ክብሪ ዋጋታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ስለምንታይ’ዩ ወሰኽ እምበር ምጉድል ዋጋታት ዘይርአ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ክብሪ ዋጋታት መሰረታዊ ሓለኽቲ ንናብራ ተጠቀምቲ ይፈታተን ምህላው ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መሰረታዊ ኣብ ዝበሃሉ ሓለኽቲ ልዑል ወሰኽ ከም ዝተርኣየ ነበርቲ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ንቢቢሲ ገሊጾም።
እዚ ካብ ገዛ ክራይ ጀሚሩ ክሳብ ንመግቢ ዝውዕሉ መሰረታዊ ሓለኽቲ ዝተርኣየ ወሰኽ ዋጋታት ኣብ መነባብርኦም ጸቕጢ ይፈጥር ምህላው እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ይዛረቡ።
ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነን ብኽብሪ ዋጋታት ከም ዝተማረረን ዝገልጽ ኣላዪ ስድራ፡ ነጋዶ፡ ጠንቂ እቲ ወሰኽ ኢሎም ዝገልጽዎ ወሰኽ ዋጋ ነዳድን ሸርፊ ዶላርን ምዃኑ ይዛረብ።
“ፈሳሲ ዘይቲ ደሊኻ ኣይትረክብን” ዝበለ እቲ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ፤ ኣቐዲሙ ብ10 ብር ዝሽየጥ ዝነበረ እንጀራ ኣብዚ እዋን 12 ብር ኮይኑ ከም ዘሎ ብምረት ይዛረብ።
እቲ ክብሪ ናብራ ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ኣይኮነን፡ ነባሪት ከተማ መቐለ ዝኮነት ርእይቶኣ ዘካፈለትና ውልቀሰብ ኩሉ ከም ዝወሰኸ ድሕሪ ምዝርዛር፡ እቲ ዝያዳ ዘሻቕላ ግና ስእነት ሰላም ምዃኑ ትገልጽ።
“ጣፍ [ንኩንታል] 4300 ብር ዝነበረ ሕጂ 4600 ኮይኑ ኣሎ፤ ቡን ካብ 150 ናብ 200 ብር ወሲኹ፤ ሽጉርቲ [ንኪሎ] 13 ብር ዝነበረ 25 ብር ኣትዩ። አረ ሰላም ምኾነልና ዓድና እምበር ጥሜት ኣይምቐተለን፤ ሰላም ዝሰኣናዮ ደኣ ጨነቐና” ኢላ።
ነባሪት ሓረር ወይዘሮ ሽርካ ኣሕመድ ብወገና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ዋግኡ ዘይወሰኸ ነገር ከም ዘየሎ ብምግላጽ “ልዕሊ ኣቕምና ኮይኑ ኣሎ” ብምባል ብተስፋ ምቑራጽ ትዛረብ።
ወይዘሮ ሽርካ ኣብ ኩሉ ሓለኽቲ ዝርአ ወሰኽ ዋጋ እንትርፎ ‘ዶላር ስለ ዝኸበረ እዩ’ ምባል እቲ ምኽንያት እዚ እዩ ኢሉ ዘረድእ ኣካል ከም ዘየሎ ሓቢራ።
ኣብ ሸቐጥ ዝተዋፈረት ነባሪት ከተማ ኣጋሮ ወይዘሮ እመቤት ከድር ብወገና፡ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋታት “ንጉሆን ድሕሪ ቀትርን ፍልልይ ከርኣ ከም ዝጀመረ” ትገልጽ።
“ኣነ ኣብ ሸቐጥ ስለ ዝተዋፈርኩ ምስቲ ማሕበረሰብ ብቐጥታ እራኸብ እየ። ንሕና ካብቶም ብጃምላ ዘከፋፍሉ ኢና እንዕድግ። ስለምንታይ ከም ዝኸበረ ምስ እንሓቶም፡ ‘ካብ ላዕሊ እዩ’ ይብሉና፤ ግሉጽ ምኽንያት የሎን። ኣነ ሕጂ መረረ እቲ ህዝቢ ምስማዕ ከቢዱኒ ነቲ ስራሕ የቋርጾ ኣለኹ” ኢላ።
ንሳ ወሲኻ “ሓደ’ውን ዋግኡ ኣይወሰኸን እንብሎ ነገር የሎን። ንጉሆ ዝሸጥካዮ ናይ ምሸት ዋግኡ ወሲኹ ኣሎ። እቲ ኣቕሓ ግና እቲ ንጉሆ ዝነበረ ንሱ እዩ። ግቡእ ቁጽጽር ክግበር ኣለዎ” ክትብል መንግስቲ ስጉምቲ ክወስድ ተማሕጺና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነዳዲ ከም ምኽንያት
