ኲናት ዩክሬን: ንፑቲን ንምድጋፍ ዘገልገሉ ዝተሰረቑ ገጻት ፍሉጣት ሰባት

ምንጪ ስእሊ, ER Yamini
ህንዳዊት ጸላዊት ማሕበራዊ ሚዲያ ኢኣር ያሚኒ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ኣይትፈልጥን፤ እኳ ደኣ ነቶም ብዙሓት ኣድነቕታን ሰዓብታን ብኢንስተግራምን ዩትዩብን ጥራይ እያ ትረኽቦም።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ግን፡ ሓደ ብናታ ስእሊ ዝተኸፍተ ትዊተር "#ኣብ ጐድኒ ፑቲን'የ። ሓቀኛ ምሕዝነት" ["#IStandWithPutin. True Friendship"] ኢሉ ጽሒፉ።
እዚ ጽሑፍ፡ ብምስሊ ክልተ ዝተሓቛቘፉ ደቂ ተባዕትዮ [ሓደኡ ንህንዲ እቲ ሓደ ድማ ንሩስያ ዝወከለ] ዘርኢ ቪድዮ'ውን ዝተሰነየ ነይሩ።
ያሚኒ ግን፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ንዩክሬን ኮነ ሩስያ ኣይትድግፍን።
"ኣድነቕተይ ነቲ ጽሑፍ ትዊተር እንተርእዮምዎ፡ ብዛዕባይ እንታይ ኢሎም'ዮም ክሓስቡ? ንዕላማኦም ናተይ ስእሊ እንተዘይጥቀሙ ደስ ምበለኒ፡" ትብል።
እዚ ናይ ሓሶት መጥቀሚ፡ ኣካል'ቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ትዊተር ንምጉላሕ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ'ዩ።
እዚኦም፡ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መጋቢት #IStandWithPutin ከምኡ'ውን #IStandWithRussia ዝብሉ ሃሽታጋት ይጥቀሙ ነይሮም።
እዚ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብብዝሒ ትረንድ ክገብር እንከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን ነቲ ኲናት ዝድግፉ ዝንባለታት ክርኣዩ ገይሩ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ገሊኦም ከምዚኦም ዝበሉ ምንቅስቓሳት ብሓቂ ንፑቲንን ሩስያን ዘለዎም ድጋፍ ብዝገልጹ ትኽክለኛ ሰባት ዝገበርዎም እዮም።
ካልኦት ብዙሓት ኣካውንታት ግን ሓቀኛ ኣይኮኑን። እዚኦም ኣብ ሓደ እዋን ብዙሓት መልእኽታት መመሊሶም ዝጥቅዑ፣ ውሑዳት ናይ ባዕሎም መልእኽቲ ዝጽሕፉን ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተኸፍቱን እዮም።
ሓደ ካብ መስረትቲ ብኦንላይን ዝበጽሑ ሓደጋታትን ግጉይ ሓበሬታን ዘጽንዕ ኩባንያ ኢኤኤስኤም ቴክኖሎጂ ካርል ሚለር፡ "መብዛሕትኦም ብናይ ሓሶት መጥቀሚ ዝተኸፍቱ ኣብ ገለ ሃገራት ንፑቲን ዘሎ ድጋፍ ዘጕልሑ ዝነበሩ'ዮም፡" ኢሉ።
እቲ ኩባንያ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ጥራይ ንሩስያ ዘለዎም ድጋፍ ንምግላጽ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተኸፈቱ 9907 መጠቀሚታት ረኺቡ'ዩ።
ካብዚኦም እቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ድማ ናይ ስፓም ባህሪያት ዘለዎም ኮይኖም ረኺብዎም።
ቢቢሲ'ውን ኣማኢት ከምዚኦም ዝበሉ ዘይሓቀኛ ገጻት መርመራ ገይሩ'ዩ። በዚ፡ ከምአቲ ሚለር'ውን ዝሓስቦ ትኽክለኛ መሲሎም ክሓልፉ ዝደልዩ ናይ ሓሶት ገጻት ምዃኖም ኣረጋጊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ሪቨርስ ኢሜጅስ ተጠቒምና እቶም ነዚ ዕላማ ዝውዕሉ ዘለው ኣሳእል፡ ካብ ፍሉጣት ሰባት፣ ጸለውትን ተራ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያን ዝተወስዱ፡ ግን ከኣ ስእልታቶም ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝኸፈተቶ ኲናት ንምድጋፍ ይውዕሉ ከም ዘለው ዘይፈልጡ ምዃኖም ክንፈልጥ ክኢልና።
እዞም መጥቀሚታት መን ከፊትዎም ወይ'ውን ምስ መንግስቲ ሩስያ ዘለዎም ርክብ እንታይ'ዩ ዝብል ግን ክንፈልጥ ኣይከኣልናን።
