ኲናት ዩክሬን፡ ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ኣንቢረን

ጄን ሳኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣፈኛ ዋይት ሃውስ

እቲ ኣብ ልዕሊ ክልቲአን ደቂ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተነብረ ማዕቀብ፡ ምስ ሃብቲ ናይቲ ፕረዚደንት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም።

ካልኦት ተወሰኽቲ ቁጠባዊ እገዳታት'ውን ኣብ ልዕሊ ዝዓበየ ናይ ብሕቲ ባንክ ሩስያ: ከምኡ'ውን ሰበስልጣንን ቤተሰቦምን ተወሲኑ'ሎ።

ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣልፋ ባንክን፡ ዝዓበየ ፋይናንሳዊ ትካል ዝኾነ ስበርባንክን ግዳይ ናይቲ እገዳታት ኮይኖም ኣለዉ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣገደስቲ ዝብሃሉ ብመንግስቲ ዝውነኑ ቁጠባዊ ትካላት'ውን ማዕቀብ ተነቢሩሎም ኣሎ።

ሃብቲ ፕረዚደንት ፑቲን ብስም ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ትካላት ፋይናን ስኣመሪካ ዝተዓቀበ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብመዚ ኣመሪካ ተዛሪቦም።

ብሪጣንያ'ውን ብወገና፡ ሓያሎ ተወሰኽቲ እገዳታት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣዊጃ'ላ።

ፕሬስ ሴክሬታሪ ዋይት ሃውስ ጄን ሳኪ፡ እቶም ሓደሽቲ ማዕቀባት ኣብ ልዕሊ ገንዘባዊ ትካላትን ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነኑ ትካላትን ከምኡ'ውን ውሑዳት ሰብመዝን ፖለቲካዊ ተሳትፎን ዘለዎም ሰብሃብትን [ኦሊጋሪክስ] ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጻ ነይራ።

እዚ ስጉምቲ "ንወራር ፑቲን ብድሕሪት ኮይኖም ብገንዘብ ዝድግፍዎ ዘለዉ ኣካላት ተሓተትቲ ክገብር እዩ" ኢላ።

ብፍላይ ቡቻ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝተፈጸመ ግፍዒ ስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳታት ክንበር ዝቐርቡ ጻውዒታት ከም ዝወሰኹ'ውን ተዛሪባ።

ከንቲባ ቡቻ ኣናቶሊ ፌዶሩክ ብውሕዱ 320 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ንቢቢሲ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ኣብ ቡቻ ዝተረኽበ ጋህሲ [ናይ ሓባር መቓብር] ድማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዓብዪ ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ።

ፕሬስ ሴክሬታሪ ሳኪ፡ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "እቲ ናይ ሕዚ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሩስያ ኢነቨስት ዝገበረትሎም ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከቢድ ቁጠባውን ዓቕምን ሃስያ ከበጽሕ እዩ" ኢላ።

ዎል ስትሪት ጆርናል ድማ፡ እቲ ማዕቀብ ንኣዝዩ ገዚፍ ባንኪ ሩስያ ዝኾነ ስበር ባንክ ዘካተተ ክኸውን ከም ዝኽእል ጸብጺቡ ኣሎ።

ካልኦት ሚድያታት ኣመሪካ'ውን፡ እቲ ሓድሽ ማዕቀባት ንደቂ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዘካተተ ክኸውን ከም ዝኽእል የቃልሑ ኣለዉ፤ እታ ወሃቢት ቃል ግን እዚ ብዝምልከት ርእይቶ ካብ መሃብ ተቖጢባ።

እንተኾነ፡ እቶም እገዳታት ምስ ሕብረት ኣውሮጳን ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተን ተዋዲዱ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።

"ምስ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተን ሕብረት ኤውሮጳን ብምትሕብባር ኣብ ቁጠባ፣ ፋይናንስን ቴክኖሎጅን ሬስያ ዋጋ ዘኽፍሉ ተወሳኺ እገዳታት ክህልው'ዮም" ትብል።

ትማሊ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትካላት ቢዝነስ ሩስያ፣ ኣታውን ወጻእን ንግዲ እታ ሃገር እገዳታት ንምንባር ከም ዝሃቀነ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብፍላይ ስምምዕ ኩለን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ዝሓትት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሰደድ እትገብሮ ፈሓም እገዳ ክግበር ዝጠልብ ሓሳብ እንተጸዲቑ፡ እቲ ሕብረት ንፈለማ እዋን ቀረብ ጸዓት ሩስያ ክኽልክል'ዩ።

ኣውሮጳ፡ ዓመታዊ ኣስታት 3.3 ቢልዮን ዶላር ዋጋ ዝግመት ፈሓም ካብ ሩስያ ትገዝእ።

ከም በዓል ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት ንምንጪ ጸዓት ኣብ ሩስያ ጽግዕተኛታት እንትኾና፡ ከምዚ ዓይነታት ስጉምቲታት ክውሰድ ዘይከፍቕዳ ይኽእላ።

እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን ሓይልታት ሩስያ ገበናት ኲናት ፈጺሞም ተባሂሎም ድሕሪ ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲ ግን ከምኡ ናይ ምግባር ዝንባለታት ከም ዘሎ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል፡ ማክሮን ነቲ ጻውዒት ተቐቢልዎ ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከምኡ ውን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ባንክታት ሩስያ ከምኡ'ውን ካብ ሩስያን ቤላሩስን ዝኣትውን 4.59 ሚሊዮን ዶላር ዝግመቱ ምህርታት ስሚንቶ፣ ዕንጸይቲ፣ ናይ ባሕሪ መግብን መሰተን እገዳ ክገብሩ'ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።

ፕረዚደንት ኮሚሽን ሕበረት ኣውሮጳ፡ ደባዊ ኣገልግሎት ንመርከባት ካልኦት ኣገልግሎት መጓዓዝያን ሩስያን መላፍንታ ባሉርስን ዕጽው ከም ዝኸውን ድሮ ኣጠንቂቓ ኣላ።

ኡርሱላ ቮን ደር ለየን፡ ኣብ ልዕሊ እታ ጭካነ ዝተመልኦ ዋረር ተካይድ ኣላ ዝበለታ ሩስያ፡ እቲ ሕብረት ዘያዳግም ስጉምቲ እቲ ዝለዓለ ጸቕጥን ክፈጥረላ ጸዊዓ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሉታዋኒያን ግና፡ ነቲ ሕብረት ኣውሮጳ ተሊሙዎ ዘሎ እገዳታት "ካልእ ተወሳኺ ግፍዕታት ዝጽውዕ" ክብል ነቒፉ።

ትማሊ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስመዐ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንሰኪ ንሰብ ስልጣን ሩስያ 'ገበናት ኲናት ይፍጽሙ ኣለዉ፤ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይግባእ" ክብል ከሲሱ'ዩ።

"መላእ ስድራት ቀቲሎም፣ ዓበይቲን ህጻናትን ረሺኖም፤ ነፍሶም ከቃጽልዎ ፈቲኖም" ኢሉ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ጸረ-ነፈርቲ መቃወምያ ሚሳኤል ክህቡ ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ፡ እዚ ሓገዝ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ንሻድሻይ ግዜ ዝግበር ዘሎ እዩ።