ኲናት ዩክረይን፡ ኣንቶኒ ብሊንከን 'ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ክትዕወት ግድን እዩ' ኢሉ

ጸሓፊ ሚኒሰትር ጉዳያት ወጸኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሩስያ ኣብ መወዳእታ ብዩክረይን ክተሰዓር ምዃና ዘይተርፍ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እቲ ጎንጺ ንክንደይ ዝኣክል ግዜ ከዘልቕ ይኽእል ንዝብል ክዛረብ'ኳ እንተዘይከኣለ፤ ዩክረይን ኣብ መወዳእታ ከምእትዕወት ግና ገሊጹ።
ንሱ፡ ጽንዓት ህዝቢታት ዩክረይን ኣዝዩ ዝድነቕን ፍልይ ዝበለን ከምዝኾነ'ውን ንኢዱ።
"ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ዝርከብ መንግስቲ ኣሊኻ ካልእ መንግስቲ ንምቛም እንተኾይኑ ሃቀናኣ፤ 45 ሚልዮን ህዝቢ ዩክረይን ብዝተፈላለዩ መገድታት ምቅዋሞም ክቕጽሉ እዮም" ኢሉ።
ዛጊድ፡ እቲ ኲናት በቲ ፕረዚደንት ፑቲን ዝሓሰቦ ይኸይድ ከምዘየለ ድማ ኣብሪሁ።
ክሳብ ትማሊ ታስዓይ መዓልቲ እቲ ወራር፡ ካብ ሓይልታት ዩክረይን ከቢድ ናይ ምክልኻል ቃልሲ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ደቡባዊ ኣንፈት፡ ሓይልታት ሩስያ ጸሊም ባሕሪ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባብታት ገለ ከተማታት ገማግም ባሕሪ ዝተቆጻጸሩ ኾይኖም፡ ማሪዩፖል ዝተብሃለት ከተማ ድማ ኸቢቦምዋ ይርከቡ።
እንተኾነ፡ ኣማሓዳሪ እታ ከተማ፡ ሰራዊት ሩስያ ካብ ከባቢ እታ ከተማ ተደፊኦም ወጺኦም ኣለዉ ይብል።
ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ዩክረይን ዝኾነት፡ ሰሜናዊት ከተማ ኻርኪቭ ድማ ኣብ ዕጽዋ እያ ትርከብ።
ብሊንከን ካልእ እንታይ ኢሉ?
ሚስተር ብሊንከን፡ ምስ ኣውሮጳውያን መዘናታቱ ኣብ ከተማ ብረስለስ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ንጸብጻቢ ዲፕሎማሲ፡ ጋዜጠኛ ጄምስ ላንዳል እዩ ተዛሪብዎ።
ብሊንከን ኣብቲ ዞባ፡ ንሽድሽተ መዓልታት ዝጸንሕ መገሻ እዩ ዘካይድ ዘሎ።
ንሱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኲናት ዝጻሕተረ ፕረዚደንት ፑቲን ኣድላይ ዝበሃል ዘቐንዙ ጽዕንቶ ንምፍጣርን ዩክረይን ንምሕጋዝን ድልው ምዃኑ ተዛሪቡ።
ዩክረይን ኣብዚ ኲናት ክትስዕር ትኽእል ድያ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ድሕሪ ግዜ ዘይተርፍ እዩ" ኢሉ።
"እዚ ኲናት ክንደይ ዝኣክል ይጸንሕ ክዛረበካ ኣይክእልን። እንተኾነ፡ ሩስያ 45 ሚልዮን ህዝቢ ዩክረይን ክተምበርክኽን ኣይከኣላን። ዩክሬናውያን በርቲዖም ይቃለሱ እዮም ዘለዉ። እዚ ብዙሕ ነገር እዩ ዝነግረካ"።
ሚስተር ብሊንከን እቲ ኲናት እናገደደ ከይኸይድ ግን የሻቕሎ እዩ።
"እቲ ኲናት የገድስና እዩ፤ እቲ ሕዚ ኣብ ዩክረይን ተወሲኑ ዘሎ ኲናት ካብኡ ሓሊፉ'ውን ክቕጽል ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።"
ከምኡ ድማ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ከቢድ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ከምዘለዉን፡ ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ይኾኑ ከምዘለዉን ኣጠንቂቑ።
"ሕዚ ሩስያ ኣድላይ ዝበሃሉ ጥሕተ-ቅርጽታት ብምጥቃዕ፡ ንዩክሬናውያን ማይ፣ መብራህትን ሙቐትን እዮም ዝኸልእዎም ዘለዉ። እዞም መይላታት ብዝሐዝን መልክዑ፡ ብፕረዚደንት ፑቲን ኣብ እትምራሕ ሩስያ ዝተለምደ ኣገባብ እዩ። ከምኡ ምግባር ክቕጽልሉ እዮም ዝመስሉ" ድማ ኢሉ።
'ነዚ ወራር ንምቕልባስ፡ ኣብ ሞስኮ ናይ መሪሕነት ለውጢ ምግባር ዶ ይሕሰብ ይኸውን' ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ፡ "ከምኡ ምግባር ኣይንደልን። ናትና ግደ'ውን ኣይኮነን። መን ከምዝመርሖም ዝውስኑ ህዝብታት ሩስያ እዮም" ዝብል ምላሽ ሂቡ።
"ንህዝብታት ሩስያ ክብሎ ዝደሊ ግን፡ ወራር ምፍጻም በየናይ መለክዒ እዩ ረብሓታትካ ምስጓም ዝኸውን ዝብል ሕቶ እዩ"።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







