ኣብ መረቕ ዝሞተት ኣንጭዋ ዘቕረበ ቤት መግቢ ንኽሳራ 190 ሚልዮን ተሳጢሑ

ምንጪ ስእሊ, Weibo
ሓደ ህቡብ ናይ ቻይና ቤት መግቢ፡ ንሓንቲ ጥንስቲ ዓሚሉ ኣብ ዘቕረቦ ወዑይ መረቕ ዝሞተት ኣንጭዋ ድሕሪ ምርካቡ፡ ኣብ ዕዳጋ ብዝነበሮ ዋጋ እንትትመን ንኽሳራ 190 ሚልዮን ዶላር ተሳጢሑ።
ነዚ ተጓንፎ ዘርኢ ስእሊ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ እዚ ዢያቡ ዢያቡ ዝበሃል መረቕ ቻይናውያን ዘቕርብ ቤት መግቢ፡ ኣብ ዕዳጋ ዝነበሮ ዋጋ ናብ ዝተሓተ ብርኪ ክወርድ ክኢሉ።
እዚ ቤት መግቢ ንግዚኡ ክዕፀ ተገይሩ'ሎ።
ሓሙሽተ ሽሕ የን (729 ዶላር) ከም ካሕሳ ነታ ዓሚል ክኸፍል እየ ከምዝበለ 'ውን ተገሊፁ።
እንተኾነ ግን በዓል ቤት ናይታ ጥንስቲ ሰበይቲ፡ ቅድሚ መጠን ካሕሳ ምውሳኑ፡ በዓልቲ ቤቱ ሙሉእ መርመራ ጥዕና ክትገብር ምዃና ብምግላፅ ነቲ ካሕሳ ነፂግዎ።
እዛ ጥንስቲ፡ ካብቲ ዝቐረበላ ትኩስ መረቕ ቁሩብ ምስሰተየትሉ ነይሩ ነታ ዝሞተት ኣንጭዋ ዝረኸበት።
እዚ ስእሊ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ቻይናውያን (ዊይቦ) ምስተዘርገሐ፡ ብዙሓት ከምዝተፀየፉን ከምዝተቖጥዑን ገሊፆም።

ምንጪ ስእሊ, Weibo
"ከምልሰኒ ደልዩ። ድሕሪ ሕዚ መረቕ ቻይናውያን ኣብ ቤት መግቢ ኣይክበልዕን'የ" ኢሉ ሓደ ተጠቃሚ ማሕበራዊ መራኸቢ።
ካልእ ድማ "ዢያቡ ዝፈትዎ ቤት መግቢ እዩ ነይሩ፡ ፅሩያት 'ውን እዮም ዝመስሉኒ ነይሮም ... ክኣምን ኣይከኣልኡክን"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







