ኣብ ዩክረይን ዝተገብረ መጥቃዕቲ ጅማሮ ጥራሕ'ዩ - ቮልድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ብሓደ ሩስያዊ ጀነራል ንዝተዋሃበ ርእይቶ ብምጥቃስ፡ መጥቃዕትታት ሩስያ፡ ኣብ ዩክረይን ከምዘይብቅዕ ተዛሪቡ።
እቲ ጀነራል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሞስኮ ንደቡባዊ ዩክረይን ክትቆጻጸር ዝደለየት፡ ካብ ሞልዶቫ ክትንጸል ንእትደሊ ዞባ ትራንስኒስትርያ ቅርበት ስለዘለዎ እዩ ምባሉ ይግለጽ።
ሩስያ ንኻልኦት ሃገራት ናይ ምውራር ድሌት ኣለዋ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተኸፊቱ ዘሎ መጥቃዕቲ ጅማሮ ጥራሕ እዩ ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ መዓልታዊ ዝህቦ መብርሂ፡ "እዚ ነቲ ብተደጋጋሚ ክብሎ ዝጸናሕኩ መረጋገጺ እዩ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ከም መጀመርታ እዩ፤ ብድሕሪኡ ናብ ካልኦት ሃገራት ክቕጽሉ እዩ ድሌቶም" ኢሉ።
"ነዚ ሕልሚ ናይ ፌደሬሽን ሩስያ ምብርዓን ኣገዳሲ ክሳዕ ዝኾነ ንሕና ንገዛእ ርእስና ክንከላኸል ኢና። እንተኾነ ግና ኩለን እተን ከማና ብዓወት ህይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ዝኣምና ሃገራት ምሳና ክቃለሳ ኣለወን። ንሕና ኣብዚ መስመር ኣብ ቅድሚት ስለዘሎና ክሕግዛና ይግባእ። ቀጺሉ ናብ መን እዩ?
ቀጺሉ ክመጾ ዝኽእል ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ኣካል ሎሚ ገለ ነገር ንኸይስእን ዘይሻራዊ ክኸውን እንተደልዩ፡ እቲ ዝኸፍአ ምርጫ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ክትስእን ኢኻ" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሞልዶቫ ብወገኑ ርእይቶ ሜጀር ጀነራል ሩስታም ሚነካየቭ ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ንኣምባሳደር ሩስያ ጸዊዑ ከምዘዘራረበ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ሞልዶቫ ዘይሻራዊት ሃገር ምዃና ዝገለጸ እቲ ሚኒስትሪ፡ እዚ መትከል "ፌደሬሽን ሩስያ ብእትርከቦም ኩሎም ዓለምለኻውያን ተዋሳእቲ ክኽበር ይግባእ" ኢሉ።
ብኻልእ ወገን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ምስ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን ክራኸብ ምዃኑ ተገሊጹ።
ሰሉስ ኣብ ሞስኮ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ክራኸብ ትጽቢት ዝግበረሉ እቲ ዋና ጸሓፊ ካብኡ ቀጺሉ ሓሙስ ናብ ኪቭ ብምምራሕ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክራኸብ እዩ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ነቲ ግጭት ኣብ ምፍታሕ ንጡፍ ተራ ክጻወት ጸቕጥታት ክግበረሉ እዩ ጸኒሑ።
ሩስያን ዩክረይንን ካብ መስረትቲ ሃገራት እቲ ውድብ እየን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







