ኲናት ዩክረይን: ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ተዘራሪቡ

ንዩክረይን ዝወሃባ ታንክታት ጀርመን

ምንጪ ስእሊ, Hans-Hermann Bühling

መግለጺ ስእሊ, ንዩክረይን ዝወሃባ ታንክታት ጀርመን

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረዝ ብዛዕባ ኲናት ዩክረይን ንምዝርራብ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሞስኮ ተራኺቡ።

ሩስያ ንልኡላውነት ዩክረይን ምግሃሳ ንቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ'ዩ ዝበለ ጉተረዝ፡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዑ'ሎ።

ፑቲን፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይንን ክካየድ ዝጸንሐ ዝርርብ ብማንዛ ክቕጽል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ገለ ፍታሕ ከምጽእ ተስፋ ከምዝገብር ምስ ጉተረዝ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ተዛሪቡ።

ጉተረዝ ብወገኑ፡ ኣብ ዩክረይን ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ከምዘተሓሳሰቦ ተዛሪቡ። ኣቐዲሙ'ውን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ተራኺቡ ነይሩ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ዝርከብአን ሃገራት ኣውሮጳን ኣመሪካን፡ ብዛዕባ ንዩክረይን ዝህብኦ ወተሃደራዊ ደገፍ ንምዝርራብ ኣብ ጀርመን ኣኼባ ኣካይደን ውዒለን።

ኣብቲ ሚኒስተራት 40 ሃገራት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ዝተረኽበ ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ዩክረይን ንሩስያ ክትስዕራ "ሰማይን ምድርን" ከንቀሳቕሱ ውጥን ከምዘለዎም ገሊጹ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን

ጀርመን 50 ጸረ-ነፈርቲ ዝዓጠቓ ታንክታት ንዩክረይን ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ።

ብዛዕባ እታ ኣብ ምሉእ ከበባ ኣትያ ትርከብ ወደባዊት ከተማ ማርዮፓል ብዝምልከት፡ ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ኣብ መንጎ ዝተቐርቀረ ህዝቢ ንምግዓዝ ሩስያ "ብመትከል" ከምእትቕበሎ ፑቲን ተሰማሚዑ'ሎ።

ሰራዊት ሩስያ ነታ ከተማ ከም ዝተቐጻጸሩ ዜና ዓወት እንተንገሩ'ኳ፡ ዛጊድ ገዚፍ ስራሕቲ ሓጺን መጺን ዝካየደሉ ኣዞቭስታል ዝተባህለ ማእከል ፋብሪካ ክቆጻጸሩ ከምዘይከኣሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሓይልታት ዩክሬን፡ መውጽእን መእተውን እቲ ገዚፍ ፋብሪካ ይዓጽዩዎም ከም ዘለዉ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣብቲ ፋብሪካ፡ ብዙሓት ሰላማዊ ሰባት ዘጽለሉ ኮይኖም፡ ጉተረስ ሰራዊት ሩስያ መውጽኢ ኮሪደር ክኽፈተሎም ከረጋግጽ ይሓቱ ኣለዉ።

ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ተዘራረበ፡ ኣብ መጻኢ ሓሙስ ድማ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪቭ ክጓዓዝን ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክረክብን ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣመሪካ ድማ፡ ንዩክሬን ዝወሃብ ኣጽዋር ውግኣት ኣመልኪታ ምስ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝርርብ ክትጅምር ምዃና ጸብጻባት የመልክቱ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦውስቲን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጀርመን ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ተጸሚዱ ከም ዘሎ ይዝረብ።

ኣብ ዝተቓጸለ ገዛኣ ኾይና እትበኪ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ምዕባለታት ዝመጽአ ዘሎ፡ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጌ ላቭሮቭ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ክጅመር ይኽእል እዩ -ዝብል መጠንቀቕታ ኣብ ዘሕለፈሉን ንኪቭ ብምግዳድ ኣብ ዝኸሰሰሉን እዋን እዩ።

ሚኒስትር ወጻኢ ዩክረይን ብወገኑ ሃገራት ዓለም ንዩክሬን ከይሕግዛ ንምፍርራሕ ዝተኣነበ ተንኮል ክብል ነጺግዎ ኣሎ።