ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ዘመናዊ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝነበረኒ ጻንሒት

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ክሊቭ ሚርይ ኣብ ኪቭ ዩክረይን

እዚ ጽሑፍ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ክሊቭ ሚይር፡ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ንፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ቃለመጠይቕ ንምግባር ናብቲ ነቲ ኲናት ዝመርሓሉ ዘሎ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝኸደሉ ንዝተዓዘቦ ዘዘንቱ እዩ።

ኣብ መፈተሺ ነቝጣ ዝጸንሑ ክልተ ወተሃደራት፡ ፓስፖርትታትና ብደቂቕ ድሕሪ ምምርማር፡ ክንሓልፍ ኣፍቂዶምልና። ናብ ቀጽሪ ናይቲ ንወራር ሩስያ ንምምካት ከም ማእከላይ እዚ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ህንጻ ኣተና።

እቲ ህንጻ ብኣሻዅ ስልኪ፡ ነታጒን ብወተሃደራትን ይሕሎ። ምሉእ ዕጥቒ ዘለዎም ወተሃደራት ብብዝሒ ኣለው፣ እቲ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ዝረኽቦ ሰብ ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ እዩ።

ሩስያ፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክቕተልን መንግስቱ ከኣ ንሞስኮ ብዝምእዘዝ ስርዓት ክትካእን እያ እትደሊ። እንተኾነ ኣብቲ ልዕሊ 50 መዓልትታት ኣቝጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ዩክሬናውያን ዘርኣይዎ መኸተ ንዓለም ኣገሪሙ እዩ።

ሒዝናዮ ንዝነበርና መሳርሒታት ሓጺን ብዘለሊ መፈተሺ [ሜታል ዲቴክተር] ድሕሪ ምሕላፍ ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተና ተዋህበና።

ብድሕሪ’ዚ፡ ሓሓሊፉ ሑጻ ብዝመልአ መሸማዕ ዝተጋረደ ነዊሕ ኮረድዮ ሓሊፍና። እቲ ዝተጸፋጸፈ መሸማዕ፡ ኣብ ላዕሊ፡ ንኣፈሙዝ ጠበንጃ ከእቱ ዝኽእል ንእሽቶ ነዃል ኣለዎ።

ሓደ ተሓጋጋዚ እቲ ፕረዚደንት ናብ ሓደ ብቋንቋ ዩክረይን ‘ዘ ሲቹወሽን ሩም’ (ክፍሊ ስርሒት) ዝተጻሕፎ ክፍሊ መርሓና። መናድቕ እቲ ክፍሊ ብዓበይቲ ስክሪናት ተሌቪዥን ዝተሸፈነ ምቹእ ተሽከርካሪ መናብርን ዘለዎ ዘመናዊ እዩ።

ሓደ ጸገም ግን፡ ንሰባት ኣብ ተሽከርካሪ መንበር ኮፍ ኣቢልካ ቃለመጠይቕ ምግባር ንየማነ ጸጋም ክንቀሳቐሱ ስለዝድርኽ ኣሸጋሪ ምዃኑ እዩ።

ስለዚ፡ ነቲ ዝመርሓና ሰብ ካልእ ዓይነት መንበር ክረኽበልና ሓቲትናዮ። ጸኒሑ እርግ ዝበለ ዝመስል ክልተ መናብር ሒዙልና ተመሊሱ። ሓለቓ ስታፍ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ግን በዚ ኣይተሓጐሰን።

“ኖእ! እዚ ክኸውን ኣይኽእልን እዩ፡” በለ። “እዚ መናብር ኣብዚ ክፍሊ ዘመናዊ ኮምፕዩተራትን ፕላዝማ ስክሪናትን ኣዝዩ ኣረጊት እዩ ዝመስል። ኣብዚ ዘመናዊ ምስሊ ኢና ክነመሓላልፍ እንደሊ” ወሰኸ። ሽዑ ዘመናዊ ዝመስል፡ ጎማታታ ዘይብሉ መናብር ተዳለወ።

