ኣብ ዩክረይን፡ ጃምላዊ መቓብራት ከምዝተረኸቡ ምስልታት ሳትላይት ኣመልኪቶም

ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, MAXAR

ምስልታት ሳትላይት ኣብ ጥቓ ከተማ ማሪፖል ጃምላዊ መቓብር ከምዝተረኸበ ኣመልኪቶም።

ትካል ሳትላይት ኣሜሪካ፡ ኣብ ጥቓ እታ ሓይልታት ሩስያ ንሰሙናት ክቆፃፀርዋ ዝፍትኑ ዘለዉ ከተማ ማሪፖል ኣብ ዝርከብ ከባቢ፡ ኣስታት 200 ጃምላዊ መቓብራት ከምዘለለየ ኣፍሊጡ።

ማክሳር ተባሂሉ ዝፅዋዕ እዚ ትካል ቴክኖሎጂ ህዋ ከምዝብሎ፡ እቶም ዝረኸቦም ምስልታት ካብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሮም እናወሰኹ ዝኸዱ መቓብራት ዘርእዩ እዮም።

ሰብመዚ ዩክረይን፡ ብወተሃደራት ሩስያ ተቐቲሎም ዝተቐበሩ ሰላማውያን ነበርቲ ማሪፖል'ዮም ክብሉ፡ ንሩስያውያን ከሲሶም ኣለዉ።

ሞስኮ ዛጊድ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ኣይሃበትሉን።

ሓይልታት ሩስያ ንሰሙናት ብዝገበርዎ ደብዳብን ውግእን ንቀንዲ ከባብታት ማሪፖል ዝተቖፃፀሩ'ኳ እንተኾኑ፡ ገለ ሓይልታት ዩክረይን ግና ሕዚ'ውን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከቡ ፋብሪካታት ሓፂን መፂን ይርከቡ።

እዚ ጃምላዊ መቓብር ካብ ምዕራባዊ ማሪፖል 20 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ጥቓ ቁሸት ማንሁሽ'ዩ ተረኺቡ ዘሎ።

ትካል ቴክኖሎጂ ህዋ- ማክሳር፡ 85 ሜትር ንውሓት ዘለዎም ኣርባዕተ መቓብራት ብመደዳ (ብመስመር) ከምዝነበሩ ገሊፁ።

ቢቢሲ፡ ነዞም ምስልታት ኣየረጋገፆምን።

ቅድም ክብል ቤት ምኽሪ ከተማ ማሪፖል፡ ሩስያውያን ንሰላማውያን ሰባት ብምቕታል ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ከምዝቐበርዎም ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ከሲሱ ነይሩ።

እቲ ቤት ምኽሪ፡ ሩስያውያን ጉድጓድ ብምኹዓት፡ ብናይ ጉሓፍ መፅዐኒ መኻይን ኣቢሎም ሬሳታት ከምዘምፅኡ ብምግላፅ፡ ነዚ ዘርእይ ምስሊ ኣርእዩ'ዩ።

ከንቲባ ከተማ ማሪፖል ቫዲም ቦቸንኮ፡ ኣብ ከተማ ማሪፖል ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰሊቪላት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊፁ።

ሞስኮ፡ ወተሃደራት ሩስያን ፖለቲከኛታት ዩክረይንን ንጃምላዊ ቅትለታት ሓላፍነት ይወስዱ ንዝብሉ ክስታት ዩክረይንን ምዕራባውያን መሻርኽታን ብተደጋጋሚ ነፂጋቶ እያ።

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ምስልታት ሳትላይት ማክሳር፡ ሩስያውያን ካብ ሰሜናዊ ዩክረይን ኣብ ዝስሕብሉ እዋን ኣብ ጥቓ ኪየቭ ኣብ ትርከብ ከተማ ቡቻ ኣብ ጎደናታት ናይ ዝወደቑ ሬሳታት ሲቪላት ኣርእዮም'ዮም።

እዚ ኣብቲ ዝሓለፈ 19 መጋቢት ፈለማ ብኒውዮርክ ታይምስ ዝተፀብፀበን ደሓር ቢቢሲ ዘረጋገፆን ምስሊ፡ ምስቲ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፡ "እቲ ሬሳታት ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ሩስያውያን ምስ ሰሓቡ ዝተገበረ ድራማ'ዩ" ዝበሎ ዝፃረር'ዩ።

ከንቲባ ከተማ ቡቻ ኣናቶሊ ፈዶሩክ፡ ኣብታ ከተማ ብውሑዱ 3 ሽሕ ሲቪላት ከምዝተቐተሉ ገሊፁ።