ፊንላንድን ሽወደንን ስለምንታይ እየን ናብ ኔቶ ክጽንበራ ዝደልያ ዘለዋ?

ኣብ ፊንላንድ ኣብ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝሳተፍ ወተሃደር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፊንላንድ ኣብ ዝካየድ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ዝሳተፍ ወተሃደር

ፊንላንድን ሽወደንን፡ ኣብ ግዜ ኲናት ጸግዒ ዝዀነ ወገን ናይ ዘምሓዝን፡ ኣብ ዝዀነ ወተሃደራዊ ኪዳን ናይ ዘይምጽንባር ዝጸንሐ ታሪኻዊ መርገጺአን እዩ።

እንተዀነ እዚ ታሪኽ ተቐይሩ፡ እዘን ክልተ ሃገራት ናብ ኔቶ ክጽንበራ ኣብ ድርኵኺት በጺሐን ኣለዋ።

ሩስያ ነዚ ውሳነ'ዚ ኣጽኒዓ እያ ትቃወሞ።

ጠንቂ ኲናት ዩክረይን ኰይኑ ዘሎ፡ ምስፍሕፋሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ምዕራባውያን ኔቶ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ'ላ።

እዚ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትፍጽሞ ዘላ ወራር፡ እቲ 73 ዓመታት ኣቝጺሩ ዘሎ ኪዳን ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ዝዓበየ ብድሆ ኰይንዎ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ይፍለጥ።

እዚ ውግእ ኣብ ምብራቓዊ ዶባት ኔቶ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣባላት ኔቶ ዘይኰና ሃገራት ከይተረፈ፡ ዝስዕብ ወተሃደራዊ ዒላማ ሩስያ ከይኰና ኣብ ስግኣት ኣትየን ይርከባ።

ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ዝሓቘፈ ኔቶ፡ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ልኢኹ'ሎ።

እንተዀነ ኣሜሪካን ብሪጣንያን፡ ወተሃደራተን ናብ ዩክረይን ከዋፍራ መደብ ከም ዘይብለን ክገልጻ ጸኒሐን እየን።

ኔቶ እንታይ እዩ?

ኔቶ፡ ብ 1945 ብኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ዝርከብአን 12 ሃገራት ዝተመስረተ ወተሃደራዊ ኪዳን እዩ።

ቀንዲ ዕላማኡ ድማ፡ ዝዀነት ኣባል ሃገር መጥቃዕቲ ምስ ዝወርዳ፡ ሓቢረን ነቲ መጥቃዕቲ ንኽምክታ እዩ፤ ብቐንዱ ድማ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንምስፍሕፋሕ ሕብረት ሶቭየት ንምምካት እዩ።

ብ1955 ሕብረተ ሶቭየት ከም ግብረ-መልሲ ናይዚ፡ ንሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ኣተሓባቢራ፡ ወተሃደራዊ ኪዳን 'ዋርሶ' መስረተት።

ምስረታ ኔቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ምስረታ ኔቶ

ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ኣብ 1991 ድማ፡ መብዛሕትአን እዘን ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ፡ ናብ ኔቶ ብምጽንባር፡ እቲ ኪዳን 30 ሃገራት ክሓቍፍ ገበራኦ።

ሩስያ፡ ስለምንታይ እያ ካብ ኔቶን ዩክረይንን ትሰግእ?

ዩክረይን፡ ኣባል ረፐብሊክ ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት ኰይና፡ ኣብ ዶብ ሩስያን ሕብረት ኣውሮጳን ዘላ ሃገር እያ።

ዓሌት ሩስያ ዘለዎምን፡ ምስ ሩስያ ማሕበራውን ባህላውን ምትእስሳር ዘለዎም ሕብረተሰባት ብብዝሒ ይነብርዋ።

ሩስያ ንዩክረይን ከም ኣካላ እያ ትሓስባ፤ ቅድም ኢሉ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ዩክረይን ኣካል ሩስያ ምዃና ገሊጹ ነይሩ።

እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ዩክረይን ናብ ምዕራብ ገጻ እያ ከተቋምት ጸኒሓ፤ ኣብ ኔቶን ሕብረት ኣውሮጳን ንምጽንባር ዘለዋ ዕላማ ድማ ኣብ ቅዋማ ኣስፊራቶ እያ።

በዚ መሰረት፡ 'መሻርኽቲ ኔቶ" እያ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ቀጻሊ ዩክረይን ኣባል ኔቶ ክትከውን ክፍቀደላ ዓቢይ ተኽእሎ ኣለዎ።

ሩስያ ድማ እዚ ንኸይከውን ካብ ምዕራባውያን ውሕስነት ክትሓትት ጸኒሓ እያ።

እንተዀነ፡ 'ዩክረይን፡ ኣብ ዝሓረየቶ ወተሃደራዊ ኪዳን ክትጽንበር መሰላ እዩ፡' ዝብል ምኽንያት ብምቕራብ፡ ኣሜሪካን መሻርኽታን፡ ንዩክረይን ካብ ኣባልነት ኔቶ ክእግዳ ዕላማ ዘለወን ኣይመስላን።

ብዘይካ'ዚ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያ የካብባኣ ኣለዋ ዝብል ክሲ ክቕርብ ብተደጋጋሚ ተሰሚዑ እዩ፤ ኔቶ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ደው ከብል ድማ ይደሊ።

ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ 1990፡ ናብ ምብራቕ ኣውሮጳ ገጻ ንኸይተቋምት ዝኣተወቶ ውዕል ከም ዝጠሓሰት'ውን ሩስያ ትገልጽ። እንተዀነ ኣሜሪካ ከምዚ ዝብል ውዕል ከም ዘይነበረ እያ ትገልጽ።

ኔቶ ብወገኑ፡ ውሑዳት ሃገራት ጥራይ ምስ ሩስያ ከም ዝዳወባን፡ ብዓንደ ርእሱ ድማ ወተሃደራዊ ኪዳን ምዃኑን እዩ ዝከራኸር።

ኔቶ፡ ኣብ ጉዳይ ሩስያ-ዩክረይን እንታይ ገይሩ?

ዩክሬናውያን፡ ኣብ 2014፡ ነቲ ብሩስያ ይድገፍ እዩ እናበሉ ዝኸስዎ ዝነበሩ ፕረዚደንቶም ካብ ስልጣን ዓልዮምዎ።

ሩስያ ድማ፡ ነታ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዩክረይን እትርከብ ክረሚያ ወሪራ ብምሓዝ ናብ ግዝኣታ ጸንበረታ። ኣብ ምብራቕ ዩክረይን፡ ሰፋሕቲ ቦታታት ንዝተቘጻጸሩ፡ ደገፍቲ ሩስያ ዝዀኑ ተገንጸልቲ ሓይልታታት ክትድግፍ ጀሚራ።

ኣብዚ ጉዳይ ኔቶ ቀጥታዊ ምትእትታው ኣይገበረን፤ እንተዀነ፡ ወተሃደራቱ ናብ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ብምልኣኽ ግብረመልሲ ሂቡ።

ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ ሩስያ ንዝዀነት ኣባል ኔቶ እንተወረረት ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ ይፍለጥ።

ኔቶ፡ ኣብ ኢስቶኒያ፡ ላቲቭያ፡ ሊትዌንያን ፖላንድን ዝተዋፈሩ ኣርባዕተ በጦሎኒ ኣለውዎ፣ ኣብ ሩማኒያ ድማ ሓደ ብርጌድ።

ኣብ ሃገራት ባልቲክ፡ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ብሓፈሻ ኣየራዊ ሓለዋኡ ኣስፊሑ'ሎ። እዚ ድማ፡ ዝዀነት ንክሊ ኣየር ኣባል ኔቶ ዝጠሓሰት ነፋሪት ንምቍጽጻር ዝዓለመ እዩ።

