ዶንባስ፡ ስለምንታይ እያ ሩስያ ንምብራቕ ዩክረይን ከተካብብ ትደሊ ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ኪቭ ድሕሪ ዘጋጠማ ተደጋጋሚ ፍሽለት፡ ወተሃደራታ ብምስሓብ ኣድህቦኣ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ትገብር ኣላ። ዶንባስ ናብ ዝተባህለ ዞባ ምስሓብ ከኣ ንዝተናውሐ-ኲናት ክኸውን ይኽእል'ዩ።
ቭላድሚር ፑቲን፡ ማእከል ኢንዱስትሪ ዩክረይን ዝነበረ ዞባ 'ናጻ ምግባር' ኣብ ዝብሎ ዕላማ፡ ድሌቱ እንታይ ነይሩ? ይከኣል ድዩ ኸ?
ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዩክረይን ሰብኣዊ ቕዝፈት ኣውሪዶም፣ ማሪዮፖል ዑና ገይሮምዋ፤ እንተዀነ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ዩክረይን ክስዕርዎ ኣይከኣሉን ዘለው።
ነዚ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዘነጻጸረ ሓድሽ መጥቃዕቲ ሩስያ ኣመልኪቱ፡ ፕረዚደንት ቮለድሚር ዘለንክሲ፡ "ንነፍስወከፍ ስድሪ መሬትና ክንቃለሰላ ኢና፡" ክብል ፈኪሩ'ሎ።
ዶንባስ ዩክረይን እንታይ እዩ?
ፕረዚደንት ፑቲን፡ 'ዶንባስ' ክብል እንከሎ ነቲ ቅድም ከሰልን ሓጺንን ዝፈርየሉ ዝነበረ ከባቢ እዩ ዘመልክት።
እዚ ኸኣ ነተን ክልተ ዓበይቲ ዞባታት ሉሃንስክን ዶነስክን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ብደቡብ ካብ ማሪዮፖል ክሳብ ሰሜናዊ ዶባት 'ታ ሃገር ይዝርጋሕ።
ሓይልታት ሩስያ፡ ንደቡባዊ ገማግም - ምዕራብ ዶነስክን ክሳብ ክረምያን ዝኸይድ ምድራዊ መራኸቢታት ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ ኸኣ፡ ኔቶ ይግምት።
"ኣብዚ እቲ ኣውራ ጉዳይ፡ እቲ ተዛራቢ ሩስያ ዝዀነ ክፋል ዩክረይን፡ ዝያዳ ሩስያውነት ይስምዖ ዝብል ገምጋም ሩስያ እዩ፡" ይብል ሳም ክራኒ-ኢቫንስ ካብ ኢንስቲትዩት 'ሮያል ዩናይትድ ሰርቪሰስ'።
ክኢላ ወተሃደራዊ ምክልኻል ዝዀነ ኮንራድ ሙዝይካ ብወገኑ፡ "ብርግጽ እዚ ዞባ ብሰፊሑ ተዛራቢ ሩስያ እዩ፣ ሕጂ ግን ደገፊ-ሩስያ ኣይኰነን። "ካብቲ ኣነ ክግንዘቦ ዝኽእል ንላዕሊ፡ ማሪዮፖል ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ደገፍቲ ሩስያ ዝነበራ ከተማታት ዩክረይን እያ ነይራ፡" ይብል ።
ሩስያ፡ 93 ሚእታዊት ካብ ሉሃንስክ፡ ከምኡ ድማ 54 ሚእታዊት ናይ ዶነስክ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ከም ዘእተወት ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። እንተዀነ ሩስያ ነዚ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ ዝተርፋ ብዙሕ እዩ፣ ብቐሊሉ ኣብ ቁጽጽር ክኣቱ ዘይክኣል ኣዝዩ ሰፊሕ ግዝኣት ድማ እዩ።
ፑቲን፡ ስለምንታይ እዩ ንዶንባስ ክቈጻጸሮ ዝደሊ?
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ 'ዩክረይን ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣታ ዓሌታዊ ጽንተት ፈጺማ' ክብል መሰረት ዘይብሉ ክሲ ብተደጋጋሚ ከቕርብ ተሰሚዑ እዩ።
እዚ ኲናት ክጅምር እንከሎ፡ ክልተ ኢድ ካብዚ ምብራቓዊ ዞባ ኣብ ትሕቲ ዩክረይን ነይሩ። ዝተረፈ ድማ ኣብ ትሕቲ'ቶም ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ብሩስያ እናተደገፉ ሕቶ ምንጻል ዘልዓሉ ሓይልታት ነይሩ።
ቀቅድሚ ምጅማር'ቲ ኲናት፡ ፑቲን ነዘን ክልተ ዞባታት ዩክረይን ከም ናጻ ግዝኣት ኣፍልጦ ከም ዝህብ ኣዊጁ። ሩስያ፡ ነዘን ክልተ ዓበይቲ ግዝኣታት ክትቈጻጸር እንተኽኢላ፡ እቲ ዝዓበየ ዓወት ፑቲን ካብዚ ኲናት ክኸውን እዩ።
ዝስዕብ ስጕምቲ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2014 ብሰፊሕ ዝተወገዘ ረፈረንደም ገይሩ ንክረምያ ዝለሓቐሉ ኣገባብ፡ ንዶንባስ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ከም ዝጽንበር ምግባር ከምዝኸውን ይግመት።
ነዚ፡ ቅድሚ 9 ግንቦት እንትፈጺምዎ ድማ፡ ኣብ መዓልቲ'ቲ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም 1945፡ ንናዚ ጀርመን ዝሰዓረሉ ዕለት ክጽንብሎ እዩ።
ብሩስያ ዝድገፍ መራሒ ሉሃንስክ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ህዝበ-ውሳነ [ረፈረንደም] ክግበር ምዃኑ ድሮ ተዛሪቡ እዩ። እዚ ግን ኣብ ዞባ-ኲናት፡ ድምጺታት ሰሪቕካ'ውን ዝከኣል ኣይመስልን።

ምንጪ ስእሊ, SERHIY HAIDAI/LUHANSK OVA
ስትራተጂ ፑቲን እንታይ እዩ?
