ኢትዮጵያ: ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ መሰረታዊ ቀረባት ናብራ ከምዝኸበዶም ዜጋታት የማርሩ

ምውሳኽ ዋጋታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ ቀረባትን ኣገልግሎታትን ብዝለዓለ መጠን ይውስኽ ብምህላዉ ብናብራ ክፍተኑ ከምዝጀመሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጥራሕ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ወሰኽ ዋጋ ሸቐጣት ልዕሊ 34 ሚኢታዊት ወሰኽ ተራእዩ'ሎ።

ናብ ክልል ደቡብ ከተማ ኣርባምንጭ ደዊልና ዝረኸብናያ ነባሪት፡ ኣብ ምግቢ ተንከፍ ሸቐጣትን ካልኦት ኣቑሑትን ዝለዓለ ወሰኽ ዋጋ ከምዝተዓዘበት ሓቢራትና።

"ንኣብነት ዘይቲ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሮ ክሳብ ሰለስተ ዕፅፊ ዋጋ ወሲኹ ኣሎ። ሃለኽቲ ዝበሃሉ ነገራትን ኣስቤዛን: ከምኡ ድማ ካብ ደገ ዝኣትዉ ኣቑሑ ዋግኦም ደይቡ'ሎ" ኢላ።

ክዳውንቲ ከምትሸይጥ እትገልፅ እታ ነባሪት ከተማ ኣርባምንጭ፡ ኣብ ክዳውንቲ እውን ወሰኽ ዋጋ ከምዘርኣየ ሓቢራ።

"ስረ ኣነ ከምፅኦ ከለኹ ልዕሊ 100 ብር ወሰኽ ኣለዎ። ካብ ደገ ዝኣትዉ ናይ ደቂኣንስትዮ ቀምሻት ወሰኽ ዋግኦም ዳርጋ ዕፅፊ እዩ። ክሳብ 280 ንዕድጎ ዝነበርና ሰለስተ ሌትሮ ዘይቲ ሎሚ ልዕሊ 600 ይሽየጥ ኣሎ። መዓልታዊ እዩ ዝውስኽ። ንሓንቲ ሊትሮ 190 ብር እዩ ዝሽየጥ። ሽጉርቲ'ኳስ ንኪሎ 45 ብር ይሽየጥ ኣሎ። ዓሚ 10 ብር ነይሩ" ብምባል እቲ ሕዚ ኣብ ወሰኻት ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ዓብይ ከምዝኾነ ትጠቅስ።

ትካል ኣገልግሎት ስታስቲክስ ኢትዮጵያ ወርሓዊ ዝዝርግሖ ሓበሬታ ናህሪ (ወሰኽ) ዋጋ ከምዘመልክቶ፣ ናይ ወርሒ መጋቢት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ ክነፃፀር ከሎ ብ34.7 ሚኢታዊት ወሰኽ ተራእይዎ ኣሎ።

ቢቢሲ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘዘራረቦ ነባሪ ብወገኑ፡ እቲ ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋታት ካብ ታሕተዋይ ክሳብ ላዕለዋይ መነባብሮ ንዘሎ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ይፀሉ ምህላዉ ገሊፁ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ምኽባር ናብራ፡ ዋጋ ኣስቤዛን መሰረታዊ ነገራትን፣ ገዛ ክራይ፣ መጓዓዝያን ብጣዕሚ ስለዝወሰኸ፡ ናብራና ከቢድ ኮይኑ ኣሎ። ንኣብነት ዘይቲ፡ 750 ብር ዝነበረ 1100 ብር በፂሑ ኣሎ። ሽጉርቲ 42 ብር፣ ኮሚደረ 28 ብር ንኪሎ ይሽየጥ ኣሎ። ኣብ ኩሉ ሰብ መረረ ጥራሕ ኢኻ ትሰምዕ" ኢሉ።

እዚ ዝቕባበ ኣብ ትሑት፣ ማእኸላይን ልዑልን ብርኪ ናብራ ንዝርከብ ሰብ ኩሉ ከምዝፀለወ ይገልፅ እቲ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ።

ኣብ ዋጋ ምግቢ ጥራሕ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ወርሒ መጋቢት ምስቲ ዓሚ: ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ ክነጻጸር ከሎ፡ ብ43.4 ሚኢታዊት ወሰኽ ከምዝተረኣዮ ኤጀንሲ ስታቲስቲክስ ኢትዮጵያ ይሕብር።

ኣብዚ ወርሒ ድማ ኣብ ኩሎም ዓይነታት እኽሊን ኣትክልትታትን ወሰኽ ከምዘሎ ዝገልፅ እቲ ትካል፡ ብፍላይ ኣብ ዘይቲ ብልዕን ጠስምን ቅልጡፍ ዝኾነ ወሰኽ ዋጋ ይረአ ምህላዉ ኣመልኪቱ።