ኲናት ዩክረይን: ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዘራሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Hans-Hermann Bühling
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ንምዝርራብ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሞስኮ ተራኺቡ።
ሩስያ ንልኡላውነት ዩክረይን ምግሃሳ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ'ዩ ዝበለ ጉተረዝ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዑ'ሎ።
ፑቲን፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይንን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ብማንዛ ክቕጽል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ገለ ፍታሕ ከምጽእ ተስፋ ከምዝገብር ምስ ጉተረዝ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ተዛሪቡ።
ጉተረዝ ብወገኑ፡ ኣብ ዩክረይን ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ከምዘተሓሳሰቦ ተዛሪቡ። ኣቐዲሙ'ውን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ተራኺቡ ነይሩ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ዝርከብአን ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን፡ ብዛዕባ ንዩክረይን ዝህብኦ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምዝርራብ ኣብ ጀርመን ኣኼባ ኣካይደን ውዒለን።
ኣብቲ ሚኒስተራት 40 ሃገራት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ዝተረኽበ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ዩክረይን ንሩስያ ክትስዕራ "ሰማይን ምድርን" ከንቀሳቕሱ ውጥን ከምዘለዎም ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጀርመን 50 ጸረ-ነፈርቲ ዝዓጠቓ ታንክታት ንዩክረይን ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።
ብዛዕባ እታ ኣብ ምሉእ ከበባ ኣትያ ትርከብ ወደባዊት ከተማ ማርዮፓል ብዝምልከት፡ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ኣብ መንጎ ዝተቐርቀረ ህዝቢ ንምግዓዝ ሩስያ "ብመትከል" ከምእትቕበሎ ፑቲን ተሰማሚዑ'ሎ።
ሰራዊት ሩስያ ነታ ከተማ ከም ዝተቐጻጸሩ ዜና ዓወት እንተንገሩ'ኳ፡ ዛጊድ ገዚፍ ስራሕቲ ሓጺን መጺን ዝካየደሉ ኣዞቭስታል ዝተባህለ ማእከል ፋብሪካ ክቆጻጸሩ ከምዘይከኣሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓይልታት ዩክሬን፡ መውጽእን መእተውን እቲ ገዚፍ ፋብሪካ ይዓጽዩዎም ከም ዘለዉ ገሊጾም ኣለዉ።
ኣብቲ ፋብሪካ፡ ብዙሓት ሰላማዊ ሰባት ዘጽለሉ ኮይኖም፡ ጉተረስ ሰራዊት ሩስያ መውጽኢ ኮሪደር ክኽፈተሎም ከረጋግጽ ይሓቱ ኣለዉ።
ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ተዘራረበ፡ ኣብ መጻኢ ሓሙስ ድማ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪቭ ክጓዓዝን ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክረክብን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
ኣመሪካ ድማ፡ ንዩክሬን ዝወሃብ ኣጽዋር ውግኣት ኣመልኪታ ምስ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝርርብ ክትጅምር ምዃና ጸብጻባት የመልክቱ።
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦውስቲን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጀርመን ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ተጸሚዱ ከም ዘሎ ይዝረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ምዕባለታት ዝመጽአ ዘሎ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጌ ላቭሮቭ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክጅመር ይኽእል እዩ -ዝብል መጠንቀቕታ ኣብ ዘሕለፈሉን ንኪቭ ብምግዳድ ኣብ ዝኸሰሰሉን እዋን እዩ።
ሚኒስትር ወጻኢ ዩክረይን ብወገኑ ሃገራት ዓለም ንዩክሬን ከይሕግዛ ንምፍርራሕ ዝተኣነበ ተንኮል ክብል ነጺግዎ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