ሓይልታት ሩስያ፡ ንሓይልታት ዩክረይን ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ'ታ ሃገር ከካብብዎም እዮም ዝሕልኑ ዘለው።
"ንምቍጽጻሩ ዘጸግም ኣዝዩ ሰፊሕ ግዝኣት እዩ። እቲ ዝተወሳሰበ መልክዓ-ምድሩ 'ውን ኣነኣኢስና ክንርእዮ ዘለና ኣይመስለንን፡" ይብል ፕሮፌሰር 'ጎንጽታትን ጸጥታን' ትሬሲ ጀርመን፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ለንደን።
ሓይልታት ሩስያ፡ ንሰሙናት ድሕሪ ዝተገብረ ውግእ፡ ነታ ኣብ ደቡባዊ ወሰናወስን ሩስያ እትርከብ ካልኣይቲ ዝዓበየት ከተማ ኻርኪቭ ክቈጻጸርዋ ኣይከኣሉን።
ኣብ መወዳእታኡ ግን፡ ነታ ምስ ተነጸልቲ ሓይልታት ንዝተቘጻጸርዎ ምብራቓዊ ሸነኽ ዩክረይን እተራኽብ ስትራተጅያዊት ከተማ ኢዝዩም ሒዞምዋ ኣለው።
ካልኣይቲ ዝዓበየት ዒላማ ድማ፡ ኣብ 2014 በቶም ብሩስያ ዝድገፉ ሓይልታት ዝተታሕዘት 125 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ስሎቭያንስክ እያ።
ኣሜሪካ ዝመደበሩ፡ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲታት ውግእ ከም ዝበሎ፡ ዩክሬናውያን ኣብ ስሎቭያንስክ እንተጸኒዖም፡ እቲ ንምቍጽጻር ክልቲኡ ዞባታት ዝዓለመ ወፍሪ ሩስያ ክፈሽል ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ።
ሓይልታት ሩስያ፡ ኣብተን ገና ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ዩክሬናውያን ዘለዋ ከተማታት ምብራቕ ጽዑቕ ደብዳብ የካይዱ ኣለው። ብሰንኩ ድማ ሓያለ ህንጻታት ዓንዩ፣ ሲቪል ሰባት'ውን ተቐቲሎም ኣለው።
ምቝጽጻር እዘን ከተማታት ከኣ ንገስጋስ ሓይልታት ሩስያ ከስፍሖ ዘኽእል ኣገዳስነት ከም ዘለዎ፡ ገምጋም እዚ ኢንስቲትዩት የመልክት።
ኣብዚ ወፍሪ፡ ሓይልታት ሩስያ ነቲ ብመሬት ጥራይ ዘይኰነ ብባቡር ዝግበር ዘሎ ቀረብ ዩክሬናውያን ንምብታኽ እዮም ዝፍትኑ ዘለው። ኣብዚ እዋን ኣብ ዩክረይን፡ ወተሃደራትን ከበድቲ ኣጽዋርን ንምንቅስቓስ ይዅን ሲቪላውያን ንምህዳም ብጽፈትን ብቕልጣፈን ዘገልግል ዘሎ መስመር ባቡር እዩ።
ነዚ መስመራት'ዚ ምቝጻር ማለት ከኣ፡ ንሩስያውያን ዓቢይ ዓወት ኰይኑ፡ ወተሃደራቶምን ቀረባቶምን ከመላልሱ'ውን ከኽእሎም እዩ።
ሲቪላውያን ሰባት፡ ቅድሚ ገስጋስ ሩስያ እዩ ዝሃድሙ ዘለው። "ክሳብ ዝተኻእለካ፡ ነብስኻን ስድራቤትካን ኣድሕን፡" ክብል ሰርሂይ ሃይዳይ ዝተባህለ ኣመሓዳሪ፡ ነቲ ብኣውቶቡሳትን ባቡራትን ዝሃድም ዝነበረ ህዝቢ ይምሕጸን። ህዝቢ ካብ ሩቢዝነን ፖፓስናን ንምውጻእ ኣውቶቡሳት ምርካብ ኣጸጋሚ እናዀነ ይመጽእ ምህላው ኸኣ ይዛረብ።
ክሳብ ሓሙስ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ባቡራት ካብ ስሎቭያንስክ ይንቀሳቐሳ ነይረን። እንተዀነ ናብ ኢዝዩም፡ ከምኡ'ውን ንሸነኽ ሰሜንን ንማሪዮፖልን ከምኡ ድማ ንመሪቶፖል ወገን ዝወስድ መስመራት ተበቲኹ'ሎ።
ብሰንኪ ደብዳብ፡ ስድራቤታ ገዲፋ ካብ ልይስቻንስክ ዝሃደመት ጓል 27 ዓመት ማርያና ኣጋፎኖቫ፡ "መንበሪ ኣባይትን ሆስፒታላትን የጥቅዑ ኣለው፣ መብራህትን መውዓዪን [ኤለክትሪክ] የለን፡" ትብል። ንሳ ብተወሳኺ፡ ሓይልታት ዩክረይን ኣብኡ ብብዝሒ ዓሪዶም ከምዘለው፡ "[እቲ ቦታ] ንሩስያውያን ኣሕሊፎም ኣይክህብዎን እዮም፡" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







