ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊታ - ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ምብራቓዊ ዞባ ዶምባስ ንምቁጽጻር መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተት መራሒ ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ፡፡
ሞስኮ ትማሊ ሰኑይ ከተማታት ብሮኬትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝደብደበት ኮይና ዘለንስኪ ብቪድዮ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ‘‘ዶንባስ ንምሓዝ ዝግበር ኲናት’’ ተጀሚሩ ኢሉ፡፡
ላዕለዋይ በዓል መዚ ድሕነት ዩክረይን ኦለክሲ ዳኒሎቭ እውን ሩስያ ኣብቲ ግንባር ዘሎ ምክልኻል ሰራዊት ዩክረይን ሰይራ ንምእታው ከምዝፈተነት ገሊጹ፡፡
ሩስያ ንርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪቭ ንምቁጽጻር ዝገበረቶ ፈተነ ከይሰመረ ምስተረፈ ገጻ ናብ ምብራቕ ዩክረይን ከም እትገብር ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ እዩ፡፡
ኣብ ፈለማ ድልየት ሞስኮ ንዓበይቲ ከተማታት ዩክረይን ተቖጻጺራ ነቲ መንግስቲ ምዕላው እዩ ነይሩ፡፡
ከቢድ ምክልኻል ምስ ኣጋጠማ ግና ወታሃደራዊ ሰብመዚ ሩስያ ቀዳማይ ዙር ወፍሪ ኣዐዊቶም ሓይልታቶም ካብታ ከተማ ከምዝሰሓቡ ገሊጾም፡፡
ቀጺሎም ዕላማ ናይቲ ወራር ኣብ ዶንባስ ንዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ ሩስያ ‘‘ሓራ’’ ናብ ምውጻእ ከምዘዘርዎ ኣፍሊጦም፡፡
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዕላማ እቲ ወራር ዕጥቂ ዩክረይን ንምፍታሕን ካብ 'ናዝነት' ነጻ ንምግባርን ከምዝኾነ ኣብ ፈላሞት ቅንያት እቲ ወራር ገሊጹ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ዩክረይንን ደገፍታን ነቲ ዘይምኽንያታዊ ወራር ንምሽፋን ዝቐረበ ምኽንያት ከምዝኾነ እየን ዝሕብራ፡፡
ትማሊ ሰኑይ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ንዝርከባ ከተማታት ማእለያ ብዘይብሉ ሮኬታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ክደብድቡወን ዝወዓሉ ኮይኖም ሸሞንተ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ፡፡
ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃነስክ ነቲ ኩነታት ‘‘ሲኦል’’ ክብል ክገልጾ ከሎ፡ ኣብ ገለ ከተማታት ቀጻሊ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ጸብጻባት የመልክቱ፡፡
ኣመሓዳሪ ካልኣይቲ ዓባይ ከተማ ካርኪቭ እውን ከቢድ ኲናት ክካየደሎም ይኽእል እዩ ካብ ዝበሃሉ ከባቢታት ሰላማውያን ሰባት የግዕዙ ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ፡፡
ሰብመዚ ምክልኻል ሩስያ ብወገኖም ሰንበት ምሸት ንኣማኢት ወታሃደራዊ ዒላማታትን ወሃብቲ ኣገልግሎታትን ዩክረይን ከምዝወቕዑ ገሊጾም፡፡
ብሰኑይ ምሸት ብቪድዮ መልእክቲ ዘሕለፈ ፕረዚደንት ዩክረይን፡ ንሱን ሓይልታቱን ‘‘ንባዕልና ክንከላኸል ኢና’’ ዝበለ ኮይኑ ናይ ዩክረይን ዝኾነ ነገር ኣሕሊፎም ከምዘይህቡ ገሊጹ፡፡
ሞስኮ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰራዊታ ን 93 ምኢታዊት ግዝኣት ሉሃንስክን 54 ምኢታዊት ዶንተስክን ከምዝተቖጻጸሩ ዝገለጸት ኮይና ነቶም ኣብቲ ግዝኣት ዝተረፉ ወታሃደራት ዩክረይን ክኸቡዎም ከምዝኽእሉ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና ካብ ሰራዊት ዩክረይን ከቢድ ምክልኻል ኣጋጢምዎም ጸኒሑ፡፡
ዩክረይን ኣብ ግዝኣት ዶንባስ ካብ 40 ክሳብ 50 ሽሕ ሰራዊት ከምዘለዋ ዝግመት ኮይኑ እቶም ወታሃደራት ንነዊሕ ዓመታት ኣንጻር ብሩስያ ዝሕገዙ ዕጡቓት ክዋግኡ ዝጸንሑን ምኩራትን ከምዝኾኑ ይግለጽ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







