ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ዘጋጠመ ዝምታ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ተኣሲሮም

ደቡብ ኣፍሪቃ ናዕበኛታት ካብ ፖሊስ ካብ ዝተተኮሰሎም ዘንብዕ ጋዝ ይሃድሙ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ጆሃንስበርግ፡ ናዕበኛታት ናይ ወጻእተኛታት ድኳናት ድሕሪ ምዝማቶምን መካይን ምቅጻሎምን፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ።

ብሰኑይ፡ ፖሊስ ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትኪን፡ ናይ ፕላስቲክ ጠያይትን ተኲሱ።

መብዛሕቲኡ እቲ ድኳናት ብወጻእተኛታት ዝውነን ምዃኑ ይግለጽ።

ሚኒስተር ፖሊስ እታ ሃገር፡ በከ ሴለ ብዛዕባ እቲ 'ትርጉም ኣልቦ' ዝበሎ ጎንጺ ከብርህ ከሎ "[እቶም ናዕበኛታት] ጽልኢ ወጻእተኛታት ከም መመኽነይታ" ይጥቀሙ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ መንጎ ደቡብ ኣፍሪቃውያንን ወጻእተኛታትን ዝተልዓለ ጎንጺ ከም ዘይነበረ ሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይጀርያ ጂኦፍረይ ኦንዬማ ግና "ኣእምሮ ዘይብሎም ገበነኛታት" ንትካላት ናይጀርያውያን ዕላማ ከም ዝገበሩ ብምግላጽ፡ "ደምዳሚ ስጉምቲ" ከም ዝወስድ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ተኻይዱ እዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ከተማ ደርባን ብወጻእተኛታት ንዝውነኑ ድኳናት ዕላማ ብዝገበረ ናዕቢ ሰለስተ ሰባት ምምዋቶም ይዝከር።

እዚ ናይ ሕጂ ናዕቢ፡ ሓደ ኣብ ማእከል ጆሃንስበርግ ዝርከብ ህንጻ ብምቅጻሉን ብምፍራሱን ሰለስተ ሰባት ድሕሪ ምምዋቶምን እዩ ብሰንበት ክውላዕ ክኢሉ። ብሰኑይ ድማ እቲ ናዕቢ ናብ ካልእ ከባቢታት ተላቢዑ።

ብውሕዱ 41 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ፖሊስ ሓቢሩ።