ኣብ ኢትዮጵያ፡ ናህሪ ዋጋ ሃለኽቲ ሻቕሎት ፈጢሩ

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ሓፈሻዊ ናብራን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብተደጋጋሚ ክልዓል ይስማዕ እዩ።
ሓለፍቲ መንግስቲ፡ ዝምልከቶም ኣካላትን መንግስታውያን ኣብያተ ጽሕፈትን እውን፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ብምቕባል፡ ንምፍትሖም ይሕግዙ እዮም ዝበልዎም መፍትሒ ሓሳባት ክዛረቡ ይስምዑ እዮም።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ናይ 2011 ዓ/ም ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብማዕርግ ምክትል ኣማሓዳሪን (ከንቲባ) ሓላፊ ቢሮ ንግድን ኢንዱስትርን ዝኾነ ኢንጂነር እንዳወቅ ኣብጤ፡ ኣብ ናውቲ ህንጻ፡ ኣእካል፡ ኣብ ጥረምረን ኣሕምልትን ወሰኽ ዋጋ ከም ዝተረኣየ ሓቢሩ።
ነዚ ጸገም ከም መፍትሒ፡ ነቲ ጸገም ኣጋዲዶም ንዝበሎም ዘይሕጋውያን ነጋዶ ናብ ሕጋዊ መስመር ንምምጻእን፡ ነቶም ፍቃደኛታት ዘይኮኑ ድማ ንዐኦም ዝከታታል ሓይሊ ዕማም ተመዲቡ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ተዛሪቡ።
ከምኡ'ውን ነዚ ጸግም ካብ ስሩ ንምእላይ ኣብ መስርሕ ቀረብ ምትዕርራይ ንኽግበር ምምሕዳር ከተማ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።
እንተኾነ ክረምቲ ምስ ኣተወ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ክንዲ ዝጎድል ብዕጽፍታት ክውስኽ እዩ ተራእዩ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተራእየ ወሰኽ ሃለኽቲ ነገራት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።
ኣብ ሃለኽቲ ነገራት ዝረአ ወሰኽ ዋጋ፡ ብቐጥታ ኣብ ህይወቶም ጽልዋ ካብ ዝገበረሎም ብዙሓት፡ ብማእከላይ ኣታዊ ዝናበር ወዲ ኣርብዓ ዓመት ጋሹ መርከቡ ሓደ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝነብር ጋሹ፡ ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት መራሒ ታክሲ ኮይኑ ስድርኡ ክኣሊ ጸኒሑ።
ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን "ኣብ ሃለኽቲ ነገራት ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ፡ ንናብራይ ሰንከልከል ኣቢልዎ" ይብል።
"ኣብ ሃለኽቲ ነገራት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ መዓልታዊ ዝከታተሎ ነገር እዩ፡ ታክሲ ዘዊረ ብዝረኽበን ሰልዲ ዋላ ሓንቲ ክገዝእ ኣይክእልን ዘለኹ" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ናይ ደቀይ ናይ ትምህርቲ ክፍሊትን ኣብ ኣእካል ዘሎ ወሰኽ ዋጋን ናብ ተስፋ ምቑራጽ ገጹ'ዩ ዘምርሓና ዘሎ" ይብል ጋሹ።
ሰፊኑ ዘሎ ፍርሒ
ጋሹ ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑ እዩ። እታ ቦኽሪ ጓሉ ተምሃሪት ሻዱሻይ ኮይና፡ እቶም ሰለስተ ንኣሽቱ ደቁ ድማ ኣብ መዋእለ ህጻናትን መባእታን ይምሃሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንደቁ ኣብ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ'ዩ ዘምህሮም ነይሩ። ሕጂ እቲ ክፍሊት ናይ ትምህርቲ ብምውሳኹ ንደቁ ክኸፍለሎም ስለዘይከኣለ፡ ንሓንቲ ጓሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ መንግስቲ፡ እቶም ዝተረፉ ከኣ ብውሑድ ክፍሊት ብድጎማ ገበርቲ ሰናይ ኣብ እተምህር ቤት ትምህርቲ ኣእትይዎም ይርከብ። ንነብሲ ወከፍ ደቁ ከኣ ወርሓዊ 300 ብር ይኸፍል።
ኣብዚ ሕጂ ሓንቲ ጓሉ ጥራይ እያ ኣብ ናይ ውልቀ ቤት ትምህርቲ ትምሃር ዘላ። ንዓኣ ኸኣ ንዓመት ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ብር ይኸፍለላ።
ነዚ ክፍሊት እዚ፡ ናውቲ ትምህርቲ፡ ናይ ቤት ትምህርቲ ክዳን፡ ናይ መግቢ ምስ ተደመሮ "ርእስኻ'ዩ ዘሕምም" ይብል ጋሹ።
ኣብ ልዕሊ እዚ ዋጋ ክራይ ገዛ ምስ ተወሰኾ "ህይወትና ንምድሓ ኢና ንሰርሕ ዘለና'ምብር ንነብር ኣለና ክብሃል ኣይክኣልን'ዩ" ይብል።
ልዕሊ እዚ ሕጂ ዝነብሮ ዘሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ክሓስብ እንከሎ ዝያዳ ከምዝፈርሕ ዝሕብር ጋሹ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት በዚ ዘለዎ እንተቐጺሉ፡ ንደቁ ከምህረሉ ዝኽእል ዓቕሚ'ውን ከምዝጽንቀቕ ስግኣቱ ይጠቅስ።
ጋሹ፡ ንዕኡን ንኸምዚ ከምኡ ምስ ናበራ ዝቆራቖሱ ዘለዉ፡ ፖሎቲካውያን ሓለፍቲ ኣቓልቦ ከምዝነፈግዎም'ዩ ዝዛረብ።
"ፖሎቲካውያን ሓለፍቲ፡ ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ንነብሶም ንሽሞምን ንምድልዳል እንተ ዘይኮይኑ፡ ጉዳይ ድኽነት ኣልዒሎም ልብኻ ብዝትንክፍ ዘረባ ኪኖ ምልዓል ናብ ፍታሕ ዝቐረበ ተግባራት ኣይገብሩን እዮም፡ ጉዳያቶም ከሳልጡ እንተዘይኮይኑ፡ ንትርግታ ልቢ ድኻታት ዝርዳእ፡ ንጸገምና ዘንብብ፡ ብዛዕባ ኣብ ሽጉርቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዘልዕል የለን" ይብል።
ምስ ናይ ጋሹ ሓሳብ ብዝመሳሰል፡ ክኢላን ተንታኒ ስነቁጠባን ኣሚን ዓብደላ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ መድረኻት፡ ናይ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ከም ኣጀንዳ ክልዓል ዘይምስምዑ ከምዘገርሞ እዩ ዝዛረብ።
"ምርጫ ይሃሉ ኣይሃሉ ብዘየገድስ፡ ንዝኾነ መንግስቲ ኣብ 'ማክሮ-ኢኮኖሚ' ፈተንቲ ዝኾና ክልተ ነገራት ኣለዋ፡ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ሽቕለት ኣልቦነትን።"
ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ሽቕለት ኣልቦነትን ምቁጽጻር ንሓንቲ ሃገር ኣብ ምርግጋእን መጠነ ናብራ ዜጋታታ ኣብ ምብራኽ ወሰንቲ ረቋሒታት ከምዝኾኑ ዝሕብር ኢኢላን ተንታኒ ስነቁጠባን ኣሚን ዓብደላ፡ ብዛዕባ እዚ ዘተ ዘይምግባሩን መፍትሒ ሓሳባት ዘይምቕራቡን "እቲ ቀንዲ ነገር ዝተረሰዐ ይመስል" ይብል።

ሕጽረት ቀረብ
ክኢላን ተንታኒ ስነቁጠባን ኣሚን ዓብደላ፡ ናህሪ ወሰኽ ዋጋታት ይረአ ከምዘሎ እኹል ሓበሬታ ከም ዘሎ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2011 ዓ/ም ኣብ ወርሒ ሓምለ ወሰክ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት፡ ልዕሊ 15% ሚእታዊት ከምዝነበረ ይዛረብ። ከምኡ እውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ 18% ሚእታዊት ክብ ኢሉ ከም ዝነበረ ይጠቅስ።
እዚ ወሰኽ እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ፡ እቲ ዝልዓለ ከምዝኾነ ኣሚን ዓብደላ ይሕብር።
ነዚ ሚእታዊት ክብ ንኽብል እቲ ኣብ ኣእካል ዝተራእየ ወሰኽ ዋጋ ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮ ይሕበር።
ነዚ ምኽንያት ከኣ እቲ ብብዝሒ ኣእካል ዝፈርየሉ ከባቢታት፡ ናይ ጸጥታ ጸገም ስለዝነበሮ እኹል ፍረ ከምዘይተረኽበን፡ እንተተረኽበ እውን ናብ ዕዳጋ ንኽበጽሕ፡ ናይ ምጉዕዓዝ ጸገማት ምንባሩ፡ ናብ ዝድለ ቦታ ኣብ ዝድለ ግዜ ዘይምብጽሑ ምንባሩ ይጠቅስ።
ኪኢላን ተንታኒ ስነቁጠባን ኣሚን ዓብደላ፡ ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ ክልተ ነገራት ክግበሩ ከምዘለዎም እዩ ዝምዕድ "ኣብ ቀረብን ጠለብን ምትዕርራይ ምግባር የድሊ'ሎ" ይብል።
"ኣብ ጉዳይ ቀረብ ወጻኢታት መንግስቲ ክንኪ ተራእዩ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተገበረ ወሰኽ ስለዘየለ፡ እቲ ናብ ዕዳጋ ዝዝርጋሕ ዘሎ ባጤራ ዝነከየ ይመስል፡ እዚ እንተ ዘይኮይኑ ኣብ ቀረብ ለውጢ ዘሎ ኣይመስልን" ክብል ይዛረብ።
ቀረብ እኹል ዘይምህላዉ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ከምዝውስኸ ዝዛረቡ ሰባት እኳ እንተሃለዉ፡ ኣቶ ኣሚን ዓብደላ ግን ኣብ ቀረብን ጠለብን ዘሎ ሰንሰለት ጸገም ከም ዘለዎ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ቀረብ ንበይኑ ጸገም ከምዘየለ እዩ ዝሕብር።
"ሓረስታይ ዘራእቱ ሸይጡ ዝረኽቦ ዋጋን፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ናብ ኣህላኺ ክበጽሕ ከሎ ዘለዎ ዋጋን ሰማይን ምድርን እዩ። ሓረስታይ ካብ ሓደ ኪሎ ባናና ዝሸጠሉ ዋጋን፡ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ዋጋ ኪሎ ባናናን ሰፊሕ ጋግ እዩ ዘለዎ" ይብል።
"ኣብ ሞንጎ እዚ፡ ናይ ደላሎ፡ ናይ መጓዓዝያ፡ ናይ ክራይ ካልእን ዘሎ ዋጋ እቲ ዝዓበየ ሬሾ ዝወስድ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ዕዳጋ ሰንሰለት ስርዓት እንተዘይሒዙን፡ ምውሳኽ ዋጋ ሃለኽቲ ዘይተርፍ'ዩ" ይብል ኣሚን ዓብደላ።
ካብ ደገ ዝመጽእ ነገራት ዋግኡ ንምቁጽጻር፡ ናይ ቀረብ ውድድር ንክህሉ ባይታ ምጥጣሕ ተመራጺ ምዃኑ ብምሕባር፡ ካብ ደገ ንብረት ዘምጽኡ ትካላትን ውልቀሰባትን ውሑዳት ምዃኖም ኣብ ዋጋ ናህሪ ክረአ ምኽንያት ከምዝኾነ ይትንትን።
ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ንብረት ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክኽሰት'ውን ከምዝኽል ብምሕባር፡ እዚ ሕጂ ተራእዩ ዘሎ መጠን ወሰኽ ግን ብሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ጥራይ ክመኻነ ከምዘይክእል ይሕብር።
ኣቶ ኣሚን ዓብደላ፡ እዚ ልዑል መጠን ወሰኽ ዋጋ ከምቲ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ዝውሃቦ ኣተኩሮ ብምዝማድ፡ ትሑት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "እዚ ኩሉ እናተራእየ፡ ክሳብ መዓስ'ዩ ሸለል ክብሃል ኣይርድኣንን'ዩ"ብምባል የማርር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







