ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነፋሪት መገዲ ኣየር ዩክረይን ብሚሳይል ምህራማ ከም ዘኣምን ተዛሪቡ

ብረቡዕ ካብ ቴህራን ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ዝወደቐት ነፋሪት መጓዓዝያ ዩክረይን ብሚሳይል ኢራን ከም ዝተሃርመት መርትዖታት ከም ዘመላኽት መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ገሊጾም።
መራሕቲ ካናዳን ብሪጣንያን ኣብ ጉዳይ ምውዳቕ ናይታ 176 ገያሾ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ምሉእን ደቂቕን መርመራ ክካየድ ጸዊዖም።
ኢራን ግን እታ ነፋሪት ብሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ብዝተተኮሰ ሚሳይል ከም ዘይተሃረመት ትገልጽ።
እቲ ኽስተት ድሕሪ ሒደታ ሰዓታት እቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ክልተ መዓስከራት ኣሜሪካ ኣብ ኢራቕ ዘካየደቶ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ እዩ ኣጋጢሙ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ፡ እቲ ክስተት ዘጋጠመሉ ሰዓታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣሜሪካ ንግብረ መልሲ ትሸባሸብ ብምንባራ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢራን ናይ ኣሜረካ ነፋሪት ውግእ መሲልዎም ሃሪሞምዋ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጸብጺበን።
ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ሰብ-መዚ ስለያ ኣሜሪካ ብምጥቃስ ኣብ ናይ ራዳር ምስሊ፡ ናይ ክልተ ሚሳይል ሓጺር ድምጺ ድሕሪ ምስትብሃሉ ከይደንጎየ ናይ ምፍንጃር ድምጺ ከምዝተሰምዐ ይጠቅስ።
ድሕሪ እዚ ኒውስዊክ እውን፡ ናይ ፔንታጎንን ላዕለዎት ሰብ-መዚ ስለያ ኣሜሪካን ዒራቕን ብምጥቃስ፡ ኣብ በረራ ፒኤስ752 ዝነበረት ነፋሪት ዓለምለኻዊ መገዲ ኣየር ዩክረይን ኣብ ሩስያ ብዝተሰርሐ ሚሳይል ከምዝተሃርመት ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብወገኑ ብዛዕባ እቲ ነታ ነፋሪት ዘጋጠማ "ጥርጠራታት" ከም ዘለዎ ብሓሙስ ተዛሪቡ።
ኣሜሪካ ንላዕለዋይ ኢራናዊ ጀነራል ቃስም ሶሌማኒ ብ 3 ጥሪ ኣብ ኢራቕ ድሕሪ ምቕታላ ወጥሪ ተፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኢራን ነቲ ብዛዕባ እታ ነፋሪት ሓበሬታታት ዝኽዝን 'ብላክ ቦክስ' ናብቲ ነታ ነፋሪት ዘፍረየ ቦይንግ ኮነ ንኣሜረካ ከም ዘይትህብ ኣፍሊጣ።
እንተኸነ ግና ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ትካል ቦይንግ ኣብቲ ወግዓዊ መርመራ ክሳተፍ ዕድመ ኣቕሪብሉ ኣሎ።
ብመሰረት ግሎባዊ ሕጊ በረራ፡ ኢራን ነቲ መርመራ ናይ ምምራሕ መሰል ኣለዋ፤ ኣፍረይቲ ግና ብፍሉይ ይሳተፉ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ትሩዶ፡ እታ ነፋሪት ካብ መሬታ ናብ ኣየር ብዝተተኮሰ ሚሳይል ከም ዝተሃረመት ዘመላክት መረዳእታታት ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ከም ዝበጽሖን፡ ብጌጋ ዝተገብረ ክኸውን ከም ዝኽእልን ተዛሪቡ።
"እዚ ደቂቕ መርምራ ክካየድ ዝድርኽ እዩ" ድሕሪ ምባል፡ ካናዳውያን መልሲ ዝጠልቡሉ ሕቶታት ከም ዘለዎም ሓቢሩ።
እንተኾነ ግና ናብ ዝኾነ መደምደምታ ንምብጻሕ ጌና ከም ዝኾነ ገሊጹ።
ኣብታ ነፋሪት ካብ ዝነበሩ 176 ገያሾ፡ እቶም 63 ካናዳውያን እዮም ነይሮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







