ዋጋ ነዳዲ ዓለም ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ልዑል ወሰኽ ኣርእዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራት ስዑድ ዓረብን ሩስያን መጠን ዘፍርይኦ ነዳዲ ንክውስኻ ካብ ኣሜሪካ ዝቐረበለን ሕቶ ውድቂ ምግባረን ስዒቡ፡ ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ልዑል ወሰኽ ኣርእዩ።
ዋጋ ሓደ በርሚል ድፍድፍ ነዳዲ 81 ነጥቢ ሽድሽተ ዶላር ዝበፅሐ እንትኸውን፡ እዚ ዋጋ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተርኣየ ልዑል ወሰኽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ንማሕበር ሃገራት ለኣኽቲ ነዳዲ (ኦፔክ) እትመርሕ ስዑድ ዓረብ እንትትኸውን ፡ ሩስያ ድማ ካብዚ ማሕበር ወፃኢ ዘላ ቀንዲ ነዳዲ እተፍርይ ሃገር እያ።
ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ኣልጀርስ ተራኺበን፡ ብዛዕባ ዓለም ለኸ ቀረብ ነዳዲን ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዛዕባ ዘንበረቶ ማዕቐብን ዘትየን።
ይኹን እምበር ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ተወሳኺ ፍርያት ነዳዲ ዝምልከት ኣብ ዕላዊ ስምምዕነት እንከይበፅሓ'የን እቲ ዘተ ተኸምቢቱ።
ሚኒስትር ኢነርጂ ስዑድ ዓረብ ሃሊድ ኣል-ፋሊህ ኣብ ኣልጀርስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኣብዚ ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ዋላ ሓደ ፅዕንቶ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም።
ማሕበር ሃገራት ኣፍረይቲን ለኣኽትን ነዳዲ፡ ካልኦት ኣፍረይቲ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ልዕሊ ዘቕርብኦ ብዝሒ ኣብ መዓልቲ ፍርያተን ብ500 ሽሕ በርሚል ክብ ከምዘብልኦ ዘትየን ከምዝነበራ ሮይተርስ ፀብፂቡ።
ዓደግቲ ነዳዲ፡ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሕዳር ተግባራዊ ዝኸውን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተነበረ ማዕቐብ ብምጥሓስ ከጋጥመን ንዝኽእል ብድሆ ብምስጋእ ካብ ኢራን ምርሓቐን ድማ፡ መሸጣ ድፍድፍ ነዳዲ ኣመና ከምዝነከየ ተገሊፁ።
እዚ ስግኣት ድማ ዋጋ ድፍድፍ ነዳዲ ሰማይ ሰቒልዎ'ሎ። ተሳተፍቲ እዚ ንግዲ ዘፈር እውን፡ ኣብ ቀፀልቲ ኣዋርሕ ዋጋ ሓደ ብርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር ክበፅሕ ከምዝኽእል ይትንብዩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትዊተሮም ከምዝገለፅዎ፡ ፍርያት ነዳዲ ዓለም ብምውሳኽ '' ኦፔክ ዋጋ ነዳዲ ሕዚ ክንኪ ይግባእ'' ኢሎም ነይሮም።
''ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ንሕና ኢና ንሕልወን'' ዝበሉ ትራምፕ፡ '' ንሕና ኣብ ጎነን እንተዘይንኸውን ድሕንነተን ኣይሕለውን ነይሩ። ይኹን'ምበር ሕዚ እውን ካብ ነዳዲ ልዑል ኣታዊ ንምርካብ ዋጋ ነዳዲ እናወሰኽኦ እየን፤ ንሕና እውን እዚ ኣይንርስዖን'' ኢሎም።
ሚኒስትር ነዳዲ ኢራን ቢጃን ዛንጋኒህ ብወገኖም፡ መልእኽቲ ትራምፕ ድሕሪ ምርኣይ፡''እዚ ፈተውቲ ኣሜሪካ ንዝኾና ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዓብይ ፀርፊ እዩ'' ክብሉ ግብረ ምልሲ ሂቦም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