ኣብዚ ሰሙን ክብሪ ካብ ዘርኣዩ ሓለኽቲ ሓደ ነዳዲ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ታሪፍ መጉዓዝያ ምትዕርራይ ተገይሩ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ እተእትዎ ብመገዲ ሱዳንን ጅቡቲን ዝነበረ ኮይኑ፤ ኣብ ቀረባ እዋናት ግና እቲ ብሱዳን ዝኣቱ ምቁራጹ፡ ሓለፍቲ እቲ ቤትጽሕፈት ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ኣብ ትካል ምቕራብ ነዳዲ ኢትዮጵያ በዓልሞያ ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ኣለማየሁ ጸጋዬ፡ እቲ ብሱዳን ዝኣቱ ዝነበረ ነዳዲ እንተተቋረጸ’ውን እታ ሃገር ካብ ወጻኢ ኣብ እተእትዎ መጠን ነዳዲ ለውጢ ከም ዘየሎ ይገልጽ።
“ኣብ ቀረብ ነዳዲ ካብቲ ዝጸንሐ ለውጢ የሎን። ብሱዳን ዝኣቱ ዝነበረ በንዚን ጥራሕ እዩ። ብምኽንያት ጽገና’ውን እቲ መጠን ጎዲሉ፡ ንዝተወሰኑ ከተማታት ጥራሕ እዩ ክቐርብ ጸኒሑ። ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ እቲ ተቋሪጹ እዩ ጸኒሑ” ኢሉ።
እቲ ብመገዲ ሱዳን ዝቐርብ ዝነበረ ነዳዲ፡ ቀዲሙ ከም እተቋረጸን ምስቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኸሰተ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ከም ዘይራኸብ’ውን ኣቶ ኣለማየሁ ኣረዲኡ።
ኢትዮጵያ ነዳዲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ብመገዲ ጅቡቲ ተእቱ ምህላዋ ዝሕብር ኣቶ ኣለማየሁ፡ እቲ ብመገዲ ሱዳን ዝመጽእ ዝነበረ ነዳዲ ምስ ተቋረጸ’ውን ሕጽረት ከም ዘይተፈጠረ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዘተገብረ ወሰኽ ምስ ዓለምለኻዊ ዕዳጋ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት እምበር ብምጉዳል ቀረብ ዝሰዓበ ከምዘይኮነ እቲ ህዝቢ ክፈልጥ ከም ዘድሊ እቲ በዓልሞያ ህዝባዊ ርክባት ሓቢሩ።
ንዋጋታት ነዳዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝውስን፡ ሚኒስትሪ ንግዲ ብምዃኑ፡ ምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ንምፍላጥ ናብቲ ሚኒስትሪ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክውስኽ እምበር ክጎድል ዘይርአ ክብሪ ዋጋታት
በዓልሞያ ቁጠባ ዶክተር ጉቱ ቴሶ እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ክብሪ ዋጋታት ብብዙሕ ምኽንያታት ከም ዝሰዓበ የረድእ።
እቲ ቀንዲ ግና በብዓመቱ ክውስኽ እምበር ክጎድል ዘይርአ ዝቕባበ ምዃኑ ይጠቅስ። እቲ ዝቕባበ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ መሰረታዊ መሓውራት ቁጠባ ዘይምዕሩይ ብምዃኑ ከም ዝመጸ የረድእ።
እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ ህልው ኩነታት እታ ሃገርን ንቁጠባ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ክስተታት ምዃኖም ተዛሪቡ።
