ኲናት ዩክረይን፡ ኔቶ እንታይ እዩ ንወራር ሩስያ ዝሃቦ ግብረመልሲ'ኸ እንታይ ይመስል?

ወተሃደራት ኔቶ ሰርብያ: 2021

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፊንላንድን ሽወደንን ናብ ኔቶ ናይ ምጽምባር ሕቶ ከቕርባ ትጽቢት ይግበር ብምህላው፡ እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ኣብ ቀረባ ግዜ ከስፋሕፍሕ ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብዚ እዋን ሃገራት ኔቶ ንወራር ሩስያ ንምምካት፡ ካብ ሚሳይላት ክሳዕ ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝበጽሕ ቢልዮናት ዶላራት ዋጋ ዘውጽእ ሓገዛት ንዩክረይን የበርክታ ኣለዋ።

ኔቶ እንታይ እዩ?

ኔቶ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳ፡ እንግሊዝን ፈረንሳን ዝርከባአን 12 ሃገራት ኣብ 1942 ዝመስረተኦ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ እዩ።

ብመሰረት'ዚ ውዕል፡ ዝዀነት ኣባል ሃገር ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ምስ ዝገጥማ ሓቢረን ክልዓላን ክቘማላን ኪዳን ኣተዋ።

ቀንዲ ዕላማ ኔቶ ድማ፡ ምስፍሕፋሕ ሩስያ ኣብ ኤውሮጳ ንምግታእ እዩ ነይሩ።

ሕብረት ሶቭየት [ሩስያ] ብወገና፡ ኣብ 1955፡ ዴሳውያን ንዝዀና ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ዝሓቘፈ፡ ብ 'ዋርሶ' ዝፍለጥ፡ ወተሃደራዊ ኪዳን መስሪታ።

ኣብ 1991 ድሕሪ ዝሰዓበ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት፡ ሓያለ ካብተን ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዋርሶ ዝነበራ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ኣባላት ኔቶ ኰና።

ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ክጽምበራ ይኽእላ ዶ?

ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንምጽምባር፡ ኣብ ፈለማ ናይ ወርሒ ሰነ ጥርዓን ከቕርባ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ትጽቢት ይገብሩ።

እዘን ሃገራት ነቲ ወተሃደራዊ ኪዳን እንተተጸምቢረን፡ ብዝሒ ኣባል ሃገራት ኔቶ 32 ክኸውን እዩ።

ሩስያ እዘን ክልተ ሃገራት ናብቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ከይጽምበራ ኣጠንቂቓ ኣላ።

ሰብ መዚ ምክልኻል ኣሜሪካ ግና፡ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምፍጻማ "ዓቢይ ስትራተጂካዊ ስሕተት" ምዃኑ ብምግላጽ ንምስፍፋሕ ኔቶ ዕድል ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ።

ምስፍሕፋሕ ኔቶ
1px transparent line

ንምንታይ'ዩ ኔቶ ወተሃደራት ናብ ዩክረይን ዘይለኣኸ?

ዩክረይን ኣባል ኔቶ ስለዘይኮነት፡ እቲ ኪዳን ነታ ሃገር ናይ ምክልኻል ግዴታ የብሉን።

ሃገራት ኔቶ፡ ወተሃደራተን ኣብ ዩክረይን ምስ ሓይልታት ሩስያ እንተገጢሞም፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራብን ምሉእ ግጭት ከየስዕብ ይሰግኣ።

ኔቶ፡ ኣባላቱ "ብዝከኣለን ዘበለ ኩሉ ንዩክረይን ንምሕጋዝ ድልዋት ምሕላወን" እንተኾነ ግና እቲ ኲናት ካብ ዶባት ዩክረይን ክሓልፍ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።

በዚ ከኣ እዩ ንኣየራት ዩክረይን ካብ በረራ ነጻ ዞባ ኢሉ ክእውጅ ዘይደለየ።

እንተኾነ ግና ኣብ ስሎቫክያ፡ ሃንጋሪ፡ ቡልጋርያን ሮማንያን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣርባዕተ ሓደስቲ ብርጌዳት ክቖማ ወሲኑ ኣሎ።

ካብዚአን ስሎቫክያ፡ ሃንጋርን ሮማንያን ምስ ዩክረይን ዝዳወባ ክኾና እንከለዋ፤ ንብዝሒ ኣብቲ ዞባ ዘለው ወተሃደራት ኔቶ ብዕጽፊ ዘዕብይ እዩ።

ሩስያ ስለምንታይ'ያ ንኔቶ እትቃወም?

