ኵናት ዩክረይን፡ ኣሽሓት ዩክሬናውያን ኣንጻር ወረርቶም ተቛውሞ ኣስሚዖም

Protest in Kherson, 5 March 2022

ነበርቲ ናይታ ኣብ ዩክረይን ዝዓበየት ወደባዊት ከተማ ኬርሶን ከተምኦም ብወረርቲ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ቁጽጽር ምእታዋ ብምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣስታት ክልተ ሽሕ ዝኾኑ ነበርቲ እታ ወደባዊት ከተማ ብማእኸል ከተማ ኬርሶን ሰንጢቖም ባንዴራ ዩክረይን እንዳበልበሉን ሃገራዊ መዝሙር ሃገሮም እንዳዘመሩን ክሓልፉ ተራእዮም።

እቶም ሰልፈኛታት “ሩስያውያን ናብ ዓድኹም ኪዱ” ን “ኬርሶን ናይ ዩክሬናውያን’ያ” ዝብሉ ጭርሖታት ዓው ኢሎም ጨሪሖም።

ኣብ ጸሊም ቃላይን ሩባ ዲነፐርን ኣዝያ ኣገዳሲት ወደባዊት ከተማ ኬርሶን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወተሃደራት ሩስያ ዝኣተወት ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን እዩ ነይሩ።

ወተሃደራት ሩስያ ንቶም ተቛወምቲ ንምብታን ጠያይቲ ናብ ሰማይ ከምዝተኮሱ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ምርኣይ ይከኣል።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ነባሪ እታ ከተማ የቭሀን እቲ ተቛውሞ ንናጽነትን ልኡላዊነትን ዩክረይን ዝተገበረ’ዩ ኢሉ።

ሓይልታት ዩክረይን ንኬርሶን መሊሶም ንምቁጽጻር ይቃለሱ ኣለዉ ድዮም? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ የቭሀን፡ “መዓልታዊ ለይቲ ለይቲ ካብ 6 ክሳብ 10 ነትጉታት ንሰምዕ ኢና። ናይ ሞርታር ድምጺ እዩ ዝመስል። መን ናብ መን ይትኩስ ከምዘሎ ግን ንፈልጦ ነገር የብልናን“ ኢሉ።

እቲ ነባሪ ኣስዒቡ “ወተሃደራት ሩስያ ደው ኣቢሎም መካይን ስለዝፍትሹ ናብ ደገ ንዘይምውጻእ ኢና ንጽዕር ዘሎና። ካልእስ ይትረፍ ንወተሃደራት ዩክረይን ትሕግዝ ከይትህሉ ኢሎም ቴሌፎናት ይፍትሹ።

ወተሃደራት ሩስያ ሽም ዝርዝር ናይቶም ክኣስርዎም ዝደልዩ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዩክረይን ከምዘለዎም ቢቢሲ ካብ ካልኦት ነበርቲ እታ ከተማ ኣረጋጊጹ’ዩ።

ሩስያ ንዩክረይን ወሪራ ካብ እትሕዛ ዓስራይ መዓልታ ዘቑጸረት ኮይና፡ ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ወተሃደራት ሩስያ ንዘለዋ ከተማታት ማርዩፖልን ቮልኖቫካን ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ምእንቲ ኮሪደራት ሰብኣዊ ሓገዝ ክፉት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ግን ሰበ ስልጣን ዩክረይን፡ ሩስያ ናብ ናይ ሰላም ገጻ ትምለስ ከምዘየላን መጥቃዕቲ ኣሐይላ ከምዝቐጸለትን እዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ሓይልታት ምክልኻል ሩስያ ብወገኑ “ዩክረይን ንዘተ ሰላም ድልውቲ ኮይና ስለዘይተረኸበት መጥቃዕቲ ከም ብሓድሽ ቀጺሉ’ዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሩስያ ወተሃደራዊ መንግስቲ ከምዘይተኣታቱ ዕላዊ ዝገበረ ኮይኑ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ዩክረይን በረራ ነፈርቲ ከይግበር ዝብል ውሳነ ከየጽድቓ ኣጠንቂቑ።

ወተሃደራት ሩስያ ንከተማ ማርዩፖል ምድብዳብ ከምዝቐጸሉ ዝሓበሩ ነበርቲ እታ ከተማ እዚ ዝኸውን ዘሎ ዕርቀ ሰላም ንምውራድ ተሰማሚዖም ኣብ ሰዓታት ውሽጢ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጾም።

“ሕዚ ኣብ ኣብ ጎደናታት ማርዩፖል እየ ዘለኹ፤ ኣብ 3ን 5ን ደቃይቕ ኣፈላላይ ድምጺ ከቢድ ብረት እሰምዕ ኣለኹ” ክብል ወዲ 44 ዓመት መሃንዲስ ኣሌክሳንደር ገሊጹ።

ማርዩፖል ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ስትራቴጂካዊት ከተማ ኮይና ብሕልፊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሩስያ ምእታዋ እቶም ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ዝርከቡ ተነጸልቲ ሓይልታት ናብ ሓይልታት ክሪሚያ ንኽጽምበሩ ዕድል በሪ ዝኸፍት እዩ።