ኵናት ዩክሬን ዋጋ መግቢ ዓለም ክንህር ገይሩ- ሕቡራት ሃገራት

ዩክሬን ዝበዝሕ ርናይን ዕፌንን እተፍሪ ሃገር እያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዩክሬን ዝበዝሕ ርናይን ዕፌንን እተፍሪ ሃገር እያ

ዩክሬን ኣብ ዓለም፡ እታ ከም ስርናይን ዕፉንን ዝኣመሰለ ዝበዝሐ እኽሊ እተፍሪ ሃገር እያ።

እቲ ውግእ ድሕሪ ምኽሳቱ ከኣ ኣብ ዋጋ መግቢ ዓለም ዓብይ ዝላ ከም ዘኸተለን ኣብ መላእ ዓለም ሻቕሎት ሕጽረት መግቢ የስዕብ ከም ዘሎን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

እቲ ኲናት ነቲ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ዝዓበየ ወናኒ ምንጪ ጸሓያዊ ጸዓት ዝዀነ ነዳዲ ዘይቲ ፡ ቀረባቱ ክቋረጽ ገይሩ እዩ ፤ እዚ ከኣ ወጻኢታት ካልእ ኣማራጺታት እውን እናሓየለ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ።

ውግእ ዩክረይን ሕጽረት አእካል ጥራሕ ኣይኮነን ኣኸቲሉ ዘሎ፤ ኣብታ ሃገር ብብዝሒ ንዝፈሪ ሰደድ ዘይቲ እውን ተንኪፉዎ እዩ።

ድሮ እኳ ኣብ ዕዳጋታት ኤውሮጳ ዋጋ ዘይትን መግብን ክውስኽ ተራእዩ ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን "ኣብ ዞባ ጸሊም ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ኣብ ዕዳጋታት መግብን ዘይትን ኣሕምልትን ዓቢ ሕጽረታት ኣኸቲሉ ኣሎ" ክብል ስክፍትኡ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ትካል ንመጠን ንግዲ ዓለም ብዋጋታት ኣእካልን ዘይትን፡ ኣሕምልትን ጥረታትን፡ ጸባን ስጋን ሩዝን ሽኮርን እዩ ዝልክዖ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብልዕሊ 13% ዝነሃረ ክብሪ አእካልን መጠን ናህሪ ዋጋታት አእካልን ዘይትን ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ እዩ ዝንገር።

ወሰኽ ዋጋ ኣሕምልትን ዘይትን ክሳብ 23% ክበጽሕ እንከሎ ናይ ኣእካል 17%፣ ሽኮር 7%፣ ስጋ ብ5%፣ ናይቲ ብውግእ ብዙሕ ዘይተጽልወ ጸባን ውጽኢት ጸባን ከኣ ብ3% ዓሪጉ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ እዚ ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ውግእ፡ ብሰንኪ ምልውዋጥ ክሊማን ምምዝባል እቶት ቀውዕን ዋጋ መግቢ በብእዋኑ ክውስኽ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ናይ መግቢ ቅልውላው ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ማሕበራዊ ዘይምርግጋእ ከየጋጥም ንፖለቲከኛታትን ሓንጸጽቲ ፖሊሲን ከጨንቖም ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኢላታት ኢንዱስትሪ፡ ዋጋ ምግቢ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ 15% ክድይብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም ኣለዉ ።

ዕዳጋ ኣብ ናይሮቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ትካል ምግብን ሕርሻን ኣብ ዩክረይን ብዘጋጠመ ግጭት ዋጋታት ምግቢ ክሳብ 20% ከምዝውስኽን ኣብ መላእ ዓለም ሕጽረት ምግቢ ከምዘኸትልን ኣጠንቂቑ ነይሩ ።

ብሰንኪ ውግእ ዩክሬን፡ እቲ ካብ ክረምቲ ሎም ዘበን ካብ ዩክሬን ክርከብ ዝነበሮ እቶት ስርናይ ብ20% ስለ ዘጉደሎ፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ዓለማዊ ትንበያ እቶት ስርናይ፡ ካብ 790 ሚልዮን ቶን ናብ 784 ሚልዮን ኣውሪዱዎ ይርከብ።

እዘን ኣብ ኵናት ተጸሚደን ዘለዋ ክልተ ሃገራት ሰደድ አእካል ጠጠው ስለ ዘበላ እቲ ናይ እኽሊ ማዕከን ወይ ሪቕ ብ2.4% ክጎድል ከምዝኽእል ውድብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ኣቐዲሙ እውን ውድብ ምግብን ሕርሻን ዓለም ነቲ ኣብ 2050 ኣኣ 9.1 ቢልዮን ክበጽሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ህዝቢ ዓለም ብኸመይ ክምገብ ይከኣል ዝብል ዓሚቚ ምርምራዊ መጽናዕቲ ከካይድ ጸኒሑ እዩ።

ምስ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ኣስታት 70 ሚእታዊት ኣብ ከተማታት ከም ዝነብሩ እዚ ከኣ ንመጠን እቶታውነት ምህርቲ ሕርሻ ከም ዝንክዮ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ነቲ ኣብ ከተማታት ዝነብር ህዝቢ ንምምጋብ ዓቢ ብደሆ ክኸውን ስለ ዝኽእል ምህርቲ ሓረስቶት ዘኻዕብት ውጥናት ስኢሉ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ሕጂ ኣብ ዩክረይንን ሩስያን ተኸሲቱ ዘሎ ኵናትን ኣብ ከም ኢትዮጵያን ካልኦት ከባቢታት ዓለም ዘሎ ውግእን ግን ንእቶታውነት ስለዘዳኽሞ እቲ ሻቕሎት መመሊሱ ከም ዝውስኽ እቲ ትካል ይገልጽ።

ብተወሳኺ “ ነብሲ ወከፍ ሃገር ዜጋታታ ናይ ምቕላብን ዝተመጣጠነ መኣዛዊ መግቢ ናይ ምቕራብን ሓላፍነትን ግዴታን ስለ ዘለዋ ኣበርቲዓ ክትሰርሕን ንጽንኩር እዋን ክትቅረብን ይግባእ” ክብል ኣብቲ ዘቕረቦ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ይምሕጸን።