"ነቲ ነዳዲ ናይ ምውፃእ ስራሕ ደው ንምባል ዝከኣለና ክንገብር ኢና" ግንባር ሓርነት ኦጋዴን

ወተሃደራት ግንባር ሓርነት ኦጋዴን

ምንጪ ስእሊ, Jonathan Alpeyrie

ትማሊ ሓሙስ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሶማል ንፈተነ ነዳዲ ክተውፅእ ድሕሪ ምጅማራ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ነቲ ተግባር ከምዝቃወሞ ገሊፁ።

ነቲ ነዳዲ ናይ ምውፃእ ስራሕ ደው ንምባል ዝከኣሎ ከምዝሰርሕ'ውን ወሃቢ ቃል እቲ ግንባር ዓብዱልቃድር ሓሳን ኣዳኒ ንቢቢሲ ኣገልግሎት ቋንቋ ሶማልኛ ገሊፁ።

''ህዝቢ ክልል ሶማል ናፅነት መሰል ርእሰ ውሳነ ክሳብ ዘይረኸበን ንነዊሕ እዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝፀንሐ ዘይምርድዳእ ፍታሕ ክሳብ ዘይረኸበን፤ እቲ ነዳዲ ናይ ምውፃእ ስራሕ ሃብቲ ህዝቢ ብዘይኣገባብ ከም ምጥቃም እዩ ዝቑፀር" ኢሉ።

ኣካል ፖለቲካን ቁጠባን ኢትዮጵያ ኣይኮንናን፤ ዝኾነ ዓይነት ባህላዊ ርክብ የብልናን። ስለዝኾነ ድማ ሃብትን መሬትን ሶማል ንረብሓ ካልኦት ምውዓል ዘይንቕበሎ እዩ ክብል ድማ ቅዋሙ ገሊፁ።

''መሬትና ብሓይሊ ተወሲዱ እዩ፤ ንዕኡ ንምምላስን ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ነዳዲ ናይ ምውፃእ ስራሕ ደው ንምባልን ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ኢና። ምኽንያቱ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሃብቲ ንህዝቢ እቲ ክልል ጥራሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ፤ ማንም ክጥቀመሉ ኣይክእልን'ዩ" ኢሉ እቲ ወሃቢ ቃል።

እቲ ግንባር ዋላኳ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተዘይተዘራረበ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንኹሎም ሓይልታት ዘቅረብዎ መፀዋዕታ ግን ብእወንታ ከምዝሪኦ ገሊፁ እዩ።

እቲ ግንባር ኣብ ኤርትራ ዝንቀሳቐስ እንትኸውን፤ መንግስቲ ኤርትራ ንዓመፅቲ ድጋፍ ይህብ እዩ ብምባል ኢትዮጵያ ክትከስስ ፀኒሓ እያ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንግንባር ሓርነት ኦጋዴን ከም ኣሸባሪ በይንዎ እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝፈትሖም እሱራት ፖለቲካ ኣመራርሓ ናይቲ ግንባር ይርከብዎ።

ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ ካብ 1976 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ርእሰ ምሕደራ ሶማል ክህሉ ኣለዎ ኢሉ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ፀኒሑ።

እቲ ግንባር ብ 2001 ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣለሻ ነዳዲ ኣብ ልዕሊ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት መጥቃዕቲ ፈፂሙ 74 ኢትዮጵያውያንን ትሸዓተ ቻይናውያንን ምቕታሉ ዝዝከር እዩ።

ኣብቲ ዓመት ንሱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ዝተመልመለ ነቲ ግንባር ዝወግእ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣጣይሱ ነይሩ። በዚ ምኽንያት ድማ ሐሓይልታት እቲ ግንባር ነቲ ኽባቢ ገዲፉ ክወፅእ ተገዲዱ እዩ።