዝርከብ ህንጻ፡ 90 ሰባት ኣዕቚቦም ከም ዝነበሩ ብምግላጽ፡ ነቶም 30 ምድሓን ከም ዝተኻእለ ገሊጹ ነይሩ።
ብሰንበት፡ ነፋሪት ሩስያ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ቦምባ ከም ዝደርበየት'ኳ እንተ ተገልጸ፡ ሩስያ ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ምላሽ የለን።
ሰራዊት ሩስያን ተገንጸልቲ ዕጡቓትን፡ ሓይልታት መንግስቲ ዩክረይን ንምንብርካኽ ኣብ ዝገብርዎ ዘለው ወፍሪ፡ ሉሃንስክ ናይ ውግእ ቦታ ኮይና እያ።
ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ድማ መብዛሕትኡ ከባቢ እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ'ቶም ብሩስያ ዝድገፉ ተገንጸልቲ ዕጡቓት እዩ ጸኒሑ።
እታ ቢሎሆሪቭካ ዝተባህለት ዓዲ ናብታ ብመንግስቲ ተታሒዛ ዘላ ከተማ ሲቨርዶኔቲስክ ዝቐረበት ኮይና፡ ብቐዳም ኣብቲ ከባቢ ሓያል ውግእ ይካየድ ምንባሩ ተገሊጹ።
ኣብቲ ቦምባ ዝተሃረመ ቤት ትምህርቲ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ ነቲ ህንጻ ከዕንዎ እንከሎ፡ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ሰለስተ ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም ምምሕዳር ዞባ ሉሃንስክ ብቴሌግራም ገሊጹ።
ዳርጋ ምሉእ ነባሪ እታ ዓዲ፡ ኣብ ትሕቲ 'ቲ ቤት ትምህርቲ ኣዕቚቦም ከም ዝነበሩ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣመሓዳሪ ወሲኹ እቲ ፍርስራስ ምስ ተጸረገ ጥራይ'ዩ ትኽክለኛ ብዝሒ ግዳያት ክፍለጥ ዝኽእል ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ በቲ መጥቃዕቲ "ከም ዝተቘጥዐ" ዝገለጸ ኮይኑ፡ "ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሲቪላውያን ግዳያት ክኾኑ የብሎምን፡" ኢሉ።
ኣብ ከተማ ማሪዮፖል ብሰራዊት ሩስያ ኣብ ዝተኸበበ ፋብሪካ ሓጺን ኣዞቭስታል ዝርከቡ ዩክሬናውያን ተዋጋእቲ፡ ኢዶም ንሰራዊት ሩስያ ከም ዘይህቡ ብምግላጽ ዓለም ነቶም ዝቘሰሉ ንምውጻእ ክትሕግዞም ጸዊዖም።
ሩስያ ነቲ ከባቢ ንሰሙናት ክትክርድኖ እንከላ፡ ኣባላት ኣዞቭ ተባሂሉ ዝጽዋዕ በጦሎኒ ኢዶም ክህቡ ኣተሓሳሲባ እያ።
ካብቲ ክፋሉ ዝዓነወ ፋብሪካ ብቐጥታ ኣብ ዝተመሓላለፈ ዜና ግን፡ ኣባላት እታ በጦሎኒ ኢዶም ከም ዘይህቡ ገሊጾም።
ሓደ ካብኣቶም ሌተናል ኢሊያ ሳሞሌንኮ፡ "ንጸላኢ ዓቢይ ህያብ ከነረጋግጸሉ ስለ ዘይንደሊ፡ ኢድካ ምሃብ ብኣና ተቐባልነት የብሉን። ብመሰረቱ ዝሞትና ሰባት ኢና፤ መብዛሕትና ነዚ ንፈልጥ ኢና። ስለዝዀነ ኢና ብዘይፍርሒ ንዋጋእ ዘለና፡" ኢሉ።
እቲ ፋብሪካ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዘይኣተወ እንኮ ክፋል ከተማ ማሪዮፖል ኮይኑ፡ እቶም ተዋጋእቲ መንግስቲ ዩክረይን ነታ ከተማ ክከላኸል ኣይከኣለን ብዝብል ይነቕፍዎ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግን፡ ሃገሩ ነታ ከተማ ንምክልኻል ከበድቲ ኣጽዋር የብላን ብምባል፡ ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕሪ ኣብ ውሽጢ እቲ ፋብሪካ ተኸርዲኖም ዝነበሩ ሲቪላውያን ንምውጻእ ከም ዝተኻእለ ሓቢሩ።
ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ 170 ሲቪላውያን ብሰንበት ካብታ ከተማ ምውጻእ ከምዝተኻእለ ገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣስታት 500 ሰባት ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ይገልጽ። ትማሊ'ውን 51 ሰባት ምውጻእ ከም ዝተኻእለ ሓቢሩ።
ብ24 ለካቲት ወራር ሩስያ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ ዩክረይን 2345 ሰባት ከም ዝሞቱን 2919 ሰባት ከም ዝቘሰሉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብቲ ውግእ ብኽልቲኡ ሸነኽ ኣሽሓት ወተሃደራት ሞይቶምን ቆሲሎምን'ዮም።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክምዛበሉ እንከለው 5.7 ሚሊዮን ሰባት ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፣ እቶም 6.5 ሚሊዮን ድማ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝተመዛበሉ'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







