ኲናት ዩክሬን፡ ንሩስያውያን ሰብሃብቲ፡ ገነት ዝዀነቶም ዱባይ

ዱባይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዱባይ፡ ብሰንኪ ኲናት ዩክሬን ካብ ዝስዓቡ እገዳታት ሃገራት ምዕራብ ንዝሃድሙ ዘለው ሩስያውያን ሰብ ሃብቲ ገነት ኮይናትሎም ትርከብ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ ቢሊየነራትን ወነንቲ ንግዳዊ ትካላትን ሩስያውያን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይኣትው ከም ዘለው መራሕቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሩስያውያን ዝዕድግዎ ዘለው ንብረት ድማ፡ ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ 2022 ጥራይ ብ67 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝዀነ ዓይነት እገዳ ኣይገበረትን፤ ወይ'ውን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝተፈጸመ ወራር ሩስያ ኣይኮነነትን።

ብተወሳኺ፡ ነቶም ዝዀነ ዓይነት እገዳ ዘይተገብረሎም ግን ከኣ ሃገራት ምዕራብ ኣይንቕበልን ንዝበልኦም ሩስያውያን ቪዛ ትህቦም ኣላ።

ዋላ'ውን እቲ ቝጽሪ ብግልጺ እንተዘይተፈልጠ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ሩስያ ከም ዝወጽኡ ይግለጽ።

ሓደ ሩስያዊ በዓል ሞያ ቝጠባ፡ እቲ ኲናት ኣብ ዝተጀመረሉ መጀመርታ ዓሰርተ መዓልታት፡ ኣስታት 200 ሽሕ ሩስያውያን ካብታ ሃገር ወጺኦም'ዮም ኢሉ።

ኩባንያታት ኣብ ዱባይ ስርሖም ንምጅማር ዕድላት ዘመቻችእ ቨርቱዞን ዝተባህለ ትካል፡ ብዙሓት ሩስያውያን ዓማዊል ተቐቢሉ ኣሎ።

"እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ካብ ሩስያውያን ሓሙሽተ ዕጽፊ ጠለባት ተቐቢልና ኣለና። በቲ ዝመጽእ ዘሎ ቍጠባዊ ሽግራት ኣዝዮም ተሻቒሎም ኣለው። ስለዝዀነ'ዮም ሃብቶም ንምድሓን ናብዚ ዝመጽኡ ዘለው፡" ክብል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቨርቱዞን ጆርጅ ሆጄጊ ተዛሪቡ።

ምምጻእ ሩስያውያን ሃብታማት፡ ጠለብ ዘመናውያን ቪላታትን መንበሪ ኣባይትን ኣብ ዱባይ ክውስኽ ገይሩ ኣሎ።

ኤጀንሲታት ሪል ስተይት ድማ ኣብ ዋጋታት ወሰኽ ገይሮም።

ኣብ ዱባይ ዝማእከሉ ኤጀንሲ 'ቤተርሆምስ'፡ ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ጠለብ ንብረት ሩስያውያን ኣብ ዱባይ ብኽልተ ሲሶ ከም ዝወሰኸ ይገልጽ።

ካልእ 'ሞደር ሊቪንግ' ዝተባህለ ኤጀንሲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጠለብ ይውስኽ ብምህላዩ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ዝዀኑ ደላሎ ቘጺሩ ምህላው ሓቢሩ።

ዋና ፈጻሚ ስራሕ ቲያጎ ካልዳስ፡ ብቐጥታ ናብ ዱባይ ክመጽኡ ካብ ዝደልዩ ብርክት ዝበሉ ሩስያውያን ቴሌፎን ይድወሎ ነይሩ።

"ናብዚ መጺኦም ገዛ ዝዕድጉ ዘለው ሩስያውያን፡ ብዓይኒ ኢንቨስትመንት ጥራይ ዘይኮነ ዱባይ ከም ካልአይቲ ገዛኦም ብምርኣይ'ዩ፡" ኢሉ።

'ፍልሰት ምሁራን'

ብዙሓት ኩባንያታትን ሩስያን ሓደስቲ ዝጅምራ ዝተፈላለያ ትካላትን ሰራሕተኛታተን ናብ ኢማራት ዓረብ የግዕዛ ኣለዋ።

ፉኣድ ፋቱሌቭ ሓደ ካብ መስረትቲ 'WeWay' ዝተባህለ ኣብ ሩስያን ዩክረይንን ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ኩባንያ ቴክኖሎጂ እዩ።

ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ኣማኢት ሰራሕተኛታቱ ሒዙ ናብ ዱባይ መጺኡ።

"እቲ ኲናት ኣብ ስራሕና ዓቢይ ሃሰያ'ዩ ኣውሪዱ። ኣማኢት ዩክሬናውያንን ሩስያውያንን ከነውጽኦም ስለ ዝነበረና ኣብኡ ክንቅጽል ኣይከኣልናን፡" ኢሉ።

ፉኣድ፡ ዜግነቱ ሩስያዊ እዩ።

ዱባይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመረጽሉ ምኽንያት ከብርህ እንከሎ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ንንግዳዊ ትካላት ዝኸውን ውሑስ ቁጠባወን ፖለቲካውን ባይታ ምህላው እዩ ክብል ይጠቅስ።

ብዙሓት ኩባንያታት ሩስያ፡ ብሰንኪ እቶም ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ እገዳታት፡ እቲ ኵነታት ኣጸጋሚ ስለ ዝዀኖም ካብታ ሃገር ይወጽኡ ምህላዎም ገሊጹ።

መብዛሕትኦም ትካላት ሃገራት ምዕራብ፡ ምስቶም ኣብ ሩስያ ዝነበሩ ትካላት ዝጸንሖም ርክባት ብምሕርፋፉ፡ ብፍላይ ምስ ዓለምለኻዊ ዓማዊልን ትካላት ኣብ ምስራሕ ከም ዘጸገመሎም ተዛሪቡ።

ከም ጐልድማን ሳችስ፡ ጄይፒ ሞርጋንን ጎግልን ዝኣመሰሉ ትካላት፡ ኣብ ሩስያ ዝነበሮም ኣብያተ ጽሕፈት ዓጽዮም ንገሊኦም ሰራሕተኛታቶም ናብ ዱባይ የግዕዝዎም ኣለው።

"ብግልጺ ፍልሰት ምሁራን እዩ ዘጋጥም ዘሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሕ እገዳታት ንግዲ ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ሰባት'ዮም ዝወጽኡ ዘለው፡" ይብል ፋቱሌይ።

ምውሳኽ ዋጋ ሪል ስቴት

ማእከላይ ባንክ ሩስያ፡ ኣብ ባንክታት ወጻኢ ዘለዎ ቢልዮናት ባጤራ ወጻኢ ከይጥቀመሉ ተኣጊዱ'ዩ።

ገለ ባንክታት ሩስያ'ውን ካብቲ ዓለምለኻዊ ስርዓት ምዝውዋር ገንዘብ 'ስዊፍት' ተኣልዮም'ዮም።

መንግስቲ ሩስያ፡ ነቲ ዘለዎ ገንዘብ ንምዕቃብ መጠን ካብ ባንክ ዝወጽእ ገንዘብ ገደብ ክገብረሉ እንከሎ፡ ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ዜጋታት ድማ ልዕሊ 10 ሽሕ ዶላር ሒዞም ክወጽኡ ከም ዘየፍቅደሎም ገሊጹ።

ጥረ ገንዘብ ምትሕልላፍ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ብዙሓት ሩስያውያን ዓደግቲ፡ ክፍሊቶም ብክሪፕቶካረንሲ ይፍጽሙ ኣለው።

ከም ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ዝበላ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳታት ክገብራ ብምዕራባውያን ንዝቐረበለን ጻውዒት ነጺገናኦ'የን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወራር ሩስያ ብምኹናን ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ኢማራት ከም ቻይናን ህንድን ድምጻ ዝዓቀበት እንኮ ዓረባዊት ሃገር እያ።

ብ7 ሚያዝያ፡ ሩስያ ካብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንምእጋድ ኣብ ዝተዋህበ ድምጺ'ውን ኣየድመጸትን።