ሰብመዚ ዩክረይን ሓንቲ ኣመሓዳሪት ምስ ኣባላት ስድራቤታ ብሰራዊት ሩስያ ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም

ስእሊ ስድራ ኦላህ፣ በዓል ቤታ ኢጎርን ወዳ ኦሌክሳንደርን

ምንጪ ስእሊ, Facebook

መግለጺ ስእሊ, ኦላህ፣ በዓል ቤታ ኢጎርን ወዳ ኦሌክሳንደርን

ሰራዊት ሩስያ፡ ንኣመሓዳሪት ሓንቲ ቁሸት ምስ ኣባላት ስድራቤታ ከም ዝቐተሉ ሰበ ስልጣን ዩክረይን ከሲሶም።

ብተወሳኺ ናይ ካልኦት ሓሙሽተ ሰላማውያን ሰባት ኣስከሬን ከም ዝረኸቡ ብምግላጽ፡ እዚ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ገበናት ኲናት ትፍጽም ከም ዘላ ዘመላኽት እዩ ኢሎም።

ወኪል ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ፡ ዮጊታ ሊማ ነቶም ክልቲኦም ፍጻመታት ዝተረኽበሎም ቦታትታት ተመልኪቱ ኣሎ።

እዚ ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቡቻ ዝተፈጸመ ዘስካሕኽሕ ተግባር እዩ።

ኣብ ትሕቲ ምድሪ፡ ሓደ ማእከል ህጻናት ዝነበረ ህንጻ ድማ፡ ሓሙሽተ ናይ ሰላማውያን ሰባት ዝተኸድኑ ሬሳታት፡ ኣእዳዎም ንድሕሪት ዕጽፍ ዕጽፍ ኢሉ ተረኺቡ።

ገሊኦም ኣብ ርእሶም ካልኦቶም ድማ ኣብ ኣፍ ልቦም ብጥይት ተሃሮሞም።

ዛጊድ መንነቶም እቶም ግዳያት እኳ እንተዘይተነጸረ፡ ሰብ ስልጣን ዩክረይን ግና፡ ብሓይልታት ሩስያ ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩን ዝተረሸኑን ከም ዝኾኑ እዮም ዝዛረቡ።

ሓደ ካብቶም ነቶም ሬሳታት ዘልዓሉ ውልቀሰባት ዝኾነ፡ "ብጥይት ተተኲሱ ክህረሙ እንከለዉ ሰሚዕና ኢና፤ ድማሚት ይመጽእ ይኸይድ ነይሩ። ካብኡ ኩላትና ዕድለኛታት ኮይንና ኢና ኣምሊጥና ኢና" ኢሉ።

ቭላድ፡ ሓደ ሰብኣይ እታ ማይ ክትእልሽ ናብ ጎደና ዝወጽአት ሰበይቱ እናጸውዐ እንትኸይድ ሽዑ ንሽዑ ድማ ክትኮስ ከም ዝሰምዐ ተዛሪቡ።

ጽንሕ ኢሉ እማ ክልቲኦም ስብኣይን ሰበይትን ሞይቶም ርእዩዎም።

"ብዙሓት ዝረእኽዎም ዛንታት ክነግረካ ምኸኣልኩ ግን፤ ኣይክእልን፤ ክርሰዖም እየ ዝደሊ" ኢሉ።

ካብኡ ብዙሕ እንከይረሓቐ፡ ሞቶይዢን ኣብ ዝተባህለት ቁሸት ድማ፡ ኣርባዕተ ኣስከሬን ኣብ ዕሙቕ ዝበሉ መቓብራት ተጋዲሞም ተረኺቦም።

ናይቶም ሰለስተ መንነት ተነጺሩ እዩ።

እታ ሓንቲ ጓል 51 ዓመት ኦልሃ ሱኼንኮ፡ ሰብኣያ ኢጎርን ወዲ 25 ወዳ ኦሌክሳንደርን እዮም።

ኦልሃ ናይታ ቁሸት ሓላፊት እያ ነይራ። ንሳን ስድራኣን፡ ንሓይልታት ዩክሬን ደጊፎም ተባሂሎም እዮም ተቐቲሎም ተባሂሉ'ዩ ዝጥርጠር።

ካብኡ ድማ ምስ ተቐትሉ፡ ኣብ ሓደ ኣጉናድ ዝበዝሖ ዕሙቕ ዝበለ ባይታ፡ ፍርቂ ነፍሶም ተቐቢሩ ይረአ።

ኦልሃ ኢዳ ናብ ደገ ወጺኡ ይረአ፤ ወዳ ድማ ገጹ ሓመድ ተሸፊኑ ይረአ።

ፕረዚደንት ዩክሬን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ነታ ቡቻ ዝተባህለት ቁሸት ትማሊ ሰኑይ በጺሕዋ ኣሎ።

"ኣብዚ እንታይ ከም ዝተገብረ ንዓለም ክነርእዮ ኢና። ሰራዊት ሩስያ እንታይ ከም ዝገበረ ረእዩ። እታ ፌዴሬሽን ሩስያ ኣብዛ ሰላማዊት ከተማ እንታይ ከም ዝፈጸመት ተመልከቱ። እዚኦም [ግዳያት] ኩሎም ሰላማውያን ሰባት እዮም" ኢሉ።

እንተኾነ ሕዚ'ውን ምስ ሩስያ ንምዝርራብ ድልዋት ምዃኖም ገሊጹ።

"ዩክረይን ሰላም እያ ትደሊ" ክብል'ውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብ ኲናት ብኸምዚ ክንነብር ኣይንኽእልን። መዓልታዊ ሰራዊትና ይዋጋእ እዩ ዘሎ። እንተኾነ ህይወት ሚልዮናት ክንስእን ኣይንደልን። ንዕኡ ኢና ልዝብ ንመርጽ"።

ከተማ ቡቻ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ከተማ ቡቻ ካልእ ግፍዕታት ኣሎ። ጃምላዊ ጋህሲ ተረኺቡ እዩ።

መቓብራት መሊኡ ፎቓዶ ሜዳ ዝተደርበየ ሬሳታታት ኣብ ሳተላይት ስእሊ ተራእዩ።

ገሊኦም ኣእዳዎም ንድሕሪት ኩርንኩሪት ተኣሲሮም እዮም ተቐቲሎም።

ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሮም፡ ኣብዛ ከተማ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ዘረጋግጹ፤ ኣዝዮም እሙናት መረዳእታት እናወጽኡ እዮም።

ከንቲባ ኣናቶሊ ፌዶሩክ ኣብታ ከተማ ብውሕዱ 300 ሰባት ተቐቲሎም ኢሉ። እንተኾነ ዛጊድ ብዝሒ መወትቲ ዝሕብር ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።

ሩስያ ግን ኣብ ከምዚ ዓይነት ገበናት ከም ዘይተሳተፈት ትገልጽ፤ ነቶም ምስልታት ድማ ዝተፈብረኩ ብማለት ትሓቃዊ ከም ዘይኮኑ ተገልጽ።

ናብታ ከተማ ዝወስድ ኣውራ ጎደና፡ ስብርባራትን ዝዓነዉን ታንክታት ሩስያ ብብዝሒ የረአይ።

ኣብ ኩለን ኣብተን ዛጊድ ኣብ ቁጽጽር ሓይልታት ረሱያ ዝርከባ ከተማታትን ገጠራትን ከምኡ ዓይነት ገበን ተፈጺሙ ከይኸውን እዩ ዝስጋእ።