ኔቶ ኣብ 2008 እዩ ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ክትጽምበር ዕድላት ከፊቱላ። ኣብ 2014 ሩስያ ንክረምያ ወሪራ ምስ ሓዘት፡ ዩክረይን ነቲ ኪዳን ምጽምባር ሓደ ካብ ቀዳምነታታ ብምግባር ክትንቀሳቐስ ጀሚራ።

እንተኾነ ግና እዚ፡ ብቐንዱ ብሩስያ ዓቢ ተቓውሞ ስለዝገጠሞ ክውን ክኸውን ኣይከኣለን።

ሩስያ ነቲ ወራር ቅድሚ ምጅማራ ካብ ዘቐመጠቶ ጠለባት ሓደ፡ ዩክረይን ናብቲ ኪዳን ፍጹም ክትጽምበር ከይፍቀደላ ዝብል ክኸውን እንከሎ፤ ኔቶ ነዚ ኣይቕበሎን።

ኔቶ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ሓደስቲ ኣባላት እናወሰኸ፡ በብቕሩብ ናብቲ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዘለዋ ከባቢታት ይጽጋዕ ከምዘሎ እያ እትገልጽ። ንዩክረይን ምፍቃድ ከኣ ንኔቶ ናብ ኣፍደገኻ ከምምጽዋዕ እያ እትሪኦ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ "ዩክረይን ኣባል ኔቶ ኣይኮነትን እዚ ንጹር እዩ። ይርድኣና እዩ" ብምባል ሃገሩ ኣብዚ እዋን ናብ ኔቶ ክትጽምበር ከም ዘይትኽእል ተቐቢልዎ እዩ።

ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ናብ ዩክረይን ዝለኣኽኦ ኣጽዋር እንታይ ይመስል?

ኣብ ፈለማ ሃገራት ኔቶ፡ ንምክልኻል ዘገልግል ኣጽዋር ምልኣኽ እየን መሪጸን ኔረን።

ብሪጣንያ ብኣሽሓት ዝቑጸር 'ኤንኤልኤዳብሊው' ዝተባሃለ ጸረ-ታንክ ሚሳይላትን 'ስታረስትሪክ' ዝበሃል ጸረ ነፈርቲ ሚሳይላትን ናብ ዩክረይን ልኢኻ።

ኣሜሪካ ከም ኣካል ናይቲ ነታ ሃገር ክትህቦ ዝወሰነት 3 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ፡ ጸረታንክ ሚሳይላት (ጃቨሊን) ከምኡ'ውን ጸረ ረፈርቲ ሚሳይላት (ስቲንገር) ለጊሳ።

ስሎቫክያ ክሳዕ 400 ኪሜ ርሕቐት ዝውነጨፍ ኤስ-300 ዝዓይነቱ ስርዓተ ጸረ ነፈርቲ ንዩክረይን ሂባ።

ኣሜሪካን ቱርክን ሚሳይላት ዝዓጠቑ ድሮናት ልኢኸን ኣለዋ።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት ኣባላት ኔቶ፡ ሰራዊት ዩክረይን ንወተሃደራት ሩስያ ካብ ዶንባስ ደፊኡ ንኸውጽእ ንምሕጋዝ ከበድቲ ኣጽዋር ናብ ዩክረይን ይልእኻ ኣለዋ።

  • ቼክ ሪፓብሊክ ቲ-72 ከምኡ'ውን ድሩዓት መካይን ልኢኻ
  • ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ድሩዓት መካይን ይልእኻ ኣለዋ
  • ኣሜሪካ ብሪጣንያ ካናዳን ሆላንድን ከበድቲ ኣጽዋር ይልእኻ ኣለዋ
  • ጀርመን ታንክታትን ካልእ ድሩዓት መካይንን ንምልኣኽ ሓሳብ እኳ እንተለዋ ጌና ኣይወሰነትን።
ነፈርቲ ኲናት ቱርኪ ኣብ ፖላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣውሮጳዊ ሕብረት ንዩክረይን ኣጽዋር ንምቕራብ ክሳዕ 450 ሚልዮን ዩሮ ክውዝዕ እንከሎ፤ ኣብ ታሪኽ እቲ ሕብረት፡ ኣብ ኲናት ናይ ኣጽዋር ደገፍ ክገብር እዚ ንፈለማ እዋን

ቤልጅዩም፡ ፖላንድ፡ ኤስቶንያ፡ ላቲቭያ፡ ዴንማርክ፡ ስጳኛን ስሎቫክያን'ውን፡ ጠያይቲ፡ ነዳድን መግብን ዝርከቦ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ይልእኻ ኣለዋ።

ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዝርከቡ ወተሃደራት ኔቶ ክንደይ ይኾኑ?

ኔቶ ብሰሜን ካብ ሪፓብሊክ ባልቲክ ክሳዕ ሮማንያ ብደቡብ ዝተዘርግሑ ወተሃደራት ኣለዎ።

እዚኦም ሩስያ ንክረምያ ድሕሪ ምቁጽጻራ ኣብ 2014 እዮም ተዋፊሮም።

ኔቶ ገለ ክፋል ናይቲ 40,000 ዝበጽሕ ናይ ብርቱዕ ግብረመልሲ ሓይሉ ናብተን ምስ ሩስያን ዩክረይንን ዝዋፈራ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮጳ ልኢኹ እዩ።

ኣብ ተጠንቀቕ ዝርከባ 100 ነፈርትን 120 መራኽብን ኣለዎ።

ኣሜሪካ ተወሰኽቲ ወተሃደራት ናብ ኣውሮጳ ክትልእኽ ምዃና ገሊጻ እያ።