ጎረባብታ ስጋ ከይጠብሱ ብሕጊ ደው ከተብል ዝፈተነት ኣውስትራልያዊት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ንጎረቤታ ናብ ሕጊ ብምቕራብ ካብ ምጥቃም ሱላ [ባርቢኪው] ከተእግድ ከም ዝፈተነት ተገሊጹ።
እታ ሲላ ካርደን ዝተብሃለት ተቐማጢት ፐርዝ፡ ጎረባብታ ብትክን ብድምጽን ንሕጊ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝጠሓሱ ብምኽሳስ፡ ብሕጋዊ መንገዲ መዕለቢ ንምግባር ፈቲና።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ዞባ ግና እቲ ጥርዓን ዘይምኽኑይን መርትዖ ዘይብሉን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነጺግዎ።
ካርደን፡ ንካልእ ጎረቤታ'ውን ድምቀት ናይ ኣፍደገ መብራህቱ ከጉድልን ንእንስሳታቱ ስቕ ከብልን ዝብል ጥርዓን ኣቕሪባ ነይራ።
ንሳ፡ ሃንገፍ ብዝብል ጨና ሽጋራን ዝጥበስ ስጋን ከም ዝተበሳጨወት ትገልጽ።
ስጋ ከም ዘይትበልዕ እትገልጽ ካርደን፡ ነቲ ናይ ስጋ መጥበሲ [ባርቢኪው] "ኮነ ኢሎም ዓሳ ከጭንውኒ'ዮም ኣብኡ ኣቐሚጠምዎ" ክትብል 'ናይን ኒውስ' ንዝተባህለ መደበር ቴለቪዥን ተዛሪባ።
መጋባእያ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ብለካቲት ዝቐረበሉ ጠለብ ነጺግዎ ኣሎ።
ካርደን ግና ካልእ ሕጋዊ ስጉምቲ ከም እትወስድ ንመራኸቢ ብዙሓን ኣውስትራልያ ተዛሪባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