ሩስያ ድማ እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ'ዚ ካብቲ ቦታታት ክወጽእ ትደሊ።

ኣሜሪካ፡ ምብራቓዊ ወሰናስን ኔቶ ንምድልዳል፡ ኣሽሓት ወተሃደራታ ናብ ፖላንድን ሩማኒያን ኣዋፊራ'ላ።

ኣብ ርእሲኡ ገዚፍ ሓይሊ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ኣዚዛ ኣላ። እንተዀነ ወተሃደራታ ናብ ዩክረይን ከተዋፍር መደብ ከም ዘይብላ ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ።

ሚሳይላት ጸረ-ታንክን ጸረ-ነፈርትን ብምልኣኽ፡ ኣማኢት ዶላራት ዝዋጋኡ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክትልእኽ ጸኒሓ'ላ።

ጀታት ቱርኪ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዘሎ ሰራዊቱ የጠናኽር'ዩ ዘሎ

ካልኦት ኣባል ሃገራት ኔቶ'ውን፡ ስርሓት ኣሜሪካ ዝዀነ ኣጽዋራት ናብ ዩክረይን ክልእካ ኣፍቂዳትለን ኣላ።

ብሪጣንያ ብወገና፡ ሓጺር ርሕቀት ጸረ-ታንክ ሚሳይን ንዩክረይን ኣዕጢቓታ'ላ።

ተወሰኽቲ 250 ወተሃደራታ ድማ ናብ ፖላንድ ልኢኻ'ላ። ኣብ ኢስቶኒያ ዘለዋ ሓይሊ ንምድልዳል ድማ 900 ወተሃደራት ወሲኻ'ላ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ነፈርቲ ኲናት ናብ ደቡብ ኣውሮጳ ከተዋፍር እንከላ፡ ሓይሊ ባሕራ፡ ምስ ናይ ካልኦት ኣባል ሃገራት ኣብ ምብራቕ ሜዲተራንያን ኮለላ ክገብር ኣዚዛ'ላ።

ዴንማርክ፡ ስጳኛ፡ ፈረንሳን ነዘርላንድን፡ ነፈርቲ ኲናትን መራኽብን ናብ ምብራቕ ኣውሮጳን ሜዲተራንያንን ኣዋፊረን ኣለዋ።

ሽወደንን ፊንላንድን ንምንታይ እየን ኣብዚ እዋን ናብ ኔቶ ክጽንበራ ሓሲበን?

ውሳነ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ነቲ ንዓመታት ዝጸንሐ ሰላምን ምርግጋእ ሰሜን ኣውሮጳ ሕሱም ወቒዕዎ እዩ። ብሰንኪ'ዚ ድማ ሽወደንን ፊንላንድን ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣትየን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ ነበር ኣሌክሳንደር ስተብ ብወገኑ፡ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ እዩ፡ ውሳነ ምጽንባር ፊንላንድ ናብ ኔቶ 'ዘብቅዐ ጉዳይ' ዝብለ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፒተር ሃልቪስት፡ እዚ ፍጻመ፡ ፕረዚደንት ሩስያ፡ "ክግመት ዘይከኣል፡ ዘይእመን፡ ከምኡ'ውን ደማዊ ኲናት ክእውጅ'ውን ድሕር ዘይብል፡" ምዃኑ ዘመስከረ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ከምዘይትጽንበር'ኳ ገሊጻ እንተነበረት፣ ክልቲአን ሃገራት ኖርዲክ ግን ኣብዚ እዋን ሓይሊ ምክልኻለን ምሕያል ከም ዘድሊ ይገልጻ ኣለዋ።

ሓያለ ዜጋታት ሽወደንን ፊንላንድን ከኣ፡ ኣብቲ ርግኣት ስኢኑ ዘሎ ኣውሮጳ፡ ኔቶ ዘራይ ክዀነሎም ከም ዝኽእል ተስፋ ኣንቢሮም ኣለው።