ምጉዳል ፍርያት፡ ስእነት ሰላም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝረኣዩ ምምዝባላት፡ ነቲ ናህሪ ዋጋታት ካልእ ምኽንያታት ምዃኖም ዶክተር ጉቱ ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ዝተገብሩ ህዝባዊ ናዕብታት፡ ተደጋጋሚ ናይ ዕዳጋ ቀይድታት፡ ንሰንሰለት እቲ ንግዲ ብተደጋጋሚ ምስባሮም ብፍላይ ድማ ዝያዳ ዘፍርዩ ዝነበሩ ከባቢታት ብስእነት ሰላም ተወሳኺ ጸቕጢ ምፍጣሩ ኣረዲኡ።
እቲ ሓረስታይ እንተሓረሰ’ውን ብምኽንያት ስእነት ሰላም፡ ኣይጎልጎለን እቲ ዝጎልጎለ ኣይዘርአን እቲ ዝዘርአ’ውን ክእክብ ብዘይምኽኣሉ፡ ሕጽረት ፍርያት ሕርሻ ከም ዘስዓበ እቲ በዓልሞያ ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ዶክተር ጉቱ፡ ብዙሓት ፋብሪካታት ካብ ወጻኢ ሃገራት ቀረብ ስለዘይረኸቡ፡ ወይ’ውን ብስግኣታት ስእነት ፍርያቶም ስለዘጉደሉ ወይ ደው ስለ ዘበሉ፡ ካልእ ንኽብሪ ናብራ ካብ ዘበርከቱ ነገራት እዮም።
ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፍን ናይ ምዕዳግ ሓይሊ ናይ ብር ምድኻሙ ተወሲኹዎ ንኽብሪ ናብራ ከም ዘኽበዶ’ውን ገሊጹ።
“ካብ 2017 ክሳዕ 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ዓቕሚ ናይ ብር ብ54 ሚእታዊ ወሪዱ ኣሎ፤ ብሓፈሻ ክርአ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ዓቕሚ ናይ ብር ብ100% ወዲቑ ኣሎ” ዝበለ ዶክተር ጉቱ፡ ቀረብ መግብን ካልእ መዓልታዊ ሓለኽትን ናይ ምግግዛእ ዓቕሚ ናይ ብር ኣብ ዝወደቐሉ ኣብዚ እዋን ካብ ወጻኢ ክኣትው እንከለው ንናህሪ ዋጋታት ከም ዘጋድድዎ ይሕብር።
መብዛሕትኦም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኢንዱስትሪታት ካብ ወጻኢ ብዘእትውዎ ቀረብ ዝምርኮሱ ብምዃኖም ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ክገብርዎ ዝኽእሉ ኣበርክቶ ንእሽቶ ምዃኑ’ውን ብምምልካት፡ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ክብሪ ናብራ መፍትሒ እንተዘይረኺቡ፡ ናብ ዝተሓላለኸ ጸገም ከምርሕ ከም ዝኽእል ገሊጹ።
መፍትሒኡ እንታይ እዩ?
ንክብሪ ናብራ ወሲኽካ ብርክት ንዝበሉ ጸገማት እታ ሃገር ጠንቂ ዝኾነ፡ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ቀዳማይ ምርጫ ክኸውን ከም ዘለዎ ዶክተር ጉቱ የረድእ።
ኣብ ሸርፊ ወጻኢ ቅልጡፍ ምትዕርራይ ክግበር ከም ዘለዎ ብምግላጽ፤ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ እናደኸመ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ብር ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክረግእ ከም ዘለዎ’ውን ይመክር።
እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ ብ30 ዕጽፊ ክጎድል ኣለዎ ብምባል ሕጂ ንዋጋ ብር ከም ዝወርድ ምግባር፡ ብመንጽር ኢንቨስትመንት ኮነ ንግዲ ወጻኢ ንኢትዮጵያ ረብሓ የብሉን ኢሉ።
ንቁጠባ እታ ሃገር ንምርግጋእ፡ ናይ ባህልን ማሕበረሰባውን ምንቅስቓሳት ክካየድ ኣለዎ ዝብል ዶክተር ጉቱ፡ ባህሊ ስራሕ ክመሓየሽ ኣለዎ ብምባር ርእይትኡ የካፍል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