እቲ ኣብ ጉዳይ መናብር ዝገበርናዮ ዝርርብ፡ ብዛዕባ ዘመናዊት ዩክረይን ብዙሕ ክርዳእ ኣኽኢሉኒ እዩ። ዝሑል ኲናት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ እቲ ንኡስ ወለዶ ንጽልዋታት ምዕራብ እዩ ኣቋሚቱ። ብመገዲ ኣየር ‘ራያንኤየር’ ናብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዝተጀመረ ሕሱር ትኬታት ብዙሕ ዕድላት ከፊቱ እዩ። እምበኣር እዚ ምምሕዳር’ውን ከርእየና ዝደለዮ ነገር፡ ብዙሕ ኣብ ወግዓዊ መዳያት ዘይግደስን ንምዝራብ ድልው ምንባሩን እዩ።

ብዙሕ ከይጸናሕና፡ ብዙሓት ሰባት ይመጹ ከምዘለው ዝእምት ድምጺ ስጕምቲ ኣእጋር ሰሚዐ። ክልተ ወተሃደራት ቀዲሞም ኣተው፡ ደድሕሪኦም ከኣ እቲ ፕረዚደንት።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ክሊቭ ሚርይ ኣብ ኪቭ ዩክረይን

ሰላም እናበልናዮ እንከሎና፡ ሓደ ካብ ተሓጋገዝቱ ቴለፎን ኣቐበሎ። ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ እዩ ነይሩ፣ ካብ ፈረንሳ። “ኢማኑዌል ድዩ?” ክብል ነቲ ተሓጋጋዚ ሓተቶ። “እወ” ኢሉ መለሰሉ።

“ንራኸብ ኢና ብዙሕ ግዜ እዩ ዝድውለለይ። ኣሕጽር ኣቢለ እንተኣዘራረብክዎ ቅር ይብለካ ድዩ?” እቲ ፕረዚደንት ሓቲቱኒ።

ካባይ ፍቓድ ምሕታቱ ብምግራም፡ “ጸገም የብሉን” ኢለዮ።

ዘለንስኪ ብባህሪኡ ልዙብን ፍሕሽው ገጽ ዘለዎን እዩ።

እንተኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት ናብታ ሓይልታት ሩስያ ንሰሙናት ተቘጻጺሮምዋ ዝነበሩ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ኣስታት 25 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ቡቻ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ሓሪቝን ተቘጢዑን ከም ዝነበረ ኣብታ ጻንሖት ተገንዚበ። ሓይልታት ሩስያ ካብታ ከተማ ምስ ወጽኡ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ቤተክርስትያን ጃምላዊ መቓብር ክርከብ እንከሎ፡ ኣብ ጐደናታት ሬሳታት ተራእዩ እዩ።

ቭላድሚር ፑቲን ብገበን ኲናት ክኽሰስ ይኽእል ዶ ኢለ ምስ ሓተትክዎ፡ ዝሃበኒ መልሲ፣ ኵሉ ምስ ሰራዊት ሩስያ ምትእስሳር ዘለዎ ይዅን ሲቪላውያን መራሕቲ ገበነኛታት ኲናት ምዃኖም እዩ።

“ነቲ ዘጋጠመ ኵሉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ እዞም ሰባት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብዛዕባ ሰላም ክትዘራረብ ትኽእል ዶ?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪበሉ።

ነቲ ኣብ ቡቻን ብሮድያንካን ዝተፈጸመ ግፍዒ ብምጥቃስ፡ “መሳኵቲ ተኽእሎታት እናጸበበ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡” ዝብል መልሲ ሂቡኒ።

ዘለንስኪ ብርግጽ ኮሜድያንን ተዋሳኣይን ነበር እዩ። ኣብቲ ምስኡ ዝጸናሕኩሉ ሰዓት ግን፡ ሓደ ብኣእምሮ ኣዝዩ ዝሃለኸን፡ ብዛዕባ ህዝቡ ኣብ ከቢድ ቃንዛን ዝርከብ ሰብኣይ ኣስተብሂለ።

ምስ ቸርችል ዝወዳደርን፡ በቲ ኣብ ጸላም መዓልትታት እቲ ኲናት ብዘርኣዮ መሪሕነትን ብብዙሓት ዝዝከር ሰብኣይ።