ባንኪ ዓለም፡ ኲናት ዩክሬን ኣብ 50 ዓመት ተራእዩ ዘይፈልጥ ነውጺ ዋጋታት ከስዕብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኲናት ዩክሬን ካብ 1970ታት ንድሓር እቲ "ዝዓበየ ናህሪ ዋጋታት" ከስዕብ ከም ዝኾነ ባንኪ ዓለም ኣጠንቂቑ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝተፈጥረ ምትእጉጓል ካብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ክሳብ ስርናይን ጡጥን ኣብ ዘለው ጠለባት ዓብዪ ወሰኽ ዋጋ ከም ዝህሉ ይገልጽ።
እቲ ወሰኽ ዋጋ "ድሮ ሰፊሕ ቁጠባውን ሰብኣውን ጽልዋ ከሕድር ጀሚሩ'ሎ" ክብል ክኢላ ስነ ቁጠባ ባንኪ ዓለም ፒተር ናግለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ስድራቤታት ቅልውላው ምኽባር ዋጋታት ክስምዖም ጀሚሩ ኣሎ። ሕጂ ዚያዳ ብዛዕባ እቶም ኣታዊ መነባብሮኦም ኣብ መግብን ሓይልን ዝኾነ ድኻ ስድራቤታት ተጨኒቕና ኣለና። ንሳቶም ድሮ በቲ ወሰኽ ዋጋታት ተጸለውቲ'ዮም" ይብል።
ባንኪ ዓለም ከም ዝብሎ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2020 ክሳብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበረ ወጥሪ ብዘስዓቦ ወሰኽ ዋጋታት "ካብ 1973 ንድሓር ኣብ ውሽጢ 23 ኣዋርሕ ልዑል ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ" ተራእዩ እዩ።
ሩስያ፡ 11 ሚኢታዊት ቀረብ ነዳዲ ዓለም እተፍሪ ሳልሰይቲ ዝዓበየ ብጽሒት ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ "ብሰንኪ እቲ ኲናት ዘጋጥም ምትዕንቓፋት ዘላቒ ኣሉታዊ ሳዕቤን" ከም ዝህልዎ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ እገዳታት ኩባኒያታት ወጻኢ ካብታ ሃገር ክወጽኡን ቴክኖሎጂካዊ ቀረባት ክንክን ከም ዝገብሮ የመልክት።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሩስያ 40 ሚኢታዊት ቀረብ ነዳድን 27 ሚኢታዊት ዘይትን ሕብረት ኤውሮጳ ትሽፍን።
መንግስታት ሃገራት እቲ ሕብረት ግን ካብ ሩስያ ከይዕድጋ ስጉምታት ይወስዱ ኣለው።
በዚ ክኣ፡ ሩስያ ዋጋታት ሓፍ ብምባል ንኻልኦት ሃገራት ንክትሸይጥን ዚያዳ ጠለብ ክህሉን ክትገብር ተራእዩ።
ኣብ መግቢ ዝህሉ ወሰኽ ዋጋታት
ባንኪ ዓለም ኣብ ብዙሓት ዓይነታት መግቢ ወሰኽ ዋጋታት ክህሉ ከም ዝኾነ የጠንቅቕ።
ቅማረ ዋጋታት መግቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድሮ ዋጋታት መግቢ ቅድሚ 60 ዓመት ዝነበረ ልዑል መጠን ዋጋ ክርኣይ ከም ዝጀመረ የርእይ።
ሕጂ፡ ዋጋ ስርናይ ብ42.7 ሚኢታዊት፣ ስገም 20 ሚኢታዊት፣ ዘይቲ 29.8 ሚኢታዊት፣ ዋጋ ደርሆ ድማ ብ41.8 ሚኢታዊት ክውስኹ'ዮም ተባሂሉ ይግመት።
እዚ ወሰኽ ዋጋታት ድማ ዩክሬንን ሩስያን ናብ ዕዳጋ ዓለም ዘቕርብኦ ዝነበራ ምህርታት ከም ዝጎደለ ዘመላኽት እዩ።
ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት፡ ክልቲአን ሃገራት 28.9 ሚኢታዊት ሰደድ ስርናይ፣ 60 ሚኢታዊት ቀረብ ዘይቲ ብልዒ የቕርባ ከም ዝነበራ ጸብጻባት የመልክቱ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዩክሬን እተቕርቦ ዝነበረት እኽልን ዘርኢ ዘይትን ብ80 ሚኢታዊት ጎዲሉ ኣሎ።
ዋጋ ካልኦት ምህርታት ድኹዒ፣ ሓጺነ መጺንን ሚነራላትን እውን ክውስኽ እዩ ተባሂሉ ይግመት። ብኣንጻሩ ዋጋ ዕንጸይቲ፣ ሻሂን ሩዝን ክጎድል ተኽእሎ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







