ኣሜሪካዊ ትካል ምምስራሕ መግቢ ብሓጺን ምብካሉ ንዝጠርጠሮ ስጋ ደርሆ ካብ ዕዳጋ ይስሕብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሚልዮናት ኪሎ ግራም ዝምዘን ስጋ ደርሆ ብሓጺን ምብካሉ ስለ ዝተጠርጠረ፡ ካብ ዕዳጋ ይስሓብ ኣሎ።
ታይሰን ፉድስ ዝተብሃለ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ መግቢ ዝምስርሕ ትካል፡ 5 ነጥቢ 3 ሚልዮን ኪሎ ግራም፡ ዝበረደ ስጋ ደርሆ፡ ካብ ዕዳጋ ይስሕብ ኣሎ።
ሽዱሽተ ሰባት፡ ኣብዚ ፍርያት ሓጺን ምርካቦም ክጠርዑ ከለው፡ እቶም ሰለስተ ኣፎም ምቁሳሉ ገሊጾም።
ትካል ታይሰን ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ልዕሊ 16 ሸሕ ኪሎ ግራም ስጋ ደርሆ ብጎማ ምብካሉ ብምስጋእ፡ ካብ ዕዳጋ ከም ዝሰሓበ ይዝከር።
እቲ ንብልዒ ድልው ኮይኑ ናብ ዕዳጋ ዝቐርብ ፍርያት፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከብ ምዃኑ ተገሊጹ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ገለ ክፋል ናይ'ዚ ካብ ዕዳጋ ተሳሒቡ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክፍሊ ሕርሻ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣገልግሎት ምቁጽጻርን ድሕነትን መግቢ፡ ገዚፍ መጠን እቲ ፍርያት ክስሓብ ምዃኑ ብቐዳም ኣፍሊጡ።
እቲ ምስሓብ ሕጹጽ ኮይኑ፡ ምጥቃም እቲ ፍርያት ናብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል'ውን ኤንቢሲ ዝተብሃለ ሚድያ ጸብጺቡ።
እቲ ስጋ ደርሆ ካብ 1 ጥቅምቲ 2019 ክሳብ 7 መጋቢት 2020 ክብላዕ ዝጠልብ ሓበሬታ ዘለዎ ኮይኑ፡ ከም 'ፉድ ላየን'፡ 'ቤስት ቾይስ' ከምኡውን 'ግሬት ቫልዩ' ብዝተብሃሉ ብኻልኦት ሕላገታት 'ውን ዝሽየጥ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







