ካብ ስጋ ደማሙ 'ሳምቡሳ' እናሰርሐ ዝሸጠ ተፈሪድዎ

ድሙ

ምንጪ ስእሊ, ANADOLU AGENCY

እዚ ኬንያዊ ድሙ እናጠብሐ ምስተትሓዘ ብግብሩ ዝተቆጥዑ ሰባት ቀጥቂጦም ክቐትልዎ ፈቲኖም ነይሮም፤ እንተኾነ ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ።

እዚ ጄምስ ኪማኒ ዝበሃል ሰብ፡ ደማሙ እናሓረደ ንዘይጥርጥርዎ ዓማዊሉ ክሸይጥ ምፅንሑ ድሕሪ ምእማኑ ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪድዎ ኣሎ።

ነቲ ናይ ቤት ፍርዲ ከይዲ ክከታተል ዝፀንሐ ጋዜጣ ዴይሊ ኔሽን፡ ጄሚስ ኪማኒ ደማሙ ምሕራዱን ስጋ ድሙ ብምሻጡን ገበነኛ ምዃኑ ኣሚኑ፤ ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ድማ ተፈሪድዎ ክብል ፅሒፉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ቅድሚ ምእታዉ፤ ብግብሩ ዝተቆጥዑ ሰባት ፖሊስ መፂኡ ክሳብ ዘድሕኖ ቀጥቂጦምዎ እዮም።

ጄምስ ኪማኒ ንሸውዓተ ዓመታት ስጋ ድሙ ኣብ ምሻጥ ተዋፊሩ ከምዝነበረ ተዛሪቡ፤ ነቲ ንሱ ዝሸጦ ስጋ ድማ ሳምቡሳ ዝሰርሑ ሰባት ብዘይፍላጥ ይዕድግዎ ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ብመሰረት ሕጊ ኬንያ፤ ስጋ ድሙ ንሰብ ምቕራብ ክልኩል እዩ።

ዋላኳ ስጋ ድሙ ንምግብነት ምውዓል ኣብ ኬንያ ቅቡል ዘይኮነን ከም ነውሪ ዝረአን እንተኾነ፤ ኣብ ገላ ሃገራት ግን ምቁር መግቢ እዩ።

ኣብ ክፋላት ምዕራብ ኣፍሪካ ደማሙ ንመግብነት ይውዕላ እየን።

ኣብ ቻይና፣ ቬትናምን ቻይናን እውን ስጋ ድሙ ንርእሱ ክኢሉ ከምኡ ድማ ምስ ካልእ ስጋ ተሓዊሱ ከም መመቀሪ ንምግብነት ክውእል ምግባር ልሙድ እዩ።