ንኣብነት፡ ፕሪቲ ሻርማ ብዝብል ሽም ዝተኸፍተ መጠቀሚ፡ ኣብ ሚያሚ እትቕመጥ መበቆላ ካብ ህንዲ ናይ ዝኾነት "ሞዴልን ፈጣሪት ስራሕን" ከም ዝኾነ ይገልጽ።
እዚ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ወራር ሩስያ ብ26 ለካቲት ዝተኸፍተ እዩ። ሓደ በቲ ትዊተር ዝተለጠፉ ጽሑፋት "ፑቲን ጽቡቕ ሰብ እዩ" ይብል።
ኣብዚ ትዊተር ዝወዓለ ስእሊ ግን ኣብ ካልእ ዓለም ናይ ዘላ ውልቀሰብ እዩ።
ኣብ ኢንስተግራም 1.5 ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለውዋን ሓሓሊፉ ትዊተር እትጥቀምን ኣውስትራሊያዊት ጸላዊት ማሕበራዊ ሚዲያ ኒኮሌ ቶርን፡ ስእላ ምዃኑ እትገልጽ ውልቀሰብ ተጠቒማትሉ ወይ ተጠቒሙሉ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ህንዳዊ ደራፊ ራጃ ጉጃር ክመስል ዝፈተነ ካልእ መጥቀሚ ድማ ኣሎ። ብ24 ለካቲት'ዩ ንመጀመርታኡ ትዊት ገይሩ።
እዚ ኸኣ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ወራር ሩስያ እዩ። ኵሎም በዚ መጠቀሚ ዝተለጠፉ 178 ጽሑፋት ድማ ሪትዊት ዝተገብሩ'ዮም።
ቢቢሲ፡ ንትሮንን ጉጃርን ረኺቡዎም'ዩ፤ ክልቲኦም እዞም ኣካውንታት ናትና ኣይኮኑን ኢሎም።
ኵሎም መርመራ ዝገበርናሎም ኣካውንታት ግን ዘይሓቀኛታት እዮም ክንብል ኣይንኽእልን።
ንኣብነት፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ተኸፊቱ ብ2 መጋቢት ትዊት ምግባር ዝጀመረ ሓደ ገጽ ንውሰድ።
ዋላ ሓደ ዝስዕቦ የብሉን፤ ቢቢሲ ነቲ ዝተጠቐመሉ ስእሊ ብሪቨርስ ኢሜጅ ገይሩ ከጻርዮ እንከሎ፡ ናይ ሓደ ኣብ ሊንክዲን ዘሎ ህንዳዊ መንእሰይ ኮይኑ ረኺብዎ።
ግን ድማ ሓቀኛ'ዩ፤ ሴንትል ኩማር ዝተባህለ ኢሮነቲክ ኢንጂንየር ዝኸፈቶ ኣካውንት እዩ። ስለ ምንታይ ንሩስያ ዝድግፉ መልእኽታት ንምጥቃዕ ጥራይ ከም ዝኸፈቶ ሓቲትናዮ።
"ወትሩ ትዊተር ከፊተ ብብዝሒ ሰባት ዝዘራረብሉ ዘለው ነገር እየ ዝርኢ፣ ስለዚ እቶም ዝተለጠፉ ርእየ መሊሰ ለጢፈዮም፡" ኢሉ።
ኣብ ሕሉፍ ሩስያ ንህንዲ ደጊፋታ'ያ፤ ስለዚ ህንዳውያን ሕጂ ንሩስያ ክድግፉ ኣለዎም ኢሉ ይኣምን።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
እዞም መጥቀሚታት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምዕራብ ዘለዎም ነቐፌታ ዝሓወሱን ኣብ ሞንጎ ሃገራት ብሪክስ ተባሂለን ዝጽውዓ [ብራዚል፡ ሩስያ፡ ህንዲ፡ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን] ዘሎ ሓድነት ብምግላጽ ንፑቲን ዘለዎም ድጋፍ ዘርእዩ'ዮም።
ዝኾኑ መጥቀሚታት ሓቅነት ኣለዎም'ዶ የብሎምን ዝብል፡ እቲ ዝተኸፈተሉ ግዜ፣ ኣብ መዓልቲ ን24 ሰዓታት ትዊተር ዝገብሩ እንተኾይኖምን ዝጽሕፉሎም ጉዳያትን ርኢኻ ብቐሊሉ ምፍላጥ ከም ዝክኣል ሚለር ገሊጹ።
ኢኤኤስኤም፡ ንመርኣዪ ካብ ዝመዘዞም 100 መጠቀሚታት ትዊተር እቶም 41 ስእሊ ከም ዘይብሎም ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ካልኦት 30 ካርቱን መሳሊ ስእሊ ወይ'ውን ከም ፑቲን ወይ ወናኒ ፈይስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ዝበሉ ስእሊታት ዝተጠቐሙ'ዮም።
እቶም ዝተረፉ ስእሊ እቶም ዝተሰረቑ ገጻት ፍሉጣት ሰባት ዝተጠቐሙ ነይሮም።
ትዊተር፡ "ካልኦት ንምትላል፡ ንምድንጋር ወይ ግጉይ ሓበሬታ ንምሃብ ንኻልኦት ውልቀሰባት፡ ጉጅለታት ወይ ትካላት፡" ምምሳል ይኽልክል እዩ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ንሕግታት እቲ ትካል ዝጥሓሱ ልዕሊ 100 ሽሕ መጠቀሚታት ከም ዝኣለየ ሓቢሩ።
መብዛሕትኦም ድማ ምስቶም #IStandWithRussia ከምኡ'ውን #IStandWithPutin ዝብሉ ሃሽታጋት ዝተኣሳሰሩ'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Twitter